ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዘሎ ጥምየት ንምቅላዕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ስእልታት

ካርታ ክልል ኣምሓራ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት መግብን ጥምየትን ንምቅላዕ መደናገሪ ስእልታት ይዝርጋሕ ኣሎ።

ገለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኣተውዎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ካብቲ ናይ ትግራይ ከምዝኸፍእ ንምግላጽ፡ ናይ ቀደም ከምኡ'ውን ግጉይ ስእልታት ይዝርግሑ ኣለዉ።

ነቶም ግዳያት ጥምየት ዝበልዎም ነበርቲ ዞባ ዎሎ ረዲኤት ክረኽቡ ንምጽዋዕ ነቶም ግጉያት ስእልታት ይጥቀምሎም ኣለዉ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ድሕሪ ምእታዎም፡ ሲፈሕ ምፍንቓል ህዝቢ ኣጋጢሙ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ።

እንተኾነ ግን እቶም ስእልታት ኣብ ካልእ ግዜን ቦታን ዝተሳእሉ ምዃኖም ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ መገርመራ ከረጋግጽ ኪኢሉ'ሎ።

ገለ ካብቶም ብጌጋ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣብ ካልእ ቦታታትን እዋንን ዝተሳእሉ ስእሊታት
መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ብጌጋ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣብ ካልእ ቦታታትን እዋንን ዝተሳእሉ ስእሊታት

ንኣብነት፡ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝዝርግሑ ዘለዉ ስእልታት፡ ኣብ ሃገረ ሶማልያ፡ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተሳእለ እዩ።

ናይ ሶማልያ ስእልታት ይዝርጋሕ ምህላዉ ቢቢሲ ዘጋየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ። ኲናት ትግራይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥምየትን ሰፊሕ ምፍንቓልን ምስዓቡ ይፍለጥ።

ካልእ ብተመሳሳሊ ኣብ ጎስጓስ ውዒሉ ዘሎ ስእሊ ድማ ብቐንዱ ናይ ትግራይ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ 10 ዓመት፡ ኣብ ክልል ሶማልያ (ኢትዮጵያ) ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ስእሊ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናይ ክልል ኣምሓራ እዋናዊ ስእሊ ከምዝኾነ ገይሮም የቕርብዎ ኣለዉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ቀረብ መግቢ ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝተጸልወ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ይዝከር።

ሓደ ካብቶም ቅድሚ 10 ዓመት ዝተሳእለ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘውር ዘሎ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተሳእለ ስእሊ

ብመሰረት ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ዝወጸ ጸብጻብ ናይቲ ውድብ፡ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓደጋ ውሕስነት መግቢ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ በቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ዝተሃስየ ክልል ትግራይ'ውን 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎ ይርከብ።