ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ 30 ሰባት ከምዝቐተሉ ይኽሰሱ

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ደፊኦም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ደቡብ ጎንደር 35 ሰባት ከም ዝቐተሉን ንብረት ከም ዝዘመቱን ሰብ መዚ እቲ ክልል ተዛሪቦም።

ነበርቲ ከተማ ንፋስ መውጫ ከምዝሓበርዎ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ብምልሻታት እቲ ከባብን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ዝድገፍ ሰራዊት ፌደራልን ኲናት ኣብ ዝነበረሉ መዓልትታት 30 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም።

ብዘይካ'ዚ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ባንክታትን መንበሪ ኣባይትን ዓንዩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ከተማ ደብረ ታቦር ብወገኑ ኣብታ ከተማ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተዛሪቡ።

እቲ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረ-ሽበራዊ ብዝተሰየመ ህወሓት ዝምእዘን ንኣስታት 10 ኣዋርሕ ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ክቆጻጸሩ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ብምእዋጅ ሰራዊቱ ካብ ዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይ ምስሓቡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ እዩ። በዚ ድማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን መጥቃዕትታት የብጽሕ ከም ዘሎ ክስታት ክቐርቡሉ ጸኒሐም ኣለው።

እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ንርእሱ "ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ" ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል ግና፡ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጭካነ ዝተላበሰ ተግባር ብትሪ ከምዝቃወም" ብምግላጽ ነቲ ዝቀረበሉ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት እንተሃልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝስይሞ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር'ውን ይሓትት።