ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ክቃላዕ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክሳብ 7 ሚልዮን ህዝቢ ክጠምይ ይኽእል'ዩ

ምንጪ ስእሊ, WFP

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓፈሻ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ንጥምየት ክቃላዕ ከምዝኽእል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ተቃሊዖም ከምዘውን፤ ኣስታት 300 ሽሕ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ ትግራይ ከኣ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት 3500 ሚትሪክ ቶን (ልዕሊ 31 ሽሕ ኩንታል ዝምዘን) ሓገዝ ዝጸዓና 100 መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ይዝከር።

ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ ማይክ ደንፎርድ፤ መንግስቲ ፌደራልን ሰበስልጣን ዓፋርን እቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኽኣትው ንዝገበርዎ ምትሕብባር ብምምስጋን ተወሳኺ ጻዕርን ምትሕብባርን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል መዓልታዊ ብውሑድ 100 መኻይን ክኣትዋ ከምዘለወን ውድብ ሕቡራት ኮነ ካልኦት ትካላት ረድኤት ይገልጹ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ን12 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ክቐረብ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ነዚ ንምምላእ ከኣ 426 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ይጽዕር ምህላዉ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምስ መንግስታት ፌደራልን ክልልን ብምውዳድ ናብ ትግራይ ረድኤት የቕርብ ምህላዉ ብምጥቃስ ድማ ኣብ ዓፋር ንዘለዉ 530 ሽሕ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ 250 ሽሕ ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ንምብጻሕ ውጥን ከምዘለዎ ገሊጹ።

ምክሳስ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን

መንግስቲ ፌደራል፡ ህወሓት ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ምኽንያት እናተጠቐመ “ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ከደናግር ዝገብሮ ፈተነ ደው” ከብል ከምዘለዎ ሓቢሩ’ሎ።

ብወገን ህወሓት ዝወጽኡ ክስታት ድማ መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ናብ ትግራይ ዘእትዉ መገዲታት ብምዕጻውን ነታ ክልል ኣብ ከበባ ብምእታውን “ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት” ይጥቀም ከምዘሎ የመልክቱ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሕ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ብምትሕብባር ክሰርሕ ምጽንሑ ሓቢሩ።

መንግስቲ በይነኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምእዋጅ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ መግቢ፣ ነዳዲ፣ ናውቲ ሕርሻን ዝተፈላለዩ ንብረት ዝጸዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምጽንሐን ድማ ኣዘኻኺሩ።

ህወሓት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ከምዝፈጸመ፣ መኽዝናት ረድኤት ምዝማቱን ሓይልታቱ ንረድኤት ዝመጽአ መግቢ ምውሳዶምን ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ፤ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ከይኣትው ዝኸልከለ ህወሓት እምበር መንግስቲ ፌደራል ከምዘይኮነ ጠቒሱ።

ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ነዚ ዝበለ ከኣ እቲ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓትን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልልን ብጥምየት ዝሞተ ሰብ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ።

ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወራር ንምፍጻም ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብልዎ ዕጽዋን ከበባን ደው ንምባል ከምዝኾ ዝገልጹ ኣመሓደርቲ ትግራይ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ክቋረጽ ተገይሩ ዘሎ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ መጓዓዝያን ካልእን ክምለስ ይሓቱ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ኣትንኩት መዝገቦ (ዶ/ር) ሰብን እንስሳትን ብሰንኪ ጥምየትን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምናን ንሞት ተቃሊዖም ከምዘለዉ ይዛረብ።

ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 150 ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ። እቲ ሞት ኣብ ማይቅነጣል፣ ቆላ ተንቤን፣ ሓውዜን፣ ዞባ ማእኽል ጣንቋ ምላሽ ከምኡ’ውን ኣብ ሽረ ዝርከብ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ከምዘጋጠመ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ከምዝብሎ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዘጋጥም ዘሎ ጥምየት ናብ ኩሉ ከባብታት ኣብ ምስፋሕ ይርከብ።

“ቅድሚ ሎሚ እታ ዝነበረቶም ይምገቡ ነይሮም ኣብዚ እዋን ግን ዝበልዕዎ ነገር የብሎምን” ኢሉ።

ቀረብ ነዳዲ ዘይምህላዉ፣ ምቁራጽ ኣገልግሎታት ባንክን መብራህትን ነቲ ጸገም ከምዘጋደዶ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።