ኤርትራ ኣብ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ማዕረ ክንደይ ግደ ይህልዋ?

መራሒ ክልል ትግራይ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣቢይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, FISTUM AREGA/TWITTER

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ብመንጎኛነት ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ኬንያ ዝርርብ ሰላም ከምዝጅምሩ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘተ ሰላም ዝውክልዎ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ኮሚተ ኣቝሙ ኣሎ።

መራሒ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል እውን ኣብቲ ዝርርብ ላዕለዎት ወከልቲ ክልእኽ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተሻረኽሉ፡ ኣሽሓት ህይወትን ብቢልዮናት ዝግመት ንብረትን ዘጥፍአ፡ ሚልዮናት ሰላማውያን ዘመዛበለ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገብረ ውግእ፡ ‘ኵሎም ተጻባእቲ ኣብ ዘይራኸቡሉ መኣዲ ዘተ ብኸመይ ነባሪ ፍታሕ ክመጽእ ይኽእል?’ ዝብል ነገር ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ብዝምልከት ንገለ ምሁራን ኤርትራውያን ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ድሕሪ ህልቂትን ዕንወትን ስለምንታይ ሕጂ ዝርርብ ሰላም?

ድሕሪ ህልቂትን ዕንወትን ስለምንታይ ሕጂ ዝርርብ ሰላም?

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ግጭት ብሕዳር 2020 ምስ ኣጋጠመ፡ ማሕበረሰ ሰብ ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ውግእ ደው ክብልን ዘተ ሰላም ብህጹጽ ክጅመርን ተማሕጺኖም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዓመት ዝነበረ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲሪል ራማፎሳ፡ ንፕረዚደንት ሞዛምቢክ ነበር ጃኮሞ ቺሳኖ፡ ንፕረዝደንት ላይበርያ ነበር ኢለን ጆንሰን-ሲርላፍን ከምኡ’ውን ክጋለማሞ ሞታላንቴ ነቲ ጉዳይ ክሽምግሉ ከም ዝመዘዞም ይዝከር።

እንተዀነ፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ‘ሰሜን እዝ ኣብ ድቃሱ እንከሎ ብጁንታ ህወሓት ስለዝተወቕዐ፡ ምስ ገበነኛታት ዝካየድ ሰላም የሎን’ ብምባል ነቲ ሕቶ ዕርቂ ኣይተቐበሎምን። ሽዑ ኸኣ መንግስቲ ፈደራል፡ ንህወሓት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብሓይሊ ከምዝስዕሮ ተማኣሚኑ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ህወሓት “ሓመድ ልሒሱ” ሓይልታቱ ወዲቡ ንመቐለን ንዝበዝሐ ከባቢታት ትግራይን ተቘጻጺሩ፡ ናብ ደሴን ኮምቦልቻን ምስ ሰጎመ፡ እንደገና ማሕበረሰብ ዓለም መጠን ህልቂት ከይዛየደ ዕርቂ ክግበር ተማሕጺኑ።

መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ፡ “ናብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝቐጸልና ንመንግስቲ ፈደራል ዘተ ሰላም ንኽቕበል ጸቕጢ ንምፍጣር’ዩ” ኢሎም፡ ሰፊሕ ቅድመ ኵነት'ውን ኣቐሚጦም።

ወተሃደራዊ ጸብለልታ ምስ ጨበጡ ግን፡ “እቲ ኲናት እናተዛዘመ እዩ፡ ምስ መን ኢና ንዛተ?" ክብሉ ተሰሚዖም።

ሚዛን ሓይሊ ተቐያይሩ፡ እቲ ውግእ ዕለታዊ ሰባት እናቐዘፈ፡ ንብረት እናዕነወን ሰላማውያን እናመዛበለን ንኣዲስ ኣበባ ገጹ ምስ ቀጸለ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕርቂ ክግበር ተማሕጺኑ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ዕርቂ ክግበር እንተዀይኑ፡ “ህወሓት መጥቃዕቲ ደው ክብልን ንመንግስቲ ፈደራል ኣፍልጦ ክህብን ኣለዎ” ክብል ንዕርቂ ድሉው ምዃኑ ኣሚቱ።

እንተዀነ፡ ሃንደበት እቲ ሎሚ ጽባሕ ንኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እዩ ዝበሃል ዝነበረ ሓይሊ ህወሓት፡ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተደፊኡ ናብ ትግራይ ምስተመልሰ፡ መንግስቲ ፈደራል፡ “ሰራዊት ህወሓት ዕጥቁ ከየውረደ ዘተ ሰላም ዝበሃል የሎን” ናብ ዝብል ቃናኡ ተመሊሱ።

ስለዝኾነ ይብል ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሺም፡ "ፖለቲካዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ስለዝተሓላለኸ፡ ኵሎም ተቐናቐንቲ ከይረደዩ ዘተ ሰላም ግብራዊ ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝብል ነገር ከም ዘጠራጥሮ ይዛረብ።

“ኣብቲ ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ብዙሕ ደም ፈሲሱ፡ ዓቢ ሰብኣዊ ግህሰት ስለዝተፈጸመ ዘተ ሰላም ብቐሊሉ ንክረጋገጽ ግዜ ከድሊ እዩ” ይብል።

ድሕሪ ነዊሕ ምትህልላኽ፡ ሕጂ ክልቲኦም ወገናት ክዘራረቡ ስለዝፈቐዱ ግን፡ ዘተስፉ ምዃኑ ይገልጽ።

ኤርትራ’ኸ ኣብቲ ዘተ ሰላም ክትሳተፍ ትኽእል ድያ?

ዶብ ኤርትን ኢትዮጵያን ክኽፈት እንከሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብሰላም ክፈትሓኦ ስለዘይከኣላ፡ ን20 ዓመታት ዶባተን ተዓጽዩ ንግዳዊ ይዅን ሰብኣዊ ርክብ ተቛሪጹ ጸኒሑ።

ብሰንኪ ኣይ-ኩናት ኣይ-ሰላም፡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝተፈጥረ ስደትን ድኽነትን ከቢድ እዩ። ስለዝዀነ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ዝጸንሖ ናፍቘትን ፍቕርን ዶባት ጽልኢ ብዕርቀ ሰላም ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን ሓጐሱ ብንብዓትን ፍቕርን ገሊጽዎ እዩ።

እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም’ውን፡ ንሓደ ነጺልካ ዘይኮነስ ንዅሎም ተቐናቐንቲ ዘጸንበረ ክኸውን ኣሎዎ፡ ይብል፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ተወካሊ ክልል ኣምሓራ፡ ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ።

ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ኵናት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ንባይቶ ሃገሩ ብዛዕባ ምስ ህወሓት ዝግበር ዘተ ሰላም ድሕሪ ምግላጹ እዩ፡ ኣቶ ደሳለኝ ጫኔ፡ “እቲ ዘተ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን እንተዘይተሳቲፎምዎ ክዕንቀፍ ይኽእል’ዩ” ዝብል ርእይቶ ዝሃበ።

ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተል ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ውግእ ተመኵሮ ዘለዎ ገዲም ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ ግን፡ “እዚ ሕጂ ዝበጋገስ ዘሎ ኣጀንዳ ሰላም ንዘይተርፍ ካልእ ኵናት ንምድላው እኹል ግዜ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ መዐደግ ግዜ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ” ዝብል ርእይቶ የቐምጥ።

ሰላም ማለት፡ ኣብ መወዳእታ ረብሓታትካ ብዘይ ጐነጽን ግጭትን ብሰላም ምርካብ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሺም፡ “እዚ ናይ ሕጂ ዘተ ሰላም ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዝምልከት'ኳ እንተኾነ፡ ንኤርትራን ኵሎም እቶም ኣብ ውግእ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሳተፉ ሓይልታት ዘማእክል ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት እንተዘይተኻይዱ፡ ክዕንቀፍ ይኽእል እዩ” ክብል ስክፍታኡ የቐምጥ።

ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ግን፡ እዚ ሕጂ ብኸቢድ ጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳን መሻርኽቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ እቲ እንኮ ንሰላማዊ ፍታሕ ተጻባእቲ ሓይልታት ምዃኑን ካልእ ኵሉ ናይ ውግእን ሓይልን ኣማራጺ ፈጺሙ ዘየዋጽእን ክኹነን ከምዝግባእን ብምግላጽ፡ እቲ ሰላም ክዕወት ከምዝኽእል ይኣምን።

“እዛ ብቝጠባ ተዳኺማ ኣብ ከቢድ ጸገም እትርከብ ዘላ ኢትዮጵያ ብዘይ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ምዕባለን ወፍርን ሓገዝን ክትነብር ስለዘይትኽእልን ስለዘየዋጽኣን፡ እዚ ዘተ ሰላም ዘገም እናበለ ናብ ፍታሕ ከምርሕ እዩ፡” ዝብል እምነቱ የቕርብ።

እቲ ዕርቀ ሰላም ኣብ መንጐ ኢትዮጵያውን ተቐናቐንቲ ህወሓትን ብልጽግናን ይግበር ስለዘሎ፡ ኤርትራ ክትሳተፍ ምተገብኣ ዝብል ዘረባ ከቢድ ምዃኑ ዝጠቅስ ኣቶ መጎስ፡ “እቲ ድሕሪ ኵናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000፡ ብኣህጉራዊ መጋባእያ ዝተዋህበ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን ንኢትዮጵያ ዓብሊሉ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ብኣግባቡ ስለዘይተፈጸመ፡ እዚ ሕጂ ስዒቡ ዘሎ ከቢድ ጥፍኣትን ህልቂትን እኹል መምሃሪ ስለዝኾነ፡ ሕጂ'ውን ካልእ ህልቂት ከይስዕብ ኣብ ኵናት ትግራይ እተሳተፉ ሓይልታት ዝዕረቕሉ መገዲ ክናደ ይግባእ፡” ክብል ይዛረብ።

መንግስቲ ኤርትራ’ኸ ነዚ ሰላም እዚ ብኸመይ እዩ ዝርእዮ?

ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, MOI

ኣብ ውግእ ትግራይ፡ ሓይልታቱ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘሰለፈ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝነበሮ ዝምድና ከምዝዘሓለን ኣብ ኣተኣላልያ እቲ ውግእ ዘይምርድዳእ ከም ዝጸንሖምን ዝዛረብ ኣቶ መጎስ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ጸገማቶም ብዕርቀ ሰላም ክውድእዎ ማዕረ ክንደይ ድላይ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ምዃኑ ይጠቅስ።

“ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ሓደ ሓደ መራሕቲ ህወሓት፡ ‘ንኤርትራ ኣቲና ድላይና ጌርና ክንወጽእ ዝኽልክለና የሎን’ ስለዝብሉ፡ ስርዓት ኤርትራ ምስ መራሕቲ ወያነ ንዘለዎ ከቢድ ቅርሕንቲ ብሰላም ዝውድኦ ኣይመስለንን” ብማለት ከምቲ ኣቡሃሺም ዝበሎ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጽልዋ ዝህልዎም ሓይልታት ብዲፕሎማሲያዊ ዝርርብ ክሕቈፉ ይግባእ ይብል።

ኣብ ርእሲኡ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራን ካብ ህወሓት “ወራር ይሽትት ኣሎ” ብምባል ኵሉ ሓይልታቱ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ገይርዎ ከምዘሎ ኣቶ ሰንጋል ይገልጽ።

እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ኣብ ዕጽዋን ከበባን ንእትርከብ ክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘለዎ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ እንተዘይፈቲሕዎ፡ ናብ ሱዳን ዘእቱ መስመር ሑመራ ክኸፍቶ ክግደድ ስለዝኾነ፡ ምስ ሰራዊት ክልል ኣምሓራ ዝሻረኽ ምስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ውግእ ከምዘይተርፍ ይሕብር።

ኣቶ ሰንጋል ወሲኹ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝበጋገስ ዘሎ “ብባይታ ንስምምዕ” ዝገለጾ ዝርርብ ሰላም ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እንተዘይሰሪሑ፡ እቲ ዘሰክፍ ተፈቲኑ ዘየፍረየ ናይ ውግእ ሃዋህው ክመጽእ ከምዝኽእል ግምቱ የቐምጥ።

ሱዳንን ግብጽን’ከ ነዚ ዘተ ሰላም ብኸመይ ይርእያኦ?

ስደተኛታት ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Rex Features

እተን ብማይ ፈለግ ኣባይ [ኒል] ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ምስሕሓብን ዘተን ዝርከባ ግብጽን ሱዳንን ከይተረፈ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ግጭት ምስ ተኸስተ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ዘተ ክዓርፍ ጸዊዐን ነይረን።

ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣስታት 60ሽሕ ተጋሩ ስደተኛታት ንሱዳን ምስ ፈሰሱ፡ ንህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ንኽሽምግል ብዛዕባ ተበግሶኡ ንሓለፍቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ኤርትራን ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዙሓት ምቕሉላት ምዕራባውያን ሃገራትን ሓቢሩ ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሽዑ ወተሃደራዊ ጸብለልታ ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ ግን ኣይተቐበሎን።

ሽዑ እቲ ብሲቪልን ሚሊታሪን ዝቘመ ንስርዓት ኣልበሽር ብዝዓለወ ህዝባዊ ናዕቢ ስልጣን ዝተረከበ መንግስቲ፡ ገና ድልዱል መሰረት ስለዘይተኸለ፡ እቲ መሪሕነት ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ ሓባራዊ ስሙር ኣረኣእያ ከምዘይነበሮ ኣቶ መጎስ ይሕብር።

ኣይደንጐየን’ውን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣልፋሽጋ ብዝተባህለ ስቡሕ መሬት ሕርሻ ኣብ ግጭት ኣትየን። እቲ ሽዑ ዝተወልዐ ግጭት፡ መንግስቲ ሱዳን ብፍላጥ ንህወሓት ንምሕጋዝን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል ጸቕጢ ንምግባር እዩ ወሲድዎ ከም ዝበሃል’ውን የረድእ።

ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ኢትዮጵያ እትኣክል ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝብን ገዚፍ ሰብኣዊ ጸጋታት ዘለዋ ሃገር ብዘይ ሰላማዊ ምርግጋእ ክትዓብን ክትምዕብልን ስለዘይትኽእል፡ ንሰላም ከቢድ ዋጋ ክትከፍል ስለዘለዋ፡ እቲ ዘተ ሰላም ክዕወት ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ወሲኹ ይገልጽ።

እንተዀነ፡ ነቲ ዘተ ሰላም ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት፡ ህወሓት ኣብ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪቃ እምነት ከምዘይብሉ ምግላጹን ፈደራላዊ መንግስቲ ከኣ ነቲ ዝርርብ ሕብረት ኣፍረቃ እንተመሪሕዎ ጥራሕ ከምዝሳተፍ ምሕባሩን እቲ ዘተ ሰላም ከይብርዕን ስክፍታ ከም ዝፈጠረሎም ዝገልጹ ኣለው።