ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንሓደ ዓመት ደሞዝ ብዘይምውሳዶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ

ኣብ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር 'ብሕጽረት ቀረባት ቁሱላት ክሕክም ተጸጊሙ'

ምንጪ ስእሊ, MU

ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ደሞዝ ብዘይምውሳዶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት መነባብሮ ከም ዘለው፡ ሓደ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሕክምና ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣካል ዓይደር ሆስፒታል ዝዀነ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ 3000 ኣባላቱ፡ ነዳዲ ኣብ ዘየለወሉ ብእግሮም እናተጓዕዙ፡ ብጥሙይ ከብዶምን፣ ገሊኦም'ውን ክሳብ ዝወድቍ እናሰርሑ የገልግሉ ምህላዎም እቲ ኣባል ይገልጽ።

"ሽሕ'ኳ ኣካል ፈደራላዊ ትካላት እንተዀንና፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ባጀት ክሰደልና ኣይከኣለን፡" ብምባል እቲ ምንጪ ብዛዕባ'ቲ ዘሎ ኵነታት ንቢቢሲ ይሕብር።

ብወገን ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ንባጀት ዝምልከት ጕዳይ ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ክግበር ከምዘይተኻእለ፡ ሓደ ሓላፊ ካብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ንቢቢሱ ገሊጹ።

ዶ/ር ሳሙኤል ክፍለ፡ "እቶም ካብቲ ክልል ሃዲሞም ዝኸዱ ኣባላት'ቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ደሞዞም ይኽፈሎም ነይሩ እዩ፣ ኣብ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ'ውን ኣትዮም ስርሖም ጀሚሮም እዮም፣ ተመሃሮ'ውን ብተመሳሳሊ። እንተዀነ ነቶም ሕጂ ኣብ ትግራይ ዘለው ዋላ ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን፡" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ ከም ዝገለጾ፡ እዘን ዩኒቨርሲቲታት ዓመታዊ ባጀተን ብቐጥታ ካብ ምኒስትሪ ፋይናንስ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ዶ/ር ሳሙኤል፡ እዞም ኣባላት ዩኒቨርሲቲ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ንዅሉ መንግስታዊ መሓውር ክልል ትግራይ ባጀት ምስ ፈነወሉ ደሞዞም ክኽፈሎም እዩ።

ኣባላት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ከም ዝገልጽዎ፡ ደቈም ንሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም፣ ንሳቶም ድማ፡ እቲ ኵነታት እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ከቢድ ቅብጸተ-ተስፋ ወዲቘም ኣለው።

"እዚ ኵነታት ከመይ ኣቢልና ንደቅና ከም እንገልጸሎም ኣሸጋሪ እዩ፣ መዓስ ከም ዘብቅዕ፡ መዓስ ደሞዝና ከም ዝኽፈለና፡ እዚ ኸበባ'ውን መዓስ ከም ዝኽፈት ኣይንፈልጥን። ሃዲምና እንኸደሉ ቦታ'ውን የለን፡" ይብል ሓደ ዶክተር።

ነዚ ሕማቕ እዋን ንምስጋር፡ ገለኦም እዞም ኣባላት ንደቈም ኣብ ገጠራት ናብ ዝርከቡ ቤተሰቦምን ክሰድዎም እንከለው፡ ገለኦም ድማ ኣብ ገለ ማሕበራት ተራድኦ ኣትዮም፣ ካልኦት ድማ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተጸቢሮም ኣለው።

ኣብ ፈለማ መዓልታት ዝሓለፈ ጥሪ፡ ኣባላት ዩኒቨርሲቲ ዓይደር ሆስፒታል፡ ኣብ ትግራይ ዝዀነ ቀረብ ብዘይምህላው፡ እናንቈልቈለ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝገልጽ ነዊሕ መግለጺ ዘርጊሖም ነይሮም።

እዚ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ዝዀነ ዝርአ ስምምዕ ሰላም ዘይብሉን ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጲያ፡ ሚልዮናት ሰላማውያን ሰባት እናሳቐየ ገና ይቕጽል ኣሎ።