ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰሜን ጎንደር 119 ሰባት ከምዝቐተሉ ነበርቲ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ዝርከቡ ምስ ህወሓት ዝምድና ዘለዎም ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ 119 ሰባት ከም ዝቐተሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ዝተባህለ ቅትለት ኣብ ሰሜን ጎንደር ዞን፡ ጭና ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምፍጻሙ ሰበ ስልጣን'ቲ ከባቢ ገሊጾም።
ነባሪ ኣብጥራ ዝተባህለ ዓዲ ዝኾነ ኣቶ ኣስማረ ታፈረ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብ12 ነሓሰ 2013 (2021) ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ተዂሲ ድሕሪ ምኽፋቶም ውግእ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ኤ-ኤፍ-ፒ ንሓካይም ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ድማ 125 ሰባት ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ'ሎ።
እንተኾነ ግን መራሕቲ ህወሓት ነቲ ክሲ ከምዝነጸግዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብቲ ብስም "ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ" ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታቶም ሲቪላውያን ዒላማ ናይ ምግባር ታሪኽ ከምዘይብሎም ብምግላጽ እቶም ተፈጺሞም ዝባሃሉ "ኩሎም ግፍዕታት ብናጻ ኣካል ክምርመሩ" ጸዊዖም።
እቲ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ኣቶ ኣስማረ፡ እቶም ተቐቲሎም ዝተረኽቡ 119 ሰባት ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘይነበሮም ነበርቲ ምዃኖም ገሊጹ።
"ክንድ'ዚ ዝኣክል ቁጽሪ መወትቲ ምህላዎም ተፈሊጡ'ዩ መልቀስ ዝካየድ ዘሎ" ዝበለ እቲ ነባሪ፡ ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣሚቱ።
እቶም ግዳያት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናት ከም ዝርከብዎም ነበርቲ ጠቒሶም። ካብ ሓደ ስድራቤት ካብ 5 ክሳብ 6 ከም ዝሞቱ'ውን ሓቢሮም።
ካልእ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ዝኾነ ኣቶ ሞላ ውቤ ብወገኑ፡ ግጭት ከም ዝተኻየደ ብምርግጋጽ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ቦታ ክኣትዉ እንከለዉ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዘይተፈጸሞም ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ውግእ ምስ ጻዕጸዐን እቶም ተቓወምቲ ከም ዝተሳዕሩ ምስ ፈለጡን፡ ኣረጋውያን፣ ህጻናት፡ ደቂ-ኣንስትዮን እንስሳታትን እናቐተሉ ከይዶም" ኢሉ።
ካብ ሓደ ቤተሰብ 4 ዝተቐትሉ ከምዘለዉን፡ ነፍሰጾር ከይተረፈት ከም ዝተቐትለት ስም ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ጭና ን11 መዓልታት ብተኸታታሊ ውግኣት ከምዝተኻየደ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ወረዳ ዳባት ኣቶ ሰውነት ውባለም ብወገኑ፡ "እንስሳታትን ናይ ሓረስቶት ንብረትን ዘሪፎምን ኣዕንዮምን" ክብል ከሲሱ።
ሓያሎ ጋህስታት ግዳያት ከም ዝተረኽበ ዝገልጽ እቲ ኣመሓዳሪ፡ 119 ሰባት ምቕታሎም ከም ዘረጋገጹ ጠቒሱ።
እቶም ንሓያሎ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ከምዝጸንሑ ዝገለጾም ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ፡ "ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተገብረ ከቢድ ውግእ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎም ተሳዒሮም ንድሕሪት እናተመለሱ እንከለዉ ነቶም ክቕልብዎም ዝጸንሑ ንጹሃን ሰባት ሕነሕነ ንምውጻእ ቀቲሎሞም" ይብል ኣቶ ሰውነት።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ውግኣት ዓወት ይጓናጸፉ ከም ዘለዉ'ዮም ብማዕከናት ዜና ትግራይ ዘቃልሑ ዘለዉ።
ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዘለዉ'ውን ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ካብቲ ውግእ ሃዲሙ ናብ ካልእ ከበቢታትን ባዕትታትን ዝኸደ ህዝቢ ስለ ዘሎ፡ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይእምቱ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣገደስቲ ከተማታት ዝርከብዎም ሰፋሕቲ ካቢታት ናይቶም ክልላት ብምቁጽጻር ይዋግኡ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ምዕራባዊ ክንፊ ናይቲ ኲናት፡ ዕጡቃት ህወሓት ናብ ዳባት ጭና ቅድሚ ምብጽሖም፡ ኣብ ዓዲኣርቃይን ወረዳ ደባርቅን ሓያል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ።
ጭና ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተባህለ ዓዲ'ውን፡ ናይ ጃምላ መቓብር (ጋህሲ) ከም ዝተረኽበን፡ 47 ሰባት ተቐቢሮም ከም ዝተረኽቡን ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ ኩሎም እቶም ቅትለታትን ብዝኾነ ናጻ ኣካል ኣይተረጋገጹን ዘለዉ።
እቲ ኲናት ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







