ረድኤት ዝጸዓና 100 መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ረድኤት ዝጸዓና 100 መኻይና ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ።
እተን መኻይን 3500 ቶን (ልዕሊ 31 ሽሕ ኩንታል) ዝምዘን መግብን መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውትን ጽዒነን ከምዝኣተዋ ተሓቢሩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምስ መሻርኽቱ ዝኾኑ ኣካላት ብምትሕብባር ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ምቅላል ዝሕግዙ ሓገዛት ክንድዝተኽኣሎ ንምብጻሕ ከምዝጽዕ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ንረድኤት ዝተዳለወ ቀረባት ካብ ዝውዳእ ክልተ ሰሙን ከምዝኾኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣተሓባባሪ ግራንት ሌይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሩ ይዝከር።
ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሓገዛት ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ከምዘይተኸኣለ፣ ሕጽረት ነዳድን ጥረ ገንዘብን ብምህላዉ ድማ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ከቢድ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ህዝቢ እቲ 90 ሚኢታዊት ቅልጡፍ ረድኤት የድልዮ፤ 400 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ኣብ ስግኣት ዓጽቦ ከምዝርከቡ እቲ ኣተሓባባሪ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን 1.7 ሚልዮን ሰባት ንጥምየት ክሳጥሑ ኣብ ዝኽእሉሉ ደረጃ ከምዘለዉ ወሲኹ ገሊጹ።
ሚንስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት 152 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ ትግራይ ምኻደን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዛጊድ ድማ 500 መኻይን መግብን መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውትን ጽዒነን ናብቲ ክልል ከምዝተጓዓዛ ገሊጹ።
እንተኾነ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ሓይልታት ትግራይን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምብጻሕ እቶም ዝቐረቡ ሓዛት ምትእጉጓል ከምዝፈጠረ ይኸሱ።
እተን መኻይን ናብ ትግራይ ንኸይኣትዋ ብምዕጻው ህዝቢ ብዝኸፍአ ጥምየትን ሕጽረት መግብን ክሳቐ ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክሴታት የቕርቡ።
ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ሌይቲ፤ ብዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዘእውት መገዲ ሓደ ጥራሕ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ ዘሎ ኣሰራርሓን መስርሕ ሎጂስቲክስን ግን ነቲ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘተኣጓጎሎ ኣረዲኡ።
ሚንስትሪ ሰላም ብወገኑ ቅድም ክብል ዝነበሩ ሸውዓተ ናይ ፍተሻ ጣብያታት ናብ ክልተ ክወርዱ ስለዝተገበረ እቲ ቅድም ክብል ዝነበረ ምጉልእላእ ከምዝነከየ ይሕብር።
ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጋዜጣዊ መግለጺ ክትህብ ከላ “ሰብኣዊ ሓገዛት ተበጻሒ ንከይኸውን ዝገብር ዘሎ ህወሓት’ዩ” ኢላ ነይራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







