ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ‘እቶም ካብ ትግራይ ዝተፈትሑ፡ ምሩኻት ኣይኰኑን’ - መንግስቲ

ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, DW INTERNATIONAL

ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ትግራይ ዝፈትሖም ምሩኻት፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ "ሰራዊት ፈደራል ካብ ትግራይ ክወጽእ እንከሎ ዝተዓገቱ ኣባላት ስድራቤት እቲ ሰራዊት'ዮም፡" ክብል መንግስቲ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ውልቀሰባት ምሩኻት ከም ዘይኰኑ ክገልጽ እንከሎ "ብግጉይ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝተገብረ ፈተነ'ዩ፡" ክብል ነጺግዎ።

ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተማረኹ ይፍለጥ። ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ብዙሓት ዕጡቓት ትግራይ ከምዝማረኹ ምግላጾም ይዝከር።

ብሓሙስ ድማ፡ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዝተማረኹ፡ 4208 ምሩኻት ወተሃደራት ፈደራል ከም ዝፈትሑ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ምፍታሕ እቶም ምሩኻት፡ ኣካል ናይቲ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰጐን ኦባሳንጆ፡ እቲ ን18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ብሰላም ንኽዓርፍ ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዝዀነ መራሕቲ ትግራይ ዘውጽእዎ መግለጺ የመልክት።

መግለጺ መንግስቲ ፈደራል ግን፡ ህወሓት ብስራሕ ምኽንያት ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር መጺኦም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ሲቪላውያን ብምዕጋት "ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረኽበሉ'የ ኣብ ዝበሎ ፕሮፖንዳዊ ድራማ፡ ክዳን ሰራዊት ምክልኻል ከዲኑ ብሽም ምሩኻት ኣሰሊፉዎም፡" ክብል ይኸስስ።

ብተወሳኺ፡ እዞም ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብኣስገዳድ ተወሲዶም ዝበሎም ውልቀሰባት፡ ምሩኻት ብምባል፡ "ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን ከታልል ይፍትን ኣሎ፡" ይብል።

እቶም ክፍትሑ ተወሲንሎም ዘሎ ምሩኻት፡ "ብዋናነት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸምዎ ገበን ብዝግባእ ተራእዩ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት ዝተማረኹን ብሓይሊን ብአስገዳድን እቲ ጕጅለ ኣብ 2013ን 2014 ዓ/ም ናብ ወትድርና ዝኣተውን እዮም፡" ክብል ሓላፊ ምሩኻት ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ከበደ ከም ዝተዛረበ ድምጺ ወያነ ጠቒሱ።

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ፡ ኣብ መስርሕ ክፍትሑ'ዮም ዝተባህሉ ምሩኻት ተሳትፎ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት ንምፍታሕ ጻዕርታት ክግበር'ኳ እንተጸንሐ፡ ዛጊት ዘምጽኦ ጭቡጥ ፍረ ኣይተራእየን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት፡ ሓድሽ ዙርያ ውግእ ክውላዕ ከምዝኽእል ዝእምት ምዃኑ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።