ቅልውላው ትግራይ፡ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ኲናት ሕክምና መንሽሮ ጠጠው ኣቢሉ - ሓካይም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ሕሙማት መንሽሮ ብህይወት ንምጽናሕ ዘኽእሎም ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ከም ዝተጸገሙ ገሊጹ።
ሓካይም ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ከም ዝበሉዎ፡ ብምኽንያት ካብ መርመራ ቤተ ፈተነ [ላባራቶሪ] ክሳብ መድሃኒት ኬሞቴራፒ ሕጽረት ብምህላዩ ልዕሊ 1700 ሕሙማት መንሽሮ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ይርከቡ።
እቲ ሆስፒታል፡ ንትሸዓተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብምኽንያት እቲ ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ስርዓት ጥዕና እቲ ክልል "ኣብ ኣፍ ዕንወት" እዩ ዝርከብ ክብሉ እቶም ሰብ ሞያ ተዛሪቦም።
እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕን ሕሙማት መንሽሮ ዝረኽቡዎ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ድማ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣገደስቲ ቐረባት ክልእኸሉ እቲ ሆስፒታል ሓቲቱ።
ዘለውዎ ጸገማት እንተዘይተፈቲሖም ግን፡ እቲ ሆስፒታል ንህጻናትን ኣባጽሕን ሕሙማት መንሽሮ ሕክምና ክህበሉ ኣብ ዘይኽእል ደረጃ ከይበጽሕ ስግኣቶም ገሊጾም።
ሆስፒታል ዓይደር ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት'ዩ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ከፊቱ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







