ዓማጺ ባህሪ ከመይ ኢሉ'ዩ ኣብ ደምና ዝሰርጽ? ሳይንስ መልሲ ኣለዎ

ኣብ ታሪኽ ፍልቀት ወዲሰብ [evolution] ዓሚቝ ሰረት ዘለዎ ባህሪ ጐነጽ ወይ ዓመጽ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣዕናውቲ ባህሪያት እዩ።
ተመራመርቲ ዓመጸኛታት ወይ ናዕበኛታት ክንከውን ዝገብረና ነገር ንምፍላጥ ንዓመታት መጽናዕቲ ከካይዱ ጸኒሖም።
ነዚ ምኽንያት ዝኸውን እቲ እንዓብየሉ ማሕበራዊ ከባቢ ድዩ ወይስ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት? ካብኡ ሓሊፉ፡ ጠንቂ'ዚ ጐነጻዊ ባህሪ ዝኸውን ክንቈጻጸሮ ዘይንኽእል ነገር ኣሎ ድዩ? እቲ ተዋጋኢ ጂን - ‘ዋርየር ጂን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰረት ወለዶና ዝመሓላለፈሉ ዋህዮታት’ዶ ይኸውን?
ዛንታ፡ ‘ዋርየር ጂን’ ብ1978 እዩ ዝጅምር።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኔዘርላንድ፡ ብዛዕባ ገዛእ-ርእሳ ዘይኰነ ብዛዕባ መላእ ስድራቤታ ዝተጨነቐት ሓንቲ ጓለንስተይቲ ናብ ሆስፒታል ከደት።
ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ጐነጻዊ ገበናት ዝፈጸሙ ነበሩ።
ወለዶታት ዝሰገረ ዛንታ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጻትን ነበሮም። እታ ሰብ፡ ኣሕዋታ እንታይ ኰይኖም ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ገበናት ጥሒሎም ንምፍላጥ እያ ናብ ሕክምና ዝኸደት።
በዚ ኸኣ ተመራመርቲ፡ ካብ ኣባላት እታ ስድራቤት ቅምሶታት ወሲዶም መርመራ ጀመሩ።
ብመሰረት'ቲ ዝተኻየደ መርመራ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ታሪኽ ጐነጻዊ ገበን ዘለዎም ምዃኖም ከረጋግጹ እንከሎ፡ ሓደ ዓይነት ጀነቲካዊ ለውጢ ከም ዘለዎም'ውን ተፈልጠ።
እዚ ጀነቲካዊ ለውጢ፡ ኤምኤኦኤ [ሞኖኦሚን ኦክሲዳይዝ ኤ] ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ጂን ዝፍጠር ኰይኑ፡ ኣብዛ ስድራቤት ዝተራእየ እዚ ዓይነት ጅን ከኣ ስርሑ ብኣግባቡ ይዓዪ ዘይምንባሩ’ዩ።
ኣብ ሓንጐልና ሴራቶኒን ዝተባህለ ኬሚካል ዘመንጩ ሞሎክዩል ዝፈጥር ክልተ ቅዳሕ ናይዚ ‘ዋርየር ጅን’ ኣብ ኵላትና ኣሎ።
እዚ፡ ኣብ መንጐ ሓንጐልና ናብ ዘለው ዋህዮታት ሓበሬታ ዝሰድድ ኰይኑ ንባህሪያትና ይቐርጾን ይጸልዎን።
ስለዚ፡ እዚ ጅን ስርሑ ብግቡእ ይሰርሕ እንተዘይሃልዩ፡ ዘይምእዙዝ ወይ ንኽትቈጻጸሮ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዓይነት ሰብ ክትኸውን ይገብረካ ማለት’ዩ።
እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እዚ ‘ኤምኤኦ ኤ’ [MAOA] ዝተባህለ ጅን ምስ ጐነጻዊ ባህሪ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ድሕሪኡ ኣሽሓት ኒውዝላንዳውያን ብምስታፍ ኣብ ኒውዝላንድ ንዓሰርታት ዓመታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቍልዕነት ዝውህለል ተመኵሮን ምስ ዓበኻ ዝህሉ ጐነጻዊ ባህርን ዘለዎም ምትእስሳር ዳህሲሱ።
በዚ መሰረት ተመራመርቲ፡ እዚ ጅን ትሑት ንጥፈት ወይ ዕማም ክህልዎ እንከሎ፡ ጐነጻዊ ባህሪ ልዑል ከም ዝኸውን ኣረጋጊጾም።
ብተወሳኺ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ግዜ ቍልዕነት ዝነበሮም ሰባት ጐነጻዊ ባህሪ ከዕብዩ ከም ዝኽእሉ ተረዲኦም።
እቲ ምርምር በዚ ደው ኣይበለን።
ኣብ ፊንላንድ'ውን ካልእ መጽናዕቲ ተኻይዱ።
እዚ ኣብ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሎም ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ዘተኰረ ነይሩ።
“ናይ ኣስታት 800 እሱራት መረዳእታ ኣኪብና። ካብዚኦም እቶም ክልተ ሲሶ፡ ብውሑዱ ሓደ ጐነጻዊ ገበን ፈጺሞም ዝነበሩ’ዮም። ልዕሊ 50 ሚእታዊት ድማ ቅትለት፡ ፈተነ ቅትለት ዝርከቦም ብውሑድ ዓሰርተ ገበናት ፈጺሞም ዝነበሩ’ዮም። ሓደ ውልቀሰብ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ጐነጻዊ ገበናት ፈጺሙ እንተነይሩ፡ ንሱ ወይ ንሳ ትሑት ኤምኤኦኤ ኣለዋ ወይ ኣለዎ ማለት እዩ፡” ትብል ፕሮፌሰር ክሊኒካል ሳይካትሪ ቲና ፓውኒዮ።
ካብ ዓሰርተ እቶም ሽዱሽተ ሰባት ኣዝዩ ትሑት ንጥፈታት ‘ኤምኤኦኤ’ ዘለዎም ምዃኖም ይፍለጥ።
ይዅን’ምበር ካብ ዓሰርተ ሰባት እቶም ሽዱሽተ ኣሰካፊ ጐነጻዊ ገበናት ይፍጽሙ’ዮም ማለት ኣይኮነን።
ስለዚ፡ እዚ ዓይነት ጅን እንተሃልዩካ ተጓናጺ ትኸውን ማለት ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ጀነቲክስ ከምኡ ኣይኮነን ዝሰርሕ።
እንተዀነ፡ ብሰንኪ'ቶም ዓማጺ ባህሪ ክህልወና ዝገብሩ ጀነቲካዊ መስርሓት፡ ገበን ፈጺምና ኣብ ቤት ፍርዲ ክንቀርብ እንከለና ‘ኣነ ኣይኮንኩን፣ እቲ ጀነቲክ እዩ’ ምባል ይክኣል ድዩ?
እወ፤ ከምኡ ዝተባህለሎም ኣጋጣሚታት ከም ዘለው ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ክሊኒካል ኒዩሮሳይኮሎጂስት ሳሊ ማክስዊጋን፡ “ገለ ሰባት፡ ኣብ ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ጥልያንን ኣመሪካን ተማጕቶምሉ እዮም፡” ትብል።
ኣብ ኣመሪካ ከምዚኦም ዝበሉ ከበድቲ ጐነጻዊ ገበናት ብሞት’ዮም ዘፍርዱ። ስለዚ፡ እቲ ጉዳይ ሞትን ህይወትን ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።
ስለዚ ሰብ ሞያ ሕጊ ዓማዊሎም ካብ መቕጻዕቲ ሞት ንምድሓን ዝማጐትሉ መረዳእታታት ክእክቡ ጻዕሪ ይገብሩ።
ሰባት ዝተፈላለየ ዓይነታት ጅን ኤምኤኦኤ ዘለዎም ኰይኑ፡ እዞም ንጥፈት'ዚ ጅን ዝንክዩ ነገራት ጐነጻዊ ባህሪ ኣብ ምፍጣር ተራ ከም ዘለዎም ይግለጽ።
ገለ መጽናዕታት ድማ ኣብ መንጐ ጐነጻዊ ኣተዓባብያን ጅን ኤምኤኦኤ ብግቡእ ዝሰርሕ ዘይምዃኑን፡ ‘ኣንቲሶሻል ፐረሰናሊቲ ዲስኦርደር’ ክህሉ ይገብር ይብሉ።
እዚ ድማ ጐነጻዊ ገበናት ክትፍጽም ዝድርኽ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







