ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ምምሕያሽ እንተዘይተራእዩ እገዳ ክግበር ሓቲቶም

ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, THE EUROPEAN PARLIAMENT

ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኲናት ትግራይ ምምሕያሽ ዘይረኣይ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝኾኑ ኣካላት እገዳ ክግበር ሓቲቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሸውዓተ ሓለፍትን ተወከልትን ትካላት ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስጓጉ ድማ ብትሪ ኮኒኑ።

እቶም ኣባላት ባይቶ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት መዕለቢ ክግበሮ ኣተሓሳሲቦም።

በዚ መሰረት ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብዝለዓለ ደረጃ ምምሕያሽ እንተዘይኣርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት እገዳ ክውሰን እቲ ፓርላማ ጻዊዑ።

እቲ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዯጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከምኡ’ውን እቲ ኲናት ንኽናዋሕ ተሳትፎ ኣብ ዝገብሩ ካልኦት ኣካላትን ከም ዘነጻጽር ድማ ኣነጺሩ’ሎ።

ግጭታትን ንሰብኣዊ ረድኤት ዘተዓናቐፉ ተግባራትን ብቕልጡፍ ደው ክብሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዳግም ክሰፍንን ስምምዕ ተኹሲ ክግበርን ጸዊዖም።

ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት እውን ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይኸይድ ምህላዉ ጠቒሶም።

እቲ ፓርላማ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብ618 ደገፍ፣ 4 ተቓውሞን 58 ድምጸ ተኣቅቦን ከም ዝጸደቐ ተፈሊጡ።

ከም መግቢ፣ መድሓኒትን ነዳድን ዝበሉ መሰረታዊ ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ዝፍጸም ዘሎ ዘይዕላዊ እገዳ ደው ክብል ክገብሩ ድማ ንዝምልከቶም ሃገራውን ኣህጉራውን ኣካላት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይኣትው 'ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ' ከም ዝፈጸመ ብዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት ዝኽሰስ ኮይኑ ብወገኑ ኣብ ዝህቦም መግለጺታት ግን ነዚ ከም ዘይፈጸመን ህወሓት ተሓታቲ ከም ዝኾነን ይገልጽ።

ህወሓት ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥምየትን ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንምእታው ኣብ ክባ ከም ዘእተዎ ብምሕባር ዝተፈላለዩ ቀረባት ረድኤት ናብ ትግራይ ካብ ምዕጻው ብተወሳኺ ኩሎም ኣገልግሎታት ክቋረጹ ከም ዝገበረ ይኸሱ።

ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼብኦም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ደገፍ ሰብኣዊ ረድኤት ክግበር ዘዘኻኸሩ ኮይኖም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ምግባሮም ከኣ ኮኒኖም።

ዕድሚኦም ዘይኣኸለ ህጻናት ናብ ኲናት ምምልማል ከምኡ’ውን ኣብቲ ኲናት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ግህሰትን መጥቃዕትን ድማ ብትሪ ተቓዊሞም።

ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ኲናት ዘጓሃህር ተግባራት ካብ ምፍጻም ክዕቀቡ ብምሕታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ናይቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮኑ ደገ ዝርከቡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ከውሕስ ሓላፍነቱ ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይቶም ዛጊት ናበይ ከምዝኣተዉ ደሃዮም ዘይፍለጥ ስደተኛታት ኤርትራ ኩነታት ከፍልጥ ሓቲቶም።