ጥዕና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት መደንዘዚ መድሃኒት ከም ዘጋጠመ ተገሊፁ

መርፍእን ብልቃጥን ዝሓዘ ዶክተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕጽረት ኣብ እዋን ሕክምና መጥባሕቲ ዘገልግል መደንዘዚ መድሃኒት - ኣነስተዚያ- ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚ፡ ሆስፒታላት ንተሓከምቲ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝተጸገማ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

በዓል ሞያ መደንዘዚ መድሃኒት ሪፈራል ሆስፒታል ሚኒሊክ ዶክተር ቦንሳ ሃቡሉ፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ብቐዋምነት ዝህብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ሕክምና መጥባሕቲ ከቋርጹ ከም ዝተገደዱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ሕጽረት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እዩ ኣጋጢሙ። ካብ ሽዑ ኣትሒዝና እቲ መድሃኒት፡ ህጹጽ ረዲኤት ንዘድልዮም፡ ብመጥባሕቲ ንዝዋልዳን ሓደጋ ኣጋጢምዎም ንዝመጽኡን ጥራሕ ኢና ንጥቀመሉ ዘለና። ካልኦት ብቐዋምነት እንህቦም ዝነበርና ኣገልግሎታት ሕክምና መጥባሕቲ ግን ኣቋሪጽናዮም ኢና፡ ኢሉ።

እዚ ተሳኢኑ ዘሎ መደንዘዚ ንዅሎም ዓይነታት መጥባሕቲ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ ክትክእዎ ዝኽእሉ'ኳ እንተሃለው ምሉእ ብምሉእ ክትክእዎ ስለ ዘይክእሉ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘቋረጹ ይዛረብ።

ካልእ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል ዝሰርሕ በዓልሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ብወገኑ፡ ሆስፒታላት ነዚ ወሳኒ ዝዀነ ዓይነት መደንዘዚ ካብ ዝስእና ነዊሕ እዋን ከም ዝተቘጸረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ኵለን ሕክምና መጥባሕቲ ዝህባ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ከም ዝተኣጓጐለን መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ከይተረፋ ነቲ መደንዘዚ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ክገዝኣ ከም ዝተዓዘበን ወሲኹ ገሊጹ።

ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት ኤጀንሲ ኣገልገሎት ቀረብ መድሃኒት ኢትዮጵያ፡ ኣወል ሓሰን፡ እቲ ጸገም ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ፣ እቲ ዓይነት መደንዘዚ ድማ ብኣገዳስነቱ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ይገልጽ።

ኣብ ኵሎም ንሕና እነቕርቦም ዓይነታት መደንዘዚ ኣይኮነን ሕጽረት ኣጋጢሙ ዘሎ። ሰክሳሚቶኒየም ዝተባህለ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መደንዘዚ መድሃኒት'ዩ ተሳኢኑ። ኤጀንሲና ንዅለን ሆስፒታላት ዝኸውን ዕድጊ ብምፍጻም ኣብ መኽዘን ይሕዝ ነይሩ፡" ብምባል ካብ መንጐ እቶም ዘቕርቦም 12 ዓይነታት ኣብቲ ሓደ ሕጽረት ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ 'ሰክሳሚቶኒየም' ናይ ዝበሃል ዓይነት መደንዘዚ ሕጽረት ከም ዘጋጠመ ብምጥቃስ፡ ንግዚያዊ ፍታሕ ብኻልኦት ተተካእቲ መድሃኒታት ኣገልግሎት ይወሃብ ከም ዘሎ ብፈይስቡክ ገሊጹ።

ኣቶ ኣወል፡ መንቀሊ ሕጽረት እቲ ተሳኢኑ ዘሎ መደንዘዚ፡ ዕድጊ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዳርጋ ኵሎም እዞም ዓይነታት መደንዘዚ ካብ ደገ ዝኣትዉ እዮም ዝብል እቲ ዳይረክተር፡ "ሎሚ ከኣ ምስ ዕድግን ዝቐርበሉ እዋንን ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱ ሕጽረት ኣጋጢሙ'ሎ። ነዚ ጸገም ብቐጻሊ ንምፍታሕ ምስተን ኣፍረይቲ ሃገራት ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።

ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ከኣ ካብ ጐረቤት ሃገር ኣብዚ ሰሙን ንኽኣቱን ናብ ትካላት ጥዕና እታ ሃገር ብቕልጡፍ ንክባጻሕን ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት መሻርኽትን ይሰርሕሉ ከም ዘለዉ ኣቶ ኣወል ተዛሪቡ።

ሕጽረት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ እኹል መጠን ከዚንካ ዘይምጽናሕ ከም ተደራቢ ጸገም ምዃኑ ዝተኣመነ እቲ ዳይረክተር፡ ኣብዚ ቕነ ብውሱን መጠን እቲ ዓይነት መደንዘዚ ክኣቱ ከም ዝጀመረን፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት እኹል መጠን ከም ዝኣቱን ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና'ውን ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ብቕልጡፍ ብነፈርቲ ክኣቱ ንምግባር ይሰርሕ ምህላዉ ኣብቲ ብፈይስቡክ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ'ሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ንተሓከምቶም ክረድኡ ብዘይምኽኣሎም ዝሻቐሉ ሓካይም ትግራይ