መራሒ ትግራይ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደብዳበ ልኢኹ

ዶ/ር ደብረጽዮን ምስ ፍሉያት ልኡኻት ማሕበረሰብ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE/DW

ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደብዳበ ልኢኹ።

እቲ መራሒ ትግራይ፡ እቲ ደብዳበ ሎሚ ናብ መቐለ ዑደት ብዘካየዱ ፍሉያት ልኡኻት ማሕበረሰብ ዓለም ኣቢሉ እዩ ልኢኽዎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዘውጸኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ መራሒ ትግራይ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል መሰረተ ልምዓት እቶም ዝተቛረጹ ኣግልግሎት ንምዕራይ ንዝደልዩ ኣካላት ሙሉእ ውሕስነት ድሕነት ንምሃብ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ቀረባት ንምጅማር ዝኾነ ዕንቅፋት ክህሉ ከምዘይግባእ ፍሉይ ልኡኻት ኣመሪካን ኣውሮጳን ጸዊዑ።

እቲ ሓበራዊ መገልጺ ካልእ እንታይ ይብል?

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር፡ ከምኡ’ውን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒታ ወይበር ካብ ሞንጎ እቶም ናብታ ከተማ ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ እንትኾኑ፡ ምስ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ከም ዝዘተዩ እቲ ዝወፅአ ሓባራዊ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣምባሳደራት ካናዳን ጣልያንን ሓዊሱ ብርክት ናይ ዝበሉ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት ኣብቲ ዑደት ከምዝተኻተቱ’ውን ፀብፃባት የመልክቱ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ ሓባራዊ መግለፂ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ ዕልባት ክረክብን ዘላቒ ሰላም ክመፅእን ከምዝተላበዩ ይሕብር።

ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ሰላም ቅሩብነት ምርኣዮም ብምንኣድ፡ ኣብ ትግራይ ተቛሪፆም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ድማ እቶም ልኡኻት ፀዊዖም።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኵሎም ዓይነት መራኸቢታትን ባንክን ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዝርከቡ ኰይኖም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው የጋድዶ ከምዘሎ ይዝረብ።

ብተወሳኺ እቶም ጉጅለ ልኡኻት እቲ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃርይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ክፍቀደሎም እውን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ከምኡ'ውን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣትውን ኣብ ልዕሊ ነዳድን ገንዘብን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍ ክለዓልን ፀዊዖም።

እቶም ልኡኻት ጉጅለ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ጽልእን ጎንፅን ዘስምዑ መደረታት ክቑጠቡን ሓቲቶም።

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ሓዊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ኣድላይ ዝበሃል ሙሉእ ድጋፍ ከምዘቕርቡ ቃል ኣትዮም።