ቅልውላው ትግራይ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣዝዩ ከምዝንሃረ ኦቻ ገሊጹ

ኣብ መቐለ ዕዳጋ ሰኑይ ኣሕምልቲ ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ 21 ሰነ 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መቐለ ዕዳጋ ሰኑይ ኣሕምልቲ ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ 21 ሰነ 2021

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ረድኤት (ኦቻ) ኣብ ትግራይ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዋጋ ሃለኽቲ ሸቐጣት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝወሰኸ ኣፍሊጡ።

መግለጺ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዘመልክቶ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ሕጽረት መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን በዳሂ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ድማ ሓደ ህጻን ዝርከቦም 18 ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ንዝውውር ደም ዝሕግዝ ‘ሄሞዲያሊስስ ካቴተር’ ዝተባህለ መሳርሒ ሕክምና ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

ኣብ ሽረ ዋጋ ነዳዲ ብ2,300 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸ ዘመልከተ ኦቻ፡ ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ሕጽረት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣቑሑት ከም ዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

“መሰረታዊ መግብታትን ካልኦት ኣገስቲ ዝበሃሉ ናውትን ዋግኦም ብምንሃሩ ንነበርቲ በዳሂ ኮይኑ’ሎ። ካብ ስራሕ ዝቦኸሩ ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዝነብሩ ሰባት ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ኣንቆልቊሉ” ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ብፍላይ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ሰራሕተኛታት መንግስትን ካልኦት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰባትን መሃይኦም ስለ ዝተቛረጸ መሰረታዊ ጠለባቶም ንምምላእ ከም ዝተጸገሙ ዘመልከተ ኦቻ ኣብ ባንክታት እኹል ገንዘብ ብዘይምህላዉ ድማ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት’ውን ንኣዋርሕ መሃይኦም ከም ዘይወሰዱ ገሊጹ።

“እሙናት ምንጪታት ከም ዝሕብርዎ እቶም ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ብሓገዝ ዝተውሃብዎምን ናውቲ እናሸጡ መግቢ ንምዕዳግ ተገዲዶም ኣለዉ” ኢሉ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ካብ ካባቢኦም ዝተፈናቐሉ ሰባት እውን ንኸቢድ ጸገም ከም ዝተቓልዑ ብምሕባር፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈናቐሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ቅልጡፍ ረድኤት ከም ዘድልዮም ኣረዲኡ።

ብድሆ ቀረባት ረድኤት ዝኾነ ሕጽረት ነዳዲ

ኦቻ፡ ካብ 29 መስከረም ክሳብ 4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ንዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ጸብጻብ ትማሊ 07 ጥቅምቲ ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ኩነታት ኣቐዲምካ ንምግማት ናብ ዘጸግመሉ ደረጃ ይበጽሕ ምህላው ድማ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳብው ሰሜናዊ ክፋል ከምኡ’ውን ከባብታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራን ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ጸጥታ ስለ ዘይርከቡ ክሳብ ሕጂ ረድኤት ምሃብ ከም ዘይተኸኣለ ኦቻ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ድማ ቀንዲ ማሕለኻ ምብጻሕ ረድኤት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክሳብ ሕዚ ውግእ ዝካየደሎም ከባብታት ብምህላዎም ከኣ ረድኤት ንምቕራብ ከም ዝተጸገመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ካብ 29 መስከረም ክሳብ 5 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን 80 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ብዓፋር አቢለን ናብ ትግራይ ከም ዝኣተዋ ይፍለጥ።

ትካላት ረድኤት ከም ዝብልዎ ግን ናብ ትግራይ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ረድኤት ጽዒነን ክኣትዋ ኣለወን።

እተን መኻይን መግቢ፣ ማይ፣ ሃነጽቲ መግብታትን መሕለዊ ጽርየትን ሒዘን ከም ዝኣተዋ ዝሓበረ ኦቻ፡ “ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ናውቲ ሕክምናን ነዳድን ግን ምእታው ኣይተፈቐደልናን” ኢሉ።

ናብ ትግራይ ቅድሚ ትሸዓተ ሰሙናት ነዳዲ ከም ዝተልኣኸ ብምዝኽኻር ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ 8 ነዳዲ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክሳብ ዝረኽባ ኣብ ዓፋር ደው ኢለን ምህላወን ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናብ መቐለ ዝለኣኻ ነፋሪት 10.6 ቶን መድሕን ህይወት ዝኾነ ቀረባት ረድኤት ሒዛ ነይራ።

እቲ 4.4 ቶን ድማ ንህጻናት ዝኸውን ሃናጺ/ሓይሊ ወሃቢ መግቢ’ዩ።

‘ኣብ ገዛ ዝወለዳ ኣደታት ሞይተን’

“ሕጽረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ’ሎ” ዝብለ ጸብጻብ ኦቻ፡ ብዘይካ እቶም ብሰንኪ ጽሕረት ‘ሄሞዲያሊሲስ ካቴተር’ ዝተባህለ ዝሞቱ 18 ሰባት ካልኦት ተወሰኽቲ 34 ኣብ ሓደጋ ሞት ከም ዝወደቑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ናይ ኦክሲጂን ማሽን ከም ዝተሰበረን ንጽገንኡ ዝኸውን መለዋወጢ ኣቑሑ ኣብቲ ክልል ከም ዘይርከብን ድማ ሓቢሩ።

ሰላዋ ኣብ ዝበሃል ቦታ ጥራሕ ሓሙሽተ ኣደታት ኣብ ገዝአን ክወልዳ ህይወተን ከም ዝሰኣና ገሊጹ’ሎ።

ኣብ ሓውዜን፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ካልኦት ከተማታትን ዝርከቡ ሆስፒታላት ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዘጋጥም ጸገም ጥዕና ክሕክሙ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ይርከቡ ኢሉ።

“ሕጽረት ነዳዲ፣ ገንዘብን ናውቲ ሕክምናን ብምህላዉ ኣብዚ እዋን ኣብ 10 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 13 ትካላት ጥዕናን 39 መቕቖቢ ተፈናቐልትን ጥራሕ ኣገልግሎት ንህብ ኣለና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዝድለ መጠን ቀረብ ረድኤት ንምብጻሕ ሰሙናዊ 6.5 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልይ ኣመልኪቱ።

“እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ባንክታት ኣገልግሎት ምሃብ እንተኺኢለን ወይ መንግስቲ እኹል መጠን ክንቀሳቐስ እንተፈቒዱን ጥራሕ እዩ” ክብል ኣፍሊጡ።