'ድንጉይ ግን ዘተኣማምን' ምዕባለ ንርኢ ኣለና -ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ

ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ብሰሉስ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ነይሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝሓበረሉ እዋን፡ ክልቲኦም ኣብ “ዞባዊ ጉዳያት” ተዘራሪቦም ምባሉ ይዝከር።

ትማሊ ምስ ቢቢሲ ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ ቃለመጠይቕ ዝገበረ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ንኸብቅዕ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ “ድንጉይ ግን ድማ ዘተኣማምን” ምዕባለ የርኢ ኣሎ ክብል ገሊጹዎ።

ኦባሳንጆ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ካብ ዝሽየም ንደሓር፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ብምኻድ ንመራሕቲ እቲ ክልልን ፌደራል መንግስትን ከዘራርብ ጸኒሑ’ዩ።

“እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ካብቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ዝሓሸ’ዩ፤ ብቐጻሊ ክንገብሮ ዝግብኣና፡ እቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ምትእምማን ንኽፍጠር ዝሕግዙ ስጕምታት ኣዕቢኻ ክቕጽሉ ምግባር እዩ፡” ኢሉ።

እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጐ እዞም መራሕቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት ዝምልከት ብወግዒ ዝተገልጸ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ምብጻሕ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ፣ እቲ ኲናት ድማ ጠጠው ክብል ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ይዘራረቡ ምህላዎም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ዘይተገደብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ኣለዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዘየድልዮ ከባቢ የለን፤ ግን ሰብኣዊ ረድኤት ኣይበጽሕን ዘሎ። ስለ ዝዀነ፡ ናብ ስሩዕ ምዕራፍ ኣዋጅ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝወስደና ኣብ ስምምዕ ዝተሞርኰሰ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ኢና ንደሊ፡” ይብል።

ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ብዕቱብ ወሲዱዎ’ዩ ኢልካ’ዶ ትሓስብ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበበሉ ኦባሳንጆ፡ “ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፣ ድሕነትን ምርግጋእን ንክመጽእ ንዓይ ምስያሙ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ጉዳይ ብልቢ ተቐቢልዎ'ሎ ማለት እዩ። ስለዝዀነ ድማ ንንእዶ፡” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኲናት ጠንቂ ሞትን ምምዝባልን ኣሽሓት ክኸውን እንከሎ፡ ሚልዮናት ንሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ክቃልዑን ሓደጋ ጥምየት ከንጸላልዎምን ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ብዝብል ማሕበረሰብ ዓለም፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኲናት ጠጠው ከብሉ ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወስደ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ድማ፡ ተዛማዲ ህድኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ዝርርብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ጸቕጢ ምፍጣር ዘይኮነ ካብ ጸቕጢ ክናገፉ ምግባር ከም ዝዀነ ይዛረብ።

“ናተይ ስራሕ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ጸቕጢ ምንጋፍ እዩ፤ ስለዚ፡ ሕጂ’ውን ናብ ካልእ ጐንጺ ዘእቱ ጸቕጢ እንተሃልዩዎም ካብዚ ብምንጋፍ ኣብ ክንዲ ኲናት፡ ሰላማዊ መገዲ ንኽርእዩ ምግባር እዩ፡” ኢሉ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኵናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ዝተጀመረ ጻዕሪ ግን መዓስ ከም ዝዛዘም ገደብ ግዜ ከቐምጥ ከም ዘይክእል ዝገልጽ ኦባሳንጆ፡ ኣብ መንጐ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ሓባራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር ቀጻሊ ጻዕሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

እቲ ብወገን መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ዝተኣወጀ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ድማ፡ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ስሩዕ ኣዋጅ ምቁራጽ ተጻብኦ ክወስድ ዘኽእል ንክኸውንን ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።

“ኣብ ትግራይ መብራህቲ፡ ማይ፡ ባንኪ የለን። እቲ ኲናት ንኻልኦት ኣገልግሎታት’ውን ጸልዩ’ዩ። ናብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ክበጽሕ ከይደ ነይረ፤ ኣብኡ ዘሎ ማእከል ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ’ዩ፤ እዚ ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ። እዚ ንኽግሃድ’ውን ኢና ንሰርሕ ዘለና፤ እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ሰለስተ ድዩ ሽዱሽተ ወርሒ ክብጻሕ ኣይፈልጥን፤ ግን ቅድሚ'ቲ ብዙሓት ሰባት ትጽቢት ዝገብርሉ ክኸውን'ዩ ኢለ እኣምን፡” ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት ግን፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ስግኣታት ፈጢሩ ምህላው ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሸራሮ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ህጻን ከም ዝተቐትለትን 18 ሰባት ከም ዝቆሰሉን ሮይተርስ ጸብጺቡ ነይሩ።

ሮይተርስ፡ ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘስፈሮ ሰነድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመልኪተ ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ከተማ ሸራሮ ብውሕዱ 23 ግዜ ከቢድ ኣጽዋር ከምዝተኮሰ ገሊጹ።

ካብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኮነ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተኻይዱ ዝተበሃለ ውግእ ዛጊት ዝተበሃለ የለን።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብ24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን ብሓይልታቶም ከምዝበርዓነን ጠቒሱ።

ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝጠቐሶ ረጽሚ ዝተዋህበ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ህወሓት ንዳግማይ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊጾም ነይሮም።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሱ ቱሉ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ግና መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይክእልን" ኢሉ።

መራሕቲ ህወሓት "ባዕሎም ንኲናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝፈጠርዎ" እዩ ብምባል ድማ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ።