መራሕቲ ዓለም ነበር፡ ባይቶ ጸጥታ ተጻባእቲ ኲናት ትግራይ ናብ ልዝብ ንክኣትዉ ዝደፋፍእ ‘ስጉምቲ ክወስድ’ ሓቲቶም

ኣባላት ጉጅለ ዘ ኤልደርስ

ምንጪ ስእሊ, The Elders twitter page

‘ዘ ኤልደርስ’ ብዝብል ዝፍለጥ ዘይሻራዊ ጉጅለ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ነበር፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሳተፍ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ተኩሲ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ልዝብ ንኽኣትዉ ዝደፋፍፍእ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶም።

እቲ ጉጀለ ነዚ ሓሳብ ዘቕረበ፡ ኣብ ዓለም ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን እቲ ባይቶ ጸጥታ ክፍጽሞ ብዛዕባ ዝግባእ ግደ ኣብ ዝተዘተየሉ መድረኸ እዩ።

እቲ ባይቶ፡ ብሓድነት ስጉምቲ ክወስድን ነቶም ጎንጽታት ንምፍታሕ እጃሙ ከበርክትን ሕቶ ቀሪብሉ።

ኣብዚ እዋን ከበድቲ ቅልውላው ይፈጥሩ ኣለዉ ተባሂሎም ካብ ዝቐረቡ ዛዕባታት፡ ኲናት ትግራይ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ምያንማርን ፍልስጥኤምን ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

ኣደ መንበር እቲ ኮሚቴ፡ ፕረዚደንት ኣየርላንድ ነበርን ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረትን፡ ሜሪ ሮቢንሰን፡ “እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ምግባር ነቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ደው ንምባል ብሕታዊ መገዲ እዩ” ኢላ።

ኣብቲ ኲናት፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒን ስቓይን ቀዳማይ ትኹረትት ክወሃቦ ከምዝግባእ ድማ ኣስሚራትሉ።

“እቲ ቤት ምኽሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ስዒቡ ዘሎ ዘስግእ ሰብኣዊ ቅልውላውን ውሕስና ምግቢ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑን ቅድም ክብል መብርሂ ተዋሂቡዎ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ጥሜትን ጾታዊ ዓመጽን ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም ሓዊሱ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸሙ ኣለዉ” ክትብል ገሊጻ።

ብተወሳኺ፡ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ንምፍላጥ ናብ ትግራይ ሓዊሱ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩን ህጹጽ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ከምዝግባእን ተሓቢሩ።

እታ ኣደ መንበር፡ “ወተሃደራዊ ጎንጺ ፍታሕ ከምጽእ ኣይኽእልን” ክትብል ተዛሪባ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ “እቲ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንባይቶ ጸጥታ ዘማኽሮ ዘሎ ጉዳይ ንድግፍ ኢና” ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ነበር ናይጀርያ፡ ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ምሻሙ’ውን ጽቡቕ ዝላ ምኳኑ ተዛሪባ። ብምኽንያት ኲናት ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉ እንከለው፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ።

እቲ ዓስራይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓዂ ኾይኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣመዛቢሉ ከምዘሎ’ውን ይዝረብ።

ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ፡ ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ክሳጥሑ ከለዉ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከመዝደልዮም ዩኤስኣይዲ ምግላጹ ይፍለጥ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባትን ቁጽሮም ዘይፍለጥ ተዋጋእተን ከምዝሞቱ ይእመን።

ምስቲ ኲናት ብዝዛመድ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽአል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ይገልጹ።