መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ካብ ጎንፂ ርሒቖም ናብ ልዝብ ክኣትዉ ኣሜሪካ ፀዊዓ

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FOREGIN AFFAIRS

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝተመርሐ ዑደት ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ካብ ሃናፂ ዘይኮነ ዘረባታት ክዕቀቡን ልዝብ ክጅምሩን ኣሜሪካ ከምተተባብዕ ኣፍሊጡ።

ብፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን መራሕቲ ህወሓትን ከምዝተራኸበ ይዝከር።

ንሱ ምስ ካልኦት ኣባላት ብምዃን ኣብ ዝገበሮ ምብፃሕ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምውዳእ ዝግበር ጻዕርታት ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡን ክልቲኦም ወገናት ዘተ ሰላም ክጅምሩ ከምዘተባብዑን ተገሊጹ።

እቶም ልኡኻት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ክጅምሩ ዘተባብዑ ኮይኖም፡ ኩሎም ወገናት ድማ ዓመጽን ፅልእን ካብ ዘጓሃህሩ ዘረባታት ክቑጠቡ ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ሃመር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታትን ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ከምዝተዘራረቡ ይፍለጥ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ናይ መቐለ ፃንሒቱ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህወሓትን ክካየድ ብዛዕባ ዝሕሰብ ልዝብ ካብ ምዝታይ ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዘሎ መሰረታዊ ግልጋሎታት ዳግም ንኽጅመር፡ መራሕቲ ትግራይ ናይ ፀጥታ ውሕስና ከምዝህቡ ዘረጋገፁሉ ደብዳበ'ውን ናብ መንግስቲ ፌደራል ኣብፂሖም ኣለዉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ መቐለ ዝነበሮም ፃንሒት ካብ መንግስቲ ፌደራል ነቐፌታ ኣጋጢምዎ እዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ "ኣብ ክንዲ ንዝርርብ ሰላም ዝደፍኡ፡ ንቕድመ ኩነት ህወሓት ኣብ ምምላእ ኣትኲሮም” ክብል እቶም ዲፕሎማሰኛታት ንዘልዓልዎም ጉዳያት ነቒፉ።

መራሕቲ ትግራይ ምስቲ ናብ ትግራይ ዝበፅሐ ልኡኽ

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE/DW

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነዚ መዝነት ድሕሪ ምሓዙ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ መገሻ "ኣሜሪካ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ብዘኽብር ኩነታት ክትድግፍ ዘለዋ ድሌት ክገልፅ እፈቱ" ምባሉ ይግለፅ።

ብተወሳኺ "ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘለዋ ውጥን ብዝምልከት ዝያዳ ርድኢት ክረክብ ኪኢለ" ብምባል ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ፡ ንኹለን ተፋሰስ ኣባይ ዝኾና ሃገራት ኣብ ዝጠቅም ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝከኣል ኣረዲኡ።

ኣምባሳደር ሃመር ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ግብፂ ጻንሒት ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብኣመሪካ ኣብ ዘዳሎ ዋዕላ ኣሜሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ክትሳተፍ ከምዝተዓደመ ተገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ምስ ፖለቲከኛታት፣ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መራሕቲ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ምሁራትን እታ ሃገር ብምርኻብ ዘተ ኣካይዱ’ሎ።

ማይክ ሃመር እቲ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዝኸይድ ዘሎን ሰፊሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘውረደን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ ዝተመዘዙ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ሳልሳይ እዩ።

እቶም ቅድሚኡ ዝተሾሙ ላዕለዎት ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን ናብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ተደጋጋሚ መገሻታት ይገብሩ እኳ እንተነበሩ ብወግዒ ዝፍለጥ ውፅኢት ከይረኸቡ እዮም ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም።