ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ገለ ከባቢታት ይስሕቡ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም

ኣብቲ ኲናት ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ከምዝፈረሱ ጸብጻባት ይሕብሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኲናት ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ከምዝፈረሱ ጸብጻባት ይሕብሩ

ኣብ ክልል ዓፋር ኣትዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ተሳዒሮም ካብቶም ተቖጻጺሮሞም ዝጸንሑ ከባቢታት ከምዝሰሓቡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ተሳዒሮም ዘይኮኑስ፡ ባዕሎም "ምትዕርራይ" ንምግባር ካብ ገለ ቦታታት ምስሓቦም ሎሚ ብመንገዲ ተለቪዢን ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ክልል ውግእ ስለዘቋረጸ፡ ሓይልታቱ ናብቲ ውግኣት ዝቕጽልሉ ዘሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ከምዘንቀሳቐሰ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ክልቲኦም ክልላት ጽዕጹዕ ውግኣት ክካየድ ምጽንሑን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ይስምዑ።

ብሰንኪ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ጸልማት፡ ነቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝወጽእ ሓበሬታታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።

ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሲቪላውያን ሰባት ከምዝቐተሉን፡ ጃምላዊ ጋህስታት ግዳያት ከምዝረኸቡን ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ብወገን መራሕቲ ትግራይ ነቲ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዕታት ብናጻ ኣካል ክምርመር ከምዝተሓባበሩ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣነጺሮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ኲናት ህጻናትን ሲቪላውያንን የሳትፉ ምህላዎም ኣብ ዝህብዎም መግለጺታት ክካሰሱ ጸኒሐም ኣለዉ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ይሳተፍ ኣሎ'ኳ እንተበሉ፡ እዚ ግን ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ብዛዕባ'ዚ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ብስም ገለ ማሕበረሰባት ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ምህላዎም ይፍለጥ። መራሕቲ ህወሓት፡ ምስቲ ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ "ሸኔ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ክተሓባበሩ ውግዓዊ ስምምዕ ከምዝገበሩ'ውን ሓቢሮም ነይሮም'ዮም።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ግጭት፡ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ከምዝሰገረን፡ ሞት፡ ሰፊሕ ምንፍንቓልን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከቦ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።

ኣብ ንብረት'ውን ሰፊሕ ዕንወት ከምዝወረደን፡ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ከምዝፈረሱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሲጎን ኦቦሳንጆ ከምዝመዘዘ ይዝከር። እንተኾነ ግን፡ እቲ ልዝብ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን።

'ዘ ኤልደርስ' ብዝብል ዝፍለጥ ዘይሻራዊ ጉጅለ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ነበር፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሳተፍ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ተኩሲ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ልዝብ ንኽኣትዉ ዝደፋፍፍእ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶም ኣለዉ።