ቅልውላው ትግራይ: ንገንዘቦም ገንዘብ ከፊሎም ክረኽቡ ዝግደዱ ዘለው ተጋሩ ስድራቤታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኑረዲን* ሓደ ካብቶም ብሸነኽ እቶም ክልል ኣምሓራ ምስ ትግራይ ዝዋሰነሎም ከባቢታት ኮይኑ እቲ ገንዘብ ናይ ምልኣኽ ስራሕቲ ዘሳልጡ ደለልቲ እዩ።
እቲ ገንዘብ ብሰባ ሰብን ስልክን ከም ዝበጽሖ ዝዛረብ ኑረዲን፡ እዚ ስራሕ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብምኻድ ይኹን ኣብኡ ምስ ዘለው ሰባት ብምትሕብባር ከም ዝሰርሖ ይገልጽ።
"ኣነ ዝልእኸለይ ሰብ ኣይፈልጦን ዝቕበለኒ እውን ኣይፈልጦን፤ ብእምነት ኢና ንሰርሕ። ናብ ኣላማጣ፣ መቐለ ወይ ውቕሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ገጠራት ብእግረይ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓት ተጓዒዘ ዘብጻሕኩሎም ስድራ ኣለው። ሰብ ኢና ነድሕን ዘለና" ይብል።
ዝኾነ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ኣባላት ስድርኡን መሓዙቱን ገንዘብ ክልእኽ ናብቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ፣ ዓፋር፣ ኣላማጣን መቐለን ዘለው ደለልቲ ቴሌፎን ብምድዋል፡ ተቐበልቲ ናይ ዝነብርሉ ወይ ክርከብሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብሎ ቦታ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘለዎ ኑረዲን የረድእ።
"እዚ፡ ናይ ገዛ ወይ ብሎክ ቑጽሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ንሕና ክኣ ናይቲ ተቐባሊ ሽምን መለለዪ መንነትን ርኢና ንህቦም። ነዚ ሒዝና እቲ ገንዘብ ብምብጻሕ ኣገልግሎት ንህብ ኣለና። ተመላሊስና ዘይክንረኽቦም እውን ግን ይህልው እዮም። ስልኪ የለን፣ ብኣካል'ውን ኣይንፈልጦምን፤ ክቕበሉና እንከለው ግን ንተኣማንነት ቪድዮ ቀሪጽና ናብቲ ለኣኺ ንሰድድ፤ ብኡ ኣቢልና ሰላምታ እውን ነብጽሕ" ኢሉ።
ዓሚ 28 ሰነ 2021 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ነባሪ ከተማ መቐለ ድንግርግር ኢሉዎ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ዝጓየይ፣ ሎሚኸ እንታይ'ዩ ክፍጠር ኢሉ ዝሻቐል ብዙሕ ነይሩ።
ዕጡቓት ወተሃደራት ሰራዊት ብየማነ ጸጋም እንትጓየዩ፣ ትካላት ንግዲ፣ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ተዓጽዮም፡ ሲቪላት ናብ ገዝኦም ክኣትው ጸደፍደፍ ይብሉ ነይሮም።
ነባሪት ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ ትርሓስ ሃይሉ፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለው ስድራቤታ ገንዘብ ንምልኣኽ ናብ ባንኪ ዝኸደትሉ መዓልቲ'ውን ሽዑ ምንባሩ ትዝክር።
"ካብ ስራሕ ውጽእ ምስ በልኩ ብቐጥታ ናብ ባንኪ ከይደ እተን ዝነበራኒ እየ ኣእቲወሎም። ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ ዝናፈስ ዝነበረ ሓበሬታ ግን ኣሰንቢዱኒ፤ ሕዚኸ እንታይ'ዩ ክፍጠር ኢለ ሰጊአ። ድሕሪኡ ባንኪ ስለ ዝተዓጽወ ግን ቤተሰበይ ገንዘቦም ክረኽቡዎ ኣይክኣሉን" ትብል።
ሓይልታት ትግራይ፡ ሃንደበት ንከተማ መቐለ ዳግም ክቆጻጸሩዋ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል "በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ" ኣዊጁ ካብቲ ክልል ከም ዝወጽአ ገሊጹ።
ንሒደት ኣዋርሕ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም ዝነበሩ ትካላት [ባንኪ፣ ቴሌፎንን ኤሌክትሪክን] ድማ ተቛሪጾምን ተዓጽዮምን።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ክልል ኣብ ዘይእውጅ ዕጽዋ ክኣቱ እንከሎ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ገንዘብ ንምርካብ ተጸጊሞም፤ ንኻልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት'ውን ተቓላዕቲ ዀይኖም ይርከቡ።
' . . .ብዙሕ ሰብ'ዩ ዝበኪ ዘሎ'
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ብሕጋውነት ዝሰርሕ ፋይናንሳዊ ትካላት ስለ ዘየለው፡ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ስድራቤቶም ገንዘብ ክበጽሖም ዝደለዩ ካብቲ ክልል ወጻእ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ስሩዕ ብዘይኮነ መገዲ ገንዘብ ዝልእኹ ሰባት ይጥቀሙ ኣለው። ትርሓስ ሓንቲ ካብኣቶም'ያ።
እዞም፡ ገንዘብ ተቐቢሎም ኣብ ትግራይ ናብ ዘለው ሰባት ዝልእኹን ዘብጽሑን ውልቀሰባት ድማ ካብ 20 ክሳብ 40 ሚኢታዊት፡ ካብቲ ናብ ባንኪ ሒሳቦም ኣታዊ ዝኸውን ገንዘብ ቈሪጾም ይወስዱ።
እዞም ልኣኽቲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ ክሳብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ዝተዘርግሑ ኮይኖም ካብ 'እምነት' ወጻእ ካልእ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝልእኽ ኮነ ዘብጽሕ ዝእቶ ውዕል ወይ ካልእ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከም ዘየሎ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, RKC
ኣብዚ ናይ ድለላ ስራሕ በይኑ ከም ዘይሰርሕ ዝዛረብ ኑረዲን፡ እቲ ዝልኣኽ ገንዘብ ንምብጻሕ 30/ 40 ሚኢታዊት ዓስቢ [ኮሚሽን] እናኽፈሉ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣካላት እንተሃለው'ውን ንሱ ግን 20 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዘኽፍል ይዛረብ።
ምኽንያቱ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ባንኪ ወጺኡ ክሳብ ኣብ ኢድ ተጠቀምቲ ዝበጽሓሉ ዘሎ ሰንለሰት ኣዝዩ ዝተሓለለኸ፣ ሓደገኛን ብዙሓት ተኻፈልቲን ዘለውዎ ስለ ዝኾነ'ዩ ኢሉ።
"ኩሉ እንወስዶ ኮሚሽን ናብ ጁባና ዝኣቱ ኣይኮነን። ሓደ፡ ገንዘብ ካብ ባንኪ ክወጽእ እንከሎ ንብዙሕ ሰብ ኢኻ ተውጽእ፤ ስለዚ ንሶም'ውን ናይ ሻሂ ይደልዩ'ዮም። ብተወሳኺ፡ ናብ ትግራይ ብዙሕ ገንዘብ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከቢድን ብዙሕ ማሕለኻታት ዘለዎን'ዩ። ነዚኦም ብገንዘብ ኢኻ እናሸፈንካዮ ትኸይድ።
"ካብ 10 ሽሕ 500 እያ እንተበጽሐትና፤ ዝተረፈ ነቶም ካልኦት ማሕለኻታት መሸፈኒ'ዩ ዝውዕል። ከምኡ ኢልና'ውን ግን ህይወት ሓደ ሰብ'ውን እንተኾነ ነድሕን ኢና፤ ብጣዕሚ'ዩ ዝገርመኪ ኣብኡ [ትግራይ] ሰብ ይበኪ'ዩ ዘሎ፤ ገንዘብ እናሃለዎ ይጠሚ'ዩ ዘሎ'ዩ" ይብል ኑረዲን።
እዚ ሰንሰለት፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣካላት ጸጥታ መንግስትን ምምሕዳርን ቁጽጽር ዝገብርሉ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ገንዘብ ብመንግስቲ ወይ ኣካላት ጸጥታ ናይ ምውራስ፣ ተሳተፍቲ እዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ናይ ምእሳር ሓደጋታት ከጋጥሙ ይኽእሉ'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ቈቦ፡ በታ ከተማ ኣቢሉ "ናብ ወራሪ ጁንታ ክበጽሕ ዝተተለመ ሰለስተ ሚሊዮን ብር" ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ ክብል ብፌስቡክ ገሊጹ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ብከተማ ሰቘጣ "ናብ ህወሓት ዝሓልፍ ዝነበረ ሓሙሽተ ሚሊዮን ብር" ከም ዝተትሓዘን 20 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ዝብል ሓበሬታ፡ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግኽምራ ምግላጹ ይዝከር።
እዞም ሓበሬታታት ከም ዝሰምዖም ዝዛረብ ኑረዲን ግን፡ "ንሕና ናብ ሰባት ኢና ነብጽሖ ዘለና፤ ኣብ ሞንጎ እዚ ገንዘብ ናይ ምውራስ ጥራይ ዘይኮነ ከንእሰር ወይ ካልእ ሓደጋ ክበጽሐና ከም ዝኽእል እናፈለጥና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ዝጠመዩ ሰባት ኣለው። ብዙሓት ስድራቤታት ዝተወሰነ ነገር ክረኽቡ እንከለው ወላሂ እናበኸዩ እዮም ዘመስግኑና" እዩ ዝብል።
ገንዘቦም ንምቕባል ገንዘብ ምኽፋሎም ዘሕመሞም ነበርቲ
ኣብ መፋርቕ እዚ ወርሒ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም ኣመሓደርቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዱዎም ህዝባዊ ዋዕላታት የካይዱ ነይሮም።
ኣብዞም መድረኻት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት በብቦትኡ መረረቶም ዘስምዑ ኾይኖም፡ እቲ ዝተልኣኸሎም ገንዘብ ንምቕባል ዝኸፍሉዎ ሓደ እዩ።
ሓደ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ 'ወለደን ክሓልፈለይ ኢሎም፡ ገዛ ኣትሒዞም ንወጻእ ዝሰደዱወን ቈልዑ፡ ሕዚ ኣቦታተን ተዓጽዮም ኣብ ዓዲ ጓና ኮይነን ሓዊ ተቓጺለን ዘምጽእኦ ገንዘብ ናብ ወለደን ገንዘብ ይልእኻ ኣለዋ። ነዚ ግን፡ ኣብ ኣላማጣ 35 ሚኢታዊት ይኽፈሎ ኣሎ። ኣሻሪፎም ድማ ካብ 100 ኣርብዓ ቀንዩ። ንዓኣ ሰጊሮም ድማ ናብ ፍርቂ ኣትዮም ኣለው። ሰብ ድኣ እንታይ'ዩ ክበልዕ። አረ ሕጊ ይውረዶ!' ክብሉ መረረቶም ኣስሚዖም ነይሮም።
ካልእ ነባሪት'ውን፡ "40/60 ዝብሃል ተጀሚሩ፤ 10 ሽሕ ተሰዲዱልካ ሽዱሽተ ሽሕ ትቕበል፤ ነጋዶ ንምንታይ'ዮም ዝፍርሑ? ኣደ ዝጠመየ ቈልዓ ሒዛ ኣብ ቴሌቪዥን እናርኣዩዋ እንድሕር ዘየሕሞም፡ እንታይ እዩ ኮይኑ መንግስቲ ዘይርእዮ?" ክትብል ሓቲታ።
ነዚ መሰረት ብምግባር፡ መንግስቲ እቲ ክልል ነቶም ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ዘለው ሰባት ስጉምቲ ዝወስደሉ፣ እቲ ዕጽዋ ዝልዓለሉን ስሩዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉን መገዲ ክፈጥር ይጠልቡ ነይሮም።
ስድራቤታት፡ ነቲ ዝተልኣኸሎም ገንዘቦም ክሳብ 40 ሚኢታዊት ከፊሎም ክረኽቡዎ ይግደዱ ምህላዎም እኳ እንተሕመሞም፡ እቲ ዝሕተትዎ ዘለው ክፍሊት ፍትሓዊ ከም ዘይኮነ ከም ዝርድኦም ዝዛዘረቡ ልኣኽቲ ግን ኣብ ጸገም ዘሎ ቤተሰብና ክንበጽሓሉ እንኽእል ብሕታዊ ኣማራጺ እዩ ይብሉ።
ናተይ ልምዲ ብዓፋር ዝልእኹ ሰባት እዮም ዝብል ሰመረ ገብረማርያም፡ ኣብ ቀረባ 25 ሚኢታዊት ከፊሉ ናብ ትግራይ ከም ዘልኣኸ ይዛረብ።
"እቲ ዝኽፈል ይውሓድ ይብዛሕ፡ ሃረጻ ብዝመስል መልክዑ ብዙሕ ገንዘብ ኢና ንኸፍል ዘለና። ግን ካልኦት ኣማራጺታት ተዓጽዮም'ዮም ዘለው፤ ባንኪ የለን። ስለዚ ቤተሰብ ገንዘብ ስኢኑ ብጥምየት ካብ ዝመውት '40 ሚኢታዊት ተቘረጹ'ውን ምልኣኽ ይሓሽ' ካብ ዝብል ዓቕሊ ጽበት ኢና ንጥቀመሉ" ይብል።
እቲ ኩነታት፡ ብሰንኪ እቲ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ዕጽዋ ዝተፈጥረ'ዩ ዝብል ሰመረ፡ ነዚ መንግስቲ ክንቀፈሉ ይግባእ ኢሉ ይኣምን።
"ኣብ ትግራይ ዘለው ቤተሰብ ገንዘብ ከፊልና ገንዘብ ንልእኸሎም ከም ዘለና ስለ ዝፈልጡ ይሕሞም'ዩ። ገለ ንስኻኸ እንታይ ክትኸውን ኢሎም ዝመለሱ ስድራቤት ኣለው። ሰብ ክኣ ኣብ ዕጽዋ ይጠሚ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ እቲ ዕጽዋ ክሳብ መዓዝ'ዩ ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ዝብል ናይ ህዝቢ መረረት ብዝተፈላለየ መልክዑ ይግለጽ'ዩ ዘሎ ዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ በዓል ሞያ ገበንን ድሕነትን፡ እቲ ሰንሰለት መልኣኺ ገንዘብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ወልዲያ፣ ዓፋር፣ ትግራይ ዝበጽሑ ሰባት ዝተዋፈርሉ ምዃኑ ይገልጽ።
ብመንጽር እቲ ዘለዎ ተሞክሮ ገበን ፋይናንስ፡ ከምዚ ዝበለ ውዱብ "ናይ ገበን ጉጅለ" ካብ ዘይሕጋዊ ኢኮኖሚ ወይ ቢዝነስ ዘይሕጋዊ ረብሓን ፋይናንሳዊ ጥቕሚ ምርካብን ዕላማ ዝገበረ ምንቅስቓስ ከም ዝገብር ይዛረብ።
እዚኦም፡ መንግስቲ ዘይሰርሖ ነገር ክህሉ እንከሎ ወይ ብናይ ምምሕዳር ሕጽረት ቀረብ ከቕርብ እንተዘይክኢሉ ዝፍጠሩ ጸገማት ምዃኖም'ውን የረድእ።
"ንኣብነት፡ ናብ ዝኾነ ከባቢ ቀረባት ክኣትው እንተዘይክኢሎም ኮንትሮባንዲስት ይኣትው፤ ንመንግስቲ ተኪኦም ይሰርሑ እሞ ከስቦም ይወስዱ። ከምዚ ዝበለ ጸገም ክፍጠር እንከሎ ክኣ፡ ተበለጽቲ ኣካላት ዝፍጠሩ። ዋላ'ውን ሰብ ኣማረጺ ክስእን ይገብሩ እሞ ናብ ናቶም ቢዝነስ ከይፎተኻ ትኣቱ። ኩሉ ነገር ኣብ ዝተዓጽወ ክኣ፡ ንገበነኛ ሂብካ ስራሕ ምስራሕ ልሙድ ይኸውን" ይብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ገንዘብን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ምህላው፤ እቲ ጠለብ ድማ ልዑል ምዃኑ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ንግዲ ዝዋፈሩ ውልቀሰባትን ነጋዶን ክበራኸቱ ምኽንያት ከም ዝኾነ'ውን ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ይኹን'ምበር፡ መራሕቲ ትግራይ እንትርፎ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዘለው ካብቲ ክልል ወጻእ ንዘለው ኣካላት ክቆጻጸሩዎም ከም ዘይኽእሉ እቲ ክኢላ ገበንን ድሕነትን ይገልጽ።
"ሓደ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ከይቈጻጸሩዎ ወይ ዓቕሚ የብሎምን። ካልኣይ ግን የተባብዑዎ እዮም'ኳ እንተዘይበልኩ እቲ ኣማራጺ ህዝቢ የድሕን ስለ ዘሎ ግን ጠጠው ከብሉዎ ኣይኽእሉን። ካብኡ ሓሊፉ ግን ብልሽውና'ውን ክህሉ ይኽእል፣ መንግስቲ ዝኾነ ነገር ከይለዓሎ ካብ ምስጋእ ዝነቅል ክኸውን ይኽእል" ኢሉ።
መብዛሕትኦም ነዚ ኣማራጺ ተጠቒሞም ገንዘብ ዝልእኹ ዘለው ሰባት ግን፡ ህይወት ናይ ምድሓን ጉዳይ እዩ ብዝብል ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብቲ ሰንሰለት ዝውውር ገንዘብ ከም ዝኣትው ይገልጹ።
"ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ 35 ሚኢታዊት ከፊለ ልኢኸ እየ፤ ከምኡ እንተዘይገይረ ግን ኣደይ ክትጠሚ'ያ። ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ሰብ ክተድሕን ግሉኮዝ ግዛእ ተባሂልካ ዝተብሃልኻዮ ኢኻ ትኸፍል። ኩሉ ነገር ኣብ ዝተዓጸወሉ ድማ እዚ ህይወት ናይ ምድሓን ጉዳይ'ዩ" ክብል ሽሙ ክንረቑሖ ዘይደለየ ወሃቢ ርኢይቶ ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ፡ "ናይዚ ኩሉ መልዐሊ እቲ ዕጽዋ እዩ፤ ሰባት ንምንታይ ከምኡ ይገብሩ ኣለው እንተይልና ግን ስስዐ እዩ" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







