ፑንትላንድ 23 'ኢትዮጵያውያን' ተዋጋእቲ ዳዕሽ ከም ዝሓዘት ትገልጽ

ፑንትላንድ 23 "ኢትዮጵያውያን" ተዋጋእቲ ዳዕሽ ከም ዝሓዘት ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Puntland Counter-Terrorism Operations

ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ሶማል ፑንትላንድ፡ ካብቶም ኣብታ ዞባ ዝተታሕዙ 53 ተዋጋእቲ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዳርጋ ፍርቂ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኣፍሊጣ።

ስርሒት ጸረ-ሽበራ ፑንትላንድ፡ "ኢትዮጵያውያን" ኢሉ ብሽምን ስእልን ዝጠቐሶም 26 ተዋጋእቲ ኣይኤስ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣውጺኡ።

እቶም ተዋጋእቲ ዳዕሽ ምዃኖም ዝተገልጸ ውልቀሰባት ኣብ ኣኽራናዊ ከባቢ ኣልሚስካት ድሕሪ ውግእ ከም ዝተታሕዙ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ብሰንበት 9 ጥሪ 2018 [ግ] ሓቢሮም።

ሓይልታት ፑንትላንድን ኣይኤስን ኣብ ኣልሚስካት ንኣስታት ሓደ ዓመት ክዋግኡ ከም ዝጸንሑን፡ ኣይኤስ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ ዕርድታት ሒዙ ከም ዘሎን ሓቢሮም።

ሓይልታት ፑንትላንድ እቲ ስርሒት ኣካል ናይቲ ብሓገዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ዳዕሽ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኑ ሓቢሮም።

ስርሒት ጸረ-ሽበራ፤ "ተባዓት ሓይልታት ፑንትላንድ ብሓገዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣመሪካን ኣብ ኣል-መስካት ንዝርከብ ዳዕሽ ስዒሮምዎ። እቲ ስርሒት ኣብ መወዳእታ በጺሑ'ዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እዚ ጽሑፍ ስእሊ ናይቶም 53 ተዋጋእቲ ዳዕሽ ተባሂሎም ዝተጠቕሱ ውልቀሰባት፡ ኣስማትን ዜግነትን ኣሰንዩ ኣሎ።

እዞም "ናይ ወጻኢ ተጋደልቲ" ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ሞሮካ፡ ሶርያን ታንዛንያን ምዃኖም ምምሕዳር ፑንትላንድ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብመሰረት ሓበሬታ ስርሒት ጸረ-ሽበራ ፑንትላንድ፡ ኣስታት ፍርቂ ወይ 26 ካብቶም ዝተማረኹ "ኢትዮጵያውያን" ኰይኖም፡ ብኻልኣይ ደረጃ ዝተቐመጡ ድማ ዜጋታት የመንን ሞሮኮን እዮም። ሽውዓተ ካብኣቶም ዜግነት ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ምዃኖም ተሓቢሩ።

ሓሙሽተ ታንዛንያውያን፣ ክልተ ቱርካውያንን ክልተ ስዑዳውያንን ሓደ ዜጋ ሶርያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ፑንትላንድ ሓቢራ።

ተዋጋእቲ ዳዕሽ ኰይኖም ዝተረኽቡ ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ብዝምልከት ቢቢሲ ሶማል ዘዘራረቦ ምኒስተር ዜና ፑንትላንድ ማሕሙድ ኣይዲድ ድሪር፡ "ካበይ መጺኦም ብዘየገድስ፡ ካብ ርሑቕ ይዅኑ ቀረባ፡ ኵሎም ሓደ ዓይነት ስነ-ሓሳብ እዮም ዝኽተሉ፡" ኢሉ።

"እዚ [ስጕምቲ] ሓይልታት ፑንትላንድ ነቲ ጕጅለ ኣብ ምብዳህን ዝተጐናጸፉዎ ዓወት፡ ጕጅለ ኣይኤስ ከም ዝተስዓረ ዘርኢ'ዩ፡" ኢሉ።

መንነትን ዜግነትን እቶም ዝተትሓዙ ውልቀሰባት ብሰለስተ ምኽንያታት ወግዓዊ ከም ዝተገብረ እቲ ምኒስተር ይገልጽ።

እቲ ዝጠቐሶ ቀንዲ ምኽንያት፡ "ብህዝቢ ፑንትላንድን ሶማልያን ዝተረኽበ ዓወት፡ ዝተቐትሉን ብህይወት ዝተማረኹን ጸላእቲ ንኽፈልጥ፡" እዩ።

እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ምስተን እሱራት ዝመጹለን ሃገራት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ሓቢሩ።

"እተን [እቶም ውልቀሰባት] ዝመጹለን ሃገራት፡ ዜጋታተን ኣብዚ ሽግር ይፈጥሩ ከም ዘለዉን ገበን ክፍጽሙ መደብ ከምዘለዎምን ክርድኣ ኣገዳሲ'ዩ፡" ኢሉ።

"እቲ ዝተፈጠረ ጂኦፖለቲካዊ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ህሉው ኵነታት ዓለም ንኽፍለጥ ምግባር፡" ዝብል ሳልሳይ ምኽንያት እዩ ነይሩ።

ካብተን እቶም ውልቀሰባት ዝተኣስሩለን ሃገራት እተን ሰለስተ ጥራይ እየን ምስ ሶማልያ ዶብ መሬት ወይ ባሕሪ ዝካፈላ።

ገሊኦም ኣብ ውግእ ዝተማረኹ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኢዶም ከም ዝሃቡ ይግለጽ።

ሚኒስተር ዜና ማሕሙድ፡ ጕዳይ እቶም ዝተኣስሩ ናይ ወጻኢ ተጋደልቲ "ከምቲ ዝዀነ ገበነኛ" ክርአ ምዃኑ ገሊጹ።

"ማሕበረሰብ ዓለም ከም ኣሸበርቲ ብዝተፈለየ መገዲ እዩ ዝሕዞም። ናይ ሓባር ወተሃደር መን እዩ ነይሩ? መን እዩ በደለኛ ነይሩ? ብተግባሩ ይጣዓስ ዶ? ኣብ ዕላምኡ ዝኣመነ መራሒኸ መን እዩ ነይሩ?፡" ዝብል ይርኣይ። ከከም ዝተሳተፍሉ ናይ ውግእ ኵነታት ድማ፡ ግቡእ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ምስተን እቶም ውልቀሰባት ዝመጹለን ሃገራት ዝዀነ ርክብ ኣሎ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ረኺብናዮም ኢና፡ ንሳቶም ድማ ረኺቦምና ኣለዉ፡" ክብል መሊሱ።

"ዲፕሎማሲ ናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ኣለዎ። ስለዚ ርክባት ይግበር ኣሎ፣ ተገይሩ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ውልቀሰባት ኣብ ሃገሮም ገበን ፈጺሞም ጠፊኦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ሃገራት ድማ ብዛዕባኦም ዘይፈልጣ ይዀና፡" ኢሉ።

ገበነኛ ኣብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ቦታ ከም ዝቕጻዕ ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ግን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ሓባራዊ ምትሕብባር ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ እዚኦም ካልኦት ናይ ወጻኢ ኣባላት ዳዕሽ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ፑንትላንድ ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።