ትግራይ: ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሸራሮ ብዘካየዶ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት በጺሑ ተባሂሉ

ናይ ኤርትራ ከምዝኾነ ዝተገልጸ ዝተቓጸለ ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሸራሮ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ህጻን ከምዝተቐትለትን 18 ሰባት ከምዝቆሰሉን ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ሮይተርስ: ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተረኽበ ሓበሬታ ዝሰፈሮ ሰነድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመልኪተ ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ከተማ ሸራሮ ብውሕዱ 23 ግዜ ከቢድ ኣጽዋር ከምዝተኮሰ ገሊጹ።

ካብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኮነ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተኻይዱ ዝተብሃለ ውግእ ዛጊድ ዝተብሃለ የለን።

ቢቢሲ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ብቴሌፎን ዝገበሮ ተደጋገሚ ጻዕሪ'ውን ኣይሰመረን።

ጸብጻብ ሮይተርስ ከምዝብሎ: ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን፡ 20ን 21ን ግንቦት 2014 ዓ.ም. [ብኣቆጻጽራ ግእዝ]: በቲ መጥቃዕቲ ተመዛበልቲ ኣዕቒቦምሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ እዩ ጉድኣት በጺሕዎ።

ካብ ሰራዊት ኤርትራ ብኸቢድ ኣጽዋር መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመላ ዝተዘርበላ ከተማ ሸራሮ፡ ካብ ዶባት ኤርትራ፡ 11 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ኣብ ክልል ትግራይ እያ እትርከብ።

እንታይ ኣጓኒፉ ነይሩ?

ኣባል መሪሕነት ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብ24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ብሓይልታቶም ከምዝበርዓነን ጠቒሱ ነይሩ።

ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝጠቐሶ ረጽሚ ዝተዋህበ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ቅድም ክብል 'ህወሓት ንዳግማይ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ' ሰብመዚ ኤርትራ ከሲሶም ነይሮም'ዮም።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሱ ቱሉ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ግና መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይክእልን" ኢሉ።

መራሕቲ ህወሓት "ባዕሎም ንኲናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝፈጠርዎ" እዩ ብምባል ድማ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ።

ኣቶ ጌታቸው ኣዛዚ ብርጌድ ዝርከቦም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ወተሃደራት ኤርትራ ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ጠቒሱ።ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቁራጽ መራኸቢታት፡ እቲ ቁጽሪ ይኹን እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ከባቢ ሸራሮ ደብዳባት ከምዝፈጸሙ ከሲሱ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

መራሕቲ ኤርትራ ብወገኖም፡ ህወሓት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ እናተመሓየሸ ዝመጸ ዝምድና ንምዕንቃፍ ይኹን፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ከምዝሰርሑ'ዮም ክኸሱ ጸኒሖም።

ኤርትራ ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ብምእታው ሓይልታታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግአት ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ዚ ካብ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሓደስቲ እገዳታት ተነቢሩላ ኣሎ። ኤርትራ ግን ነቲ ክስታት ትነጽጎ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ዝተወስደ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ኣንጻራዊ ህድኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት ግን፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ስግኣታት ፈጢሩ ኣሎ።