ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሆስፒታል ትግራይ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ህጻናት መግቢ ከምዘይብሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወዲ ሰለስተ ወርሒ ሱራፌኤል መዓርግ ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ትግራይ፡ ዝዓበየት መወከሲት ሆስፒታል ብዘይ ሓገዝ ይቕንዞ ኣሎ።
እቲ ስግኡ ኣብ ዝወደአ ዝዓጠረ ቆርበት ዝተረበ መሰናግልኡን ኣብ ጎዳጕዲ ገጹ ዝፈጠጠ አዒንቱን ነቲ ጸገም ኣጕሊሑ የርኢ። ሱራፌኤል ሓደ ካብቶም ብሰንኪ’ቲ ን14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት: ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ዘለው ህጻናት እዩ።
ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዘገልግል ሓኪም ህጻናት፡ ህጻን ሱራፌኤል ሓደ ኪሎ ትሕቲ እቲ ዝተወልዶ ሚዛን 2.3 ኪግ ይምዘን ከምዘሎ ንሮይተርስ ገሊጹ።
መጠንቀቕታ፦ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሽዝኽእል ምስሊ ምህላው ነዘኻኽር
ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝዘርግሕዎ ሕክምናዊ ጽሑፋት፡ ኣጥባት ወላዲት እቲ ዓጽምን ቆርበትን ተሪፉ ዘሎ ህጻን ሱራፌኤል ነቒጹ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ስራሕ ቦዂሮም ዘለው ወለዱ ናይ ታኒካ ጸባ ክረኽብሉ ከም ዘይክእሉ ገሊጾም።
ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ንከም ሱራፌኤል ዝኣመሰሉ ቘልዑ ከም መድሃኒት ዝወሃብ ኣገዳሲ መግቢ ህጻናት ከምዝወድኡ ሓቢሮም።
ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓኪም፡ "ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝዀነ ይኹን ቀረብ ኣይመጽአን" ብምባል፡ ስድራ ቤቱ ዒላማ ንከይኾኑ ብምስጋእ መንነቱ ክዕቀበሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ ።
"ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝመጸና ቀረብ ተወዲኡ እዩ። ሕጂ ምንም የብልናን" ኢሉ ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ሕክምና ንዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ዝሓትት ሪፖርት ኣቕሪቦም ። ኣብ መጽናዕቶም ከኣ ንሱራፌኤል ኣቕሪቦምዎ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ሓካይም ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብቶም ናብ ሕክምና ዝመጽኡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑ ምዃኖም፡ እዚ ከኣ ዕጽፊ ናይቲ ብ2019 ዝነበረ ኩነታት ምዃኑ የረድኡ።
እቲ ዓጽምን ቆርበትን ጥራሕ ዝተረፈ፡ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት መድሃኔ ብኣፍንጭኡ ብቱቦ እናተመገበ ኣብ ዓራት ሆስፒታል ደቂሱ ኣሎ።
ወተሃደራት ኣብዑሮ ስድርኡ ሓሪዶም ንብረቶም ምስ ኣዕነዉን ምስ ዘረፉን፡ ብዋሕዲ ምግቢ ኽሳቐ ከም ዝጀመረ ሕክምናዊ ጸብጻቡ ይገልጽ ።
ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራል ኵናት ብምውልዑ፡ ኣብ ትግራይ ኩሉ ናይ መራኸቢ መሳለጥያ ስለእተዓጽወ ቢቢሲ ንዝርዝር ሓበሬታ ናይቶም ዶክተራት ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ጋዜጠኛታት 'ውን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ናብ ትግራይ ክበጽሑ ኣይከኣሉን ።
ንመድመይቲ በእዳውና ክንዓግቶ ንጽዕር
እቶም ሓካይም ኣብ ጸብጻቦም ፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶምን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ብዘካየድዎ "ዕጽዋ" ዘጋጠመ ሕጽረት መድሃኒታትን መሳርሒታትን ክድሕኑ ንዝኽእሉ ነብሳት ንሞት ኣቃሊዑዎ ምህላው ይወቕሱ ።
እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ "ክልል ትግራይ ብኹሉ ሸነኹ ስለዝተኸበ 35 ሕሙማት ብሰንኪ ኣገልግሎት ደያሊሲስ [ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕጻብ ኩሊት] ህይወቶም ስኢኖም" ይብል።
እቶም ሓካይም፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሒ፡ ንመድመይቲ ብጥራይ ኢዶም ክዓግቱዎን ዝተጠቐምሉ ጓንቲ ዳግማይ ሓጺቦም ክጥቀሙን፡ ባዕላቶም ጸረ ብከላ መተሓጻጸቢ ፈሳሲ ከዳልዉ ከምዝተገደዱ ይገልጹ።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ እቲ ጸብጻብ ህወሓት "ዛንታ ንክፈጥር ... ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተዋደደ እገዳ ከም እተገብረ ንክገልጽ ዘዳለዎ እዩ ዝመስል” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ብወገን መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ንህዝብና ዝጐድእ: ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረ ነገር የለን" ኢሉ።
ይኹን እምበር፡ ትካላት ረድኤት እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ እኹል ረድኤት ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ከማርራ ጸኒሐን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ብ30 ታሕሳስ ዝተዋህበ እዋናዊ ጸብጻብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት (ኦቻ)፡ ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ኣትሒዙ ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽላኽ ናይ ረድኤት መካይን ናብ ትግራይ ኣይኣተዋን።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረታት መግብን ጸገምን: ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ፡ መዓልታዊ ኣስታት 100 ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን ክኣትዋ ከምዘድሊ ሓቢሩ። ኦቻ ከምዝሓበሮ ግን ዛጊድ 12 ሚእታዊት ናይቲ ቀረብ ጥራይ እዩ ናብቲ ዞባ ኣትዩ ዘሎ ።
ብዛዕባ ረድኤት ንዝምልከት ጉዳይ ምላሽ ዝሃበ ኣቶ ለገሰ ግን "ካብተን ንትግራይ ምግብን መድሃኒትን ጽዒነን ዝኣተዋ 1,100 መካይን፡ ልዕሊ 840 ገና ኣይተመልሳን ዘለዋ። እተን መካይን፡ ህወሓት፡ ዘይሕጋውያን ምልሻታት፡ ሓደስቲ ተዓለምቲ ወተሃደራትን ንምምልላስ ይጥቀሙለን ከምዘለው እዩ ዝጥርጠር” ኢሉ።
ውድብ ህወሓት ግን ነቲ ሓይልታት ትግራይ ረድኤት ይዓናቕፍ ኣሎ ዝብል ክሲ ይነጽጎ። ይኹን እምበር ሓይልታቱ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ረዲኤት መኽዘናትን ናይ ጥዕና መደበራትን ከም ዝዘረፉ እዩ ዝኽሰስ ።
እቲ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስድራ-ቤታት ሰራሕተኛታት እውን ከይተረፉ በቲ ቅልውላው ይጽለዉ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ ።
"ውላደይ ናይ ቤንቲሽተ ነድሪ ኣለዎ፤ ግን ሕክምና ክረክብ ኣይከኣለን" ኢሉ ።
እቲ ሕጽረት እንተቐጺሉ ከኣ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ብዘይካ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ምቁራጽ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ሓቢሩ።
" ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ምንም ረድኤት የብልናን። ስለዝኾነ ከኣ ኢና ንማሕበረሰብ ዓለም ነፍልጥ ዘሎና። መብዛሕትአን ሆስፒታላትና ይዕጸዋ ኣለዋ " ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







