ቅልውላው ትግራይ፡ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ቀይሕ መስቀል ናብ ትግራይ ኣትየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ ግዘ መድሃኒታት፣ ናውታት ሕክምናን ሓገዝ መግብን ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ከም ዘእተወ ገሊጹ፡፡
እተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ትማሊ ቀዳም 24 መጋቢት 2014 ዓ.ም ናብ ትግራይ ምእታወን ዝገለጸ እቲ ማሕበር እተን ብክልል ዓፋር ኣቢለን ዝኣተዋ ተሽከርከርቲ ናይ ማይ ፓምፕታት፣ ናይ ማይ መሐከሚ ኬሚካላትን ብጸሓይ ዝሰርሕ( ሶላር) ፋኑሳትን ከም ዝሓዛ ኣፍሊጡ፡፡
ውድብ መግቢ ዓለም እውን ኣብዚ ሰሙን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 13 መካይኑ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝበጸሓን ብተወሳኺ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ 47 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ናብ ከተማ መቐለ ከም ዘብጸሐን ሓቢሩ እዩ፡፡
እንተኾነ ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዘሎ ሰፊሕ ጠለብ ንምምላእ ሰሙናዊ ኣስታት 200 ሽሕ ሊትር ነዳዲ ከም ዘድሊ ውድብ ምግቢ ዓለም ገሊጹ ኣሎ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኒኮላስ ቮን ኣርክስ ‘‘ኣብ ትግራይ ብኲናት ዝተጎድኡ ነበርቲ ኣገልግሎት ሕክምና፣ እኹል ቀረብ ምግብን መሰረታዊ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ኣብ ዘይረኽቡሉ ኣዝዩ ፈታኒ ኩነታት ይነብሩ ኣለዉ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
‘‘ብተወሳኺ ናይ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን ሕጽረት ኣብ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልልን ሰብሞያ ጥዕናን ዓብዪ ጸቕጢ ፈጢሩ’’ ክብል ወሲኹ ገሊጹ፡፡
ኣብ ትግራይ ማእከላት ጥዕና ብሰንኪ ሕጽረት ኣድለይቲ መድሓኒታት ስራሕ ደው ከም ዘበላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፍለጠ ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ህጻናት ዝርከቡዎም ሕሙማት ይሞቱ ከምዘለዉ ምግላጾም ይዝከር፡፡
‘‘ኣብዚ እዋን ብዝተበጸሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ብዘርኣይዎ ድልየትን ዓለምለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሕጉስ እዩ’’ ኢሉ ኒኮላስ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘በብእዋኑ ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጽሑ ወሳኒ እዩ’’ ምባሉ እውን እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡
እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብዘካየዶም 40 በረራታት ህይወት ዘድሕኑ ከም ኢንሱሊን፣ ሄሞዳያሊስስ፣ ኦክሲቶሲን፣ ቴታነስ ቶክሳይድን ዝበሉ መድሓኒታትን ጓንቲታትን ናይ መጥባሕቲ ናውታትን ናብ ትግራይ ኣብጺሑ እዩ፡፡
ካብ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ 9 ሽሕ ተፈናቐልቲ ናይ ምግቢ፣ እኽልን ዘይትን ሓገዝ ገይሩ እዩ፡፡
ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተበጸሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ዓምቢቡ ኣሎ፡፡
እቲ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ ትግራይ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ዝገበረ ኮይኑ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ክቃልዑ ገይሩ፡፡
ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ደማዊ ኲናት ኣሻሓት ህይወቶም ስኢኖም፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎምን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎምን እዩ፡፡
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ ኮይኑ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ እዩ፡፡
እቲ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሃገራትን ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ፡፡
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኣወጀ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ እውን ምፍሳስ ደም ደው ናብ ዘብል ዘተ ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







