ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ግፋ መናእሰይን ማእሰርቲ ወለድን ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ 'ደቅሰኹም ዘይጋደልኩም' ብዝብል ወለድን ኣባላት ስድራን ተኣሲሮምን ተንከላቢቶምን ዝብል ክስታት ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።
ነዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረ ህይወት እቲ ድምዳመ ጌጋ እዩ እኳ እንተበለ፡ ገለ ምልክታት ከም ዝነበሩ ግን ተኣሚኑ።
"ምልክታት ነይሮም እዮም፤ እንተኾነ ወለዲ ዘእሰር ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ይጋደል ኣሎ እዩ። ምእሳር ጥራይ ኣይኮነን ካልኦት ምልክታት'ውን ግን ነይሮም እዮም። ሕዚ ኣብዝሓ እቶም ሽግራት ተፈቲሖም እዮም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቶም ተራእዮም ነይሮም ዝበሎም ምልክታት ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
"ጫፋት ሒዝካ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዓጺኻ፡ ባዕሉ ንባዕሉ ክታዃተኽ ናይ ምግባር ኣጀንዳ'ውን ኣሎ እዩ" ዝበለ እቲ ሓላፊ ብውልቀ ሰባት ደረጃ ዝፍጸሙ ጎዶሎታት ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።
ወሲኹ፡ "ሽሕን ሚኢትን ጎዶሎታት ኣለዉ እዮም። እዚኦም ናይ መንግስቲ ቅዋም ዘይኮኑስ ውልቀሰባት ዘፈጽምዎም እዮም። ኣብኡ'ውን ምስትዕርራይ ይግበር ኣሎ ይብል።
ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦም ሓበሬታታት ግን ብፍላይ ኣብ ገጠራትን ንኣሽቱ ከተማታትን ግፋ መናእሰይን ምንክልባት ስድራቤታትን ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።
"ህዝቢ ጥምየት ጥራይ ኣይኮነን ሸጊሩዎ ዘሎ፤ ብጠቕላላኡ ምሕደራ የለን። ደቅኹም ኣጋድሉ፣ ኣዋጽኡ ዝብል መምርሒ ጥራይ'ዩ ዝወርድ ዘሎ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት እውን ኢና ንሓልፍ ዘለና" ክብል ሓደ ምንጪ ቢቢሲ ገሊጹ።
ካልእ ወሃቢ ርኢይቶ'ውን፡ ኣብ ንኣሽቱ ከተማታት ግፋ ስለ ዝተጀመረ፡ እቲ መንእሰይ ተሓቢኡ ክውዕል ይግደድ፣ ስድራቤታት እውን ብኩነታት ደቆም ይሻቐሉ ኣለው ኢሉ።
ብዛዕባ እዚ ካልእ እንታይ ይብሃል?
ኣብ ትግራይ ኢንተርኔትን ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝዕጾ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ይርከብ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ቢቢሲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት ባዕሉ ከጻርዮም ኣይከኣልን።
ካብቶም ኢንተርኔት ናይ ምጥቃም ዕድል ዝረኸቡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ተጋሩ መናእሰይ እዚ ብዝምልከት ትዕዝብቶም ይጽሕፉን የካፍሉን ኣለዉ።
ካብ ደገፍቲ ህወሓት ድማ ከቢድ ነቐፌታን ወቐሳን ይስማዕ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ትዕዝብቶም ዘካፈሉ፡ መዘክር ኣባዲ ዘሞ ይርከቦም።
ንሱ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2022፡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝጸሓፎ ስፍሕ ዝበለ ትዕዝብቲ፡ ወለዲ ደቅኹም ኣየጋደልኩምን ኢልካ ምእሳርን መናእሰይ ምግፋፍን ንቡር ኮይኑ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"ካድረ ናብ ግፋ ማንእሰይን ናብ ምእሳር ወለድን ኣትዩ ኣሎ" ዝብል መዘክር፡ እቲ ጸገም ድማ ካብ ሰራዊት ትግራይ ከም ዘይኮነ ትዕዝብቱ የረድእ።
"እቲ ናይ ሰራዊት ምልመላ ስራሕ ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝምራሕ ኮይኑ፡ ንሶም ድማ ነቲ ካድረ ኮታ ኣውጺኦም ሂቦምዎ እዮም። 'መቐለ ዘለኻ ካድረ ክንድዚ ኣጋድል'፤ 'ውቕሮ ዘለኻ ክንድዚ ኣጋድል' ተባሂሉ ኮታ ተዓዲልዎ እዩ። እቲ ካድረ ተዛሪቡ ከእምን ስለ ዘይከኣለ ድማ፡ ናብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣትዩ ኣሎ"።
እቲ ካድረ ኮትኡ ከማልእ ኣደታትን ወለድን ናብ ምእሳር ኣትዩ ከም ዘሎ ብሰፊሑ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ስሞም ዘይንጸርሖም ካልኦት ነበርቲ መቐለ'ውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ እዮም ሂቦምና።
ፕረፌሰር ክንደያ ግና፡ ብብርኪ ውልቀ ሰባት ዝተርአየ 'ምበር ከም ስርዓት ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ የለን ብምባል ብቅልጡፍ ክእረም ተገይሩ እዩ ኢሉ ይምጉት።
ብፍላይ ካድረታት እቲ ውድብ [ህወሓት] ኣብ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ከም ዝተሳተፉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ጠቒሱ ነቲ ፕሮጀፌሰር ዝሓተተ ኮይኑ፡ "ክግበር ኣይምነበሮን፤ ግና ተዓርዩ እዩ" ዝብል ሓጺር ምላሽ ሂብሉ።
"ናይ መንግስቲ ትግራይ'ምበር ናይ ህወሓት ዝበሃል ሰራዊት የለን'ውን" ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይ ወጺኦም ድዮም?
ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮምዎ ካብ ዝነበሩ ካበብታት ዓፋር ለቒቖም ምውጸኦም ዝገለጹ እንተኾነ'ኳ፡ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ሰላምን ክልል ዓፋር ኢብራሂም ሁመድ መሐመድ፡ ካብ ኣብዝሓ ከባብታት ምውጸኦም ገሊጹ፡ ሕዚ 'ውን ኣብ ገለ ከባብታት ዓፋር ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል ብርኪ ኣይወጽኡን። ኣብ ወረዳ መጋሌ ኣራጁን ሂዳን ኣብ ዝበሃሉ ቀበሌታት ሕዚ'ውን ዝተወሰነ ሰራዊት ኣሎ። ካብ ኣብዓላ 15 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ናትና ዶብ'ውን ኣለዉ" ኢሉ።
ካብ ከባብታት በራሕለ'ውን ብቕድሚ ትማሊ [16 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም-ግእዝ] ከም ዝወጽኡ ሓቢሩ።
ካበየናይ ከባብታት ዓፋር ኢኹም ወጺኹም ዘለኹም፤ ክትዝርዝረልና ትኽእልዶ? ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ ፕሮፌሰር ክንደያ ግና 'ካብ ኩሉ ዓፋር ኢና ወጺእና' ዝብል ምላሽ ሂብሉ።
"ሙሉእ ብሙሉእ ወጺእና ማለት'ኮ በቃ ካብቶም ሒዝናዮም ዝነበርና ከባብታት ዓፋር ወጺእና ኢና። ኣበይ ከም ዝነበርና ይፍለጥ እዩ። ርግጽ ሓደ ሓደ ዘይተነጸረ ዶባት ኣሎ እዩ። ግን ካብተን ሒዝናየን ዝነበርና ኩለን ወረዳታት ወጺና ኣብ ናይ ትግራይ መሬት ኢና ዘለና" ኢሉ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ሓይልታቶም ካብ ዓፋር ጠቕሊሎም ንክወጽኡ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ከምኡ'ውን እቶም ደስኪሎም ዘለዉ ህዝባዊ ግልጋሎት ናብ ንቡር ክምለሱ፡ ዝብሉን ካልኦት ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጦም ነይሮም።
እንተኾነ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ካብቲ ከባቢ ምውጸኦም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ገሊጹ።
እቶም ቅድመ ኩነታት ተማሊኦም ማለት ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምስ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክዛመድ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።
"ንሰብኣዊ ሓገዝ ቅድመ ኩነት ኣይቕመጥናን፤ ዋላ ቐጥታ ኲናት እናሃለወ ሰብኣዊ ረድኡት ክሓልፍ እዩ ዝግበር። ኣብ ዩክረይን-ሩስያ ከምኡ እዩ ዝግበር ዘሎ። ኮሪደር ይኽፈት እዩ። ስለዚ ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ምንቅስቓሳት ካብኡ ክፈላለ ኣለዎ ኢልና ኢና ንብል። ብትልምና ኢና ወጺእና" ኢሉ።
"ሰራዊትና ናብ ዓፋር ይኹን ናብ ኣምሓራ ዝኸደሉ ምኽንያት ጸጥታ ትግራይ ውሕስ ንምግባር ጥራይ" ዝበለ ፕሮፌሰር ክንደያ፡ "ኣብ ዘይነማሓድሮ ክልል ክነጽንሕ ድሌት'ውን የብልናን። ኣብኡ ዝጸናሕናሉ ምኽንያት'ውን ንትግራይ ናይ ድሕነት ስግኣት ስለ ዝኾነ እዩ። ሕዚ'ውን ናይ ትግራይ ጸጥታ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ምኽንያት እንተሎ፡ ናብ ካልእ'ውን ክንኸይድ ኢና" ይብል።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተበጽሕ ሰብኣዊነት መሰረት ዝገበረ ተጻብኦታት ናይ ምቁራጽ ኣዋጅ፡ ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮምዎም ካብ ዝርከቡ ካልኦት ከባብታት ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ግልጺ ቅዋም ይርከቦ።
ዛጊድ፡ ካብቲ ናብ ትግራይ ክሓለፍ ዝገበኦ ረድኤት ትሕቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ኮይኑ፡ መንግስቲ ንሓይልታት ትግራይ እዩ ኣዐንቂፎምና ክብል ዝኸስስ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ንቢቢሲ ከምዝበሎ ካብቲ ኣዋጅ ንደሓር መንግስቲ ዘዐንቀፎ ሰብኣዊ ረድኤት የለን።
ነቶም ምኽንያት ምዕንቃፍ ኮይኖም ዝብሎም፡ ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ከም ዘለዎም ሓቲቱ ነይሩ።
"ሕዚ ምኽንያቶም ኣወዲእናዮም ኣለና። 'ካብ ዓፋር እንድሕር ዘይወጽኡስ ከመይ ገይርና' እዮም ዝብሉ። ሕዚ ካብ ዓፋር ሙሉእ ንሙሉእ ወጺእና አለና። እዚ፡ መካይና ናይ ምቑጻር ጉዳይ ኣይኮነን። ንትግራይ ከኣቱ ዝግበኦ ሓገዝ ከይተቖራጸ ከሓልፍ ኣለዎ ። ስለዚ ምስ ዝኾነ ቅድም ኩነት ኣይራኸብን" ዝብል ምላሽ ሂብሉ ፕሮፌሰር ክንደያ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







