ኲናት ትግራይ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getachew Red/Twitter
ንኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ትግራይ ከምዝተራኸበ ተገሊጹ።
ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ኦባሳንጆ ምስ መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከምዝተዘራረበ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብመዚ ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ።
እቲ ኣብ መንጎ'ቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዶክተር ደብረጽዮንን ዝነበረ ልዝብ ብዛዕባ "ዞባዊ ጉዳያት" ኢሉ ካብ ምጥቃስ ዘሊሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኦባሳንጆ ቅድሚ ሕጂ'ውን ናብ ትግራይ ብምኻድ ነቲ ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ ትግራይ ክዘራረብ ምጽንሑ ይዝረብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ናይጀርያ ብምብጻሕ መራሕቲ እታ ሃገር ተዘራሪቡ ነይሩ።
እተንኾነ ግን፡ ኣብቲ ርክብ ጉዳይ ኲናት ትግራይ ተላዒሉ እንተነይሩ ዝተገልጸ ነገር የለን።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ውን፡ ብቐዳም 28 ግንቦት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ኬንያ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዛዕባ "ክልተኣዊ ጉዳያት ሰላምን ልምዓትን፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ጉዳያት" ከምዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ ነይሩ።
ኬንያ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ ንኲናት ትግራይ ንምፍታሕ ተበግሶታት ክትወስድ ምጽንሓ ይግለጽ።
እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ'ቲ ክግበር ዝጸንሐ ዝርርባት ዝተዋህበ ወግዓዊ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ኦባሳንጆ፡ ምስ ሰበስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲን ሰብመዚ ጎረባብቲ ክልላትን ክዘራረብ ምጽንሑ'ውን ይፍለጥ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ሓደ ከሲሶም ኣለዉ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብ24 ግንቦት ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኣውዓላ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ብሓይልታቶም ከምዝበርዓነን ጠቒሱ።
ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝጠቐሶ ረጽሚ ዝተዋህበ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ህወሓት ንዳግማይ ኲናት ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሰብመዚ ኤርትራ ገሊፆም ነይሮም'ዮም።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሱ ቱሉ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ግና መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይክእልን" ኢሉ።
መራሕቲ ህወሓት "ባዕሎም ንኲናት ይዳለዉ ስለዘለዉ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝፈጠርዎ" እዩ ብምባል ድማ ንመግለጺ ኣቶ ጌታቸው ነጺግዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት፡ ዳግማይ ውግእ ከይውላዕ ስግኣታት ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







