ኢትዮጵያ ቅልውላው ትግራይ፡ ካብ ምንኵስና ናብ ወተሃደርነት-ንቤተክርስትያን ናብ ክልተ ዝመቐለ ውግእ

"ብጸሎትን ብረትን ብኽልቲኡ ክዋጋእ እየ" ይብል ኣባ ገብረማርያም ኣደራው

ምንጪ ስእሊ, AWI COMMUNICATION

ኣብታ ካብ ኣኻውሕ ብዝተፈልፈለ ጥንታውን ታሪኻውን ኣብያተ-ክርስትያናት እትፍለጥ ሃገር መስቀልን መጽሓፍ ቅዱስን ሒዙ ንፈጣርን ምእመናን ዘገልግል ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ፈላሲ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ቤተክርስትያን ኣርቶዶክስን ዝኸፈለ ኵናት ኣንጻር ሓልታት ትግራይ ክዋጋእ ጠበንጃ ዓጢቑ ኣሎ።

"ብጸሎትን ብረትን ብኽልቲኡ ክዋጋእ እየ” ይብል ኣባ ገብረማርያም ኣደራው።

እቲ ስሙ "ኣገልጋሊ ማርያም" ዝትርጕሙ ፈላሲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኵሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዘበለ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝግበር ቃልሲ ክሳተፍ ጻውዒት ምስ ኣቕረበ’ዩ ኣባ ገብረማርያም ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጸምቢሩ።

ህወሓት፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ፖለቲካዊ ጽገና ኣብዪ ኣሕመድ ምስምማዕ ምስ ሰኣነ እዩ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ማእከል ክልል ትግራይ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ጀሚሩ።

ኣባ ገብረማርያም፡ "ኢትዮጵያ ክትፈርስን፡ ካህናት ክቕተሉን ምስ ረኣኹ፡ብዘይካ ምቅላስ ካልእ ምርጫ የሎን ብማለት እየ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ተጸንቢረ” ክብል ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪቡ።

ንሱ ድሮ ኣብ ጐረቤት ናይቲ ዝነብረሉ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ ሚሊሻ ወተሃደራዊ ስልጠና ከም ዝረኸበ ሓቢሩ።

"ኣብ ውግእ ከይውጋእ፡ ከይስንክል ወይ ከይመውት ምንም ስግኣት የብለይን። ንዅሉ ነገር ክቕበል ድሉው እየ። ንኣምላኽ ጥራይ እየ ዝፈርሕ” ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ከም ምላሽን ግብረ መልስን ናይቶም ንሓያሎ ቦታታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ንከም ላሊበላ ዝኣመሰላ ኣብ ትሕቲ ዓለማዊ ውርሻ ተፈላጥነት ዘለወን ኣብ መበል 12ን 13ን ክፍለ ዘመን ካብ ኣኻውሕ ዝተፈልፈለን ዝተጸርበን ኣብያተ ክርስትያን ዘለዋ ጥንታዊት ገዳምን ንካልኦት ሓያሎ ኣገደስቲ ከተማታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮም።

"ኣብ ላሊበላ ልዕሊ 700 ካህናት ኣለዉ። ሕጂ ግን ህወሓት ነቲ ከባቢ ስለዝተቖጻጸሮ ኣገልግሎታት ስለዝተቛረጸ ደሞዝ እውን ኣይክረኽቡን ዘለዉ" ይብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዝምህር ምንይችል መሰረት።

ኣብ ላሊበላ ዝኾነ ዕንወት ከምዝወረደ እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣቶ ምንይችል ግን፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሓያሎ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ገንዘበን ምግብን ከምኡ'ውን ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ከም እተዘርፈን፡ እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ውድብ ህወሓት "ንሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታትን ቦታታትን ግቡእ ዕቝባ ከይሃበ ውግእ የካይድ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ” ይብል።

ኣብ 5ይ ክፍለ-ዘመን ዝተሃንጸ ቤተ-ክርስትያን ጨጨሆ መድሃኔም ካብ ሰራዊት ህወሓት ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ዕንወት ከምዘጋጠሞ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ላሊበላ

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ብወገኑ፡ ልኡኻቱ፡ ጨና ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ኣብ ዝዓነወ ቤተ-ክርስትያን ቀልሃታት ተተኳሲ ከምዝረኣዩ ሓቢሮም።

እቶም ደቂ እታ ዓዲ ከኣ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ካብቶም ብዙሓት ዝተቐትሉ ሰባት ሽዱሽተ ካህናት ከምዝርከቡዎም ሓቢሮም።

ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ኵሎም ወገናት፡ ግፍዒ ከም ዘይገብሩ እዮም ብተደጋጋሚ ክግልጹ ጸኒሖም።

እታ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት 43% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እተቕውም ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝዓበየን ጽልዋ ዘለዋ ሃይማኖታዊት ትካል እያ።

ይኹን እምበር ሕጂ እቲ ግጭት ንመብዛሕትኦም ኣመንታ ከፋፊልዎም እዩ ።

ተጋሩ ፈለስቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ካብ ጎረቤት ሃገር ብዝመጹ ወተሃደራት ኤርትራ ተደጊፉ ኣብ ትግራይ ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ኣስታት 325 መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ'ውን ካብ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ከምዝቐተሉን ኣብቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፈላሚ ኵናት ኣብ ልዕሊ 12 ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጾም።

ኣቢይ ኣሕመድ፡'ካብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመስረተ ዓለማዊነት ወጺኡ'

ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ልዑል ቦታ ዘለዎ ኣካዳሚያዊ መምህር ጌታቸው ኣሰፋ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ መንፈስ ትግራዎት፡ ንምስባርን ኣብ ትሕቲ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንምብርካኾም ምዃኑን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ 1995 ገዳም ደብረ ዳሞ ንዝነበረ ጥንታዊ ጽሑፋትን ካልእ ባህላዊ መዛግብቱ ከምዝነደደ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰራዊት ኤርትራ፡ እቲ ኣብ 6ይ ዘመን ኣብ ኣኽራን ትግራይ ኣብ ኣስታት 80 ጫማ (24ሜ) ኣብ ዝንውሓቱ ኣጻድፍ ኣብ ዝተሃንጸ ገዳም ደብረ ዳሞ ንዝነበረ ጥንታዊ ጽሑፋትን ካልእ ባህላዊ መዛግብቱን ከም ዝዘረፈ ይኽሰስ እዩ።

ፕሮፈሰር ጌታቸው እቲ ውግእ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ከቢድ ዕንወት ከም ዘስዓበ፡ ጨንፈር ትግራይ ድማ "ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ናቱ መገዱ" ሒዙ ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ዋላ እውን ኣብ ዲያስፖራ እንተ ኰነ፡ ሰባት ብሓባር ኽጽልዩ ድላይ የብሎምን። ኣብ ኦንታርዮ [ካናዳ]፡ እትርከብ ቤተክርስትያ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝብል ስም ተዋሂብዋ ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፊላደልፍያን፡ ኣብ ኣውስትራልያ እውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ኣጋጢሙ እዩ "ይብል።

ፕሮፈሰር ጌታቸው፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ጴንጠ ቆስጠ ክርስትያን ካብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመስረተ ዓዓለማዊነት ወጺኡ እዩ ይብል።

"ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ፡ መንፈሳዊ ቃልሲ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ። ብዛዕባ እቲ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ብዝምልከት ክዛረብ እን ከሎ፡ እታ ሃገር [ኢትዮጵያ] ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስተሰቕለ ክሰትዮ ዝተገደደ መሪር መስተ ኽትሰቲ ፍቓደኛ ምዃና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ 'ክንዕወት ኢና " ኢሉ።

ብተወሳኺ "ሰባት ክጽልዩ ኣብ ዝተኣከብሉ ሃይማኖታዊ በዓላት ከይተረፈ፡ ተመሳሳሊ ዘረባ ይዛረብ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው።

ኣብ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣገደስቲ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ብዙሓት ሰዓብቲ መንእሰያት ኦርቶዶክስ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ሓደ ካብ ኣማኸርቲ ሚስተር ኣቢይ፡ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡ ንህወሓት፡ “ክጠፍኡ” ዘለዎም "ሰይጣውንቲ" ክብል ገሊጹዎም።

"ኣብዛ ሃገር እዚኣ፡ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጻህያይ ዝኸውን ምድሪ የሎን” ከምዝበለ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንዝበሎ ጠቒሱ ገሊጹዎ ኣሎ።

ፕሮፈሰር ጌታቸው ፡ እቲ ዲያቆን [ክብረት] ዓርኩ ከም ዝነበረን እቲ ግጭት ምስ ተባርዐ ግን ነዊሕ ኸይጸንሑ ምዝርራብ ከምዝሓደጉ ሓቢሩ።

"ኣብ ዝህቦ ሃይማኖታዊ ስብከት ዓሌታውን ጃምላውን ቅትለት ከምዝሓቖፈ ኣስተብሂለ” ይብል።ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ [ዳንኤል ክብረት] ዝበሎ ዘረባ "ሓደገኛ"ን ከምኡ እውን "ጽልኢ" ዝዘርእን’ዩ ክብል ድሕሪ ምዅናኑ፡ ዲያቆን ዳንኤል ብዛዕባ እቶም "ግብረ-ሽበራውያን" ደኣ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ኣይኰንኩን ተዛሪበ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሚስተር ኣቢይ እውን ብሓሳብ ዲያቆን ዳንኤል ከምእተሰማምዐ ብምግላጽ፡ ተደናገጽቲ ትግራይ ነቲ ዘረባ ብጌጋ ከምዝተርጎሙዎ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣቶ ምንይችል፡ ህወሓት፡ ኩሉ ሳዕ "ጽልኢ" ከም ዘተባብዑን ዓሌታውን ከፋፋሊ ፖለቲካዊ ከምዝኽተሉን ጠንቂ ናይቲ ግጭት ንሳቶም ምዃኖምን ይዛረብ።

ኣብ ትግራይ ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ጠሚዮም ከምዘለው ይንገር

ምንጪ ስእሊ, AFP

"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እውን ልክዕ ከም ዝሓለፉ ሃጸያት ኣምሓራ፡ ሃጸያዊ ራእይ ከም ዘለዎን ከጥፍኦም ከምዝደልን ኪኸሱዎ ይስምዑ እዮም። እዚ፡ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ዝጥቀምሉ ውጹዕ ዓሌታዊ ቀቢላዊ ፕሮፓጋንዳ እዩ "ይብል ምንይችል።

ንፕሮፌሰር ጌታቸው እቲ ውግእ ከብቅዕ ዝኽእል ኣብ መንጎ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ዝርርብ ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ።

"ድሕሪ ጃምላዊ ህልቂትን ጥሜትን ዓጸቦን ክዘራረቡ እዮም" ይብል። ብምውሳኽ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣቢይ ቀጻሊ ጸቕጢ ክገብርሉ ይትስፎ።

ኣቐዲሞም ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ዝገለጹ፡ ተወላዲ ብሄረ ትግራይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን እውን ሰላም ንኽሰፍን ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።

ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ ኣብ መስከረም ኣብ ሃይማኖታዊ በዓል ዝሃቡዎ ጸሎተ ቡራኬ "እቲ ኣብ ኣልባሳትና ሰብነትናን ዝርከብ መስቀል ንእምነትና ዝውክል እምበር ንጽባቐን መልክዕን ንገብሮ ኣይኰነን። ትርጕም መስቀል ከኣ ሰላምን ዕርቅን እዩ፤ ስለዝኾነ ኣብ ሓድሕድናን ምስ ኣምላኽናን ሰላምን ዕርቅን ኽሰፍን ይግባእ "ኢሎም።

ይኹን እምበር ኣባ ገብረማርያም ካብ ክልል ኣምሓራ ንህወሓት ንምስዓር ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ይርከቡ።

"ክሳብ ሕጂ ብጸሎት ፈቲንና ኢና። ሕጂ ግን ብጥይት ኢና ክንዕወት። ንጸላእቲ ኢትዮጵያ ብምቕባር ሓድነት ኢትዮጵያ ክንዕቅብ ኢና” ከኣ ይብሉ።