መራሒ ክልል ትግራይ: ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እንታይ ኢሉ ?

መራሒ ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር]

መራሒ ክልል ትግራይ፡ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር] ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ጉዳይ ሰላማዊ ዘተ፡ ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰራዊት ትግራይን ካልኦት እዋናዊ ዛዕባታትን ኣልዒሉ መብርሂ ሂቡ።

ሰብኣዊ ረድኤትን ነዳድን ብዝምልከት

ሳልሳይ ዙር ረድኤት ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ፡ ብሓፈሻ ምምሕያሻት እንተሎ’ኳ፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ክኣቱ ካብ ዝግበኦ ናይ ሓደ ወርሒ ቀለብ ጥራይ” ከምዝኾነ እቲ መራሒ ተዛሪቡ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ከምዝበሎ፡ እቲ 79 ሚኢታዊት ኣብ መቐለ ዝተራገፈ ረድኤት፡ ናብቲ ሓገዝ ዝጽበ ህዝቢ ምብጻሕ ዝተኽኣለ ኰይኑ፡ እቲ ዝተረፈ ግና ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ዛጊድ ምክፍፋል ከምዘይተኽኣለ ወሲኹ ሓቢሩ።

በዚ ምኽንያት ካብ መቐለ ርሕቕ ኢሎም ዝርከቡ ከባብታ ደቡብን ማእኸለይ ትግራይን ረድኤት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ገሊፁ።

ብዩኤስኣይዲ ዝምወል፡ ወርሓዊ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ንክኣቱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ምግቢ ዓለምን ስምምዕነት እንተፈረሙ’ኳ፡ 'ብቢሮክራስያዊ መሕነቖታት' ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ብሓፈሻ፡ መጠን ረድኤት ልዕሊ እዚ ክውስኽ ከምዝጠልቡ፡ እንተዀነ ካብ ወገን መንግስቲ ካብቲ ዝተሓስበ’ውን ክጎድል ድሌት ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ሓላፊ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኤድርያን ቫንዳክናብ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ከብጽሕ ስለዝኸኣለ እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ጥምየት ምዕጋት ከምዝከኣል ሓቢሩ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ሓደጋ ጥምየት (ዓጸቦ) ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ግን ” ኣብ ትግራይ ጥሜት ዓጊትናዮ ኢና” ዝበሎ: ጌጋ ምዃኑን፡ ክእረም ከምዝግበኦን ኣመልኪቱ።

“ዝኹሉ ረድኤት ይኣቱ ኣሎ እናተብሃለ ስም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምህዳስን ደገፍ ክረክብ ንምግባርን ዝዓለም እዩ” ክብል ድማ ነቒፉ።

ምስ መድሓኒት ብዝዛመድ

ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፡ ሓዊሱ ኣብዝሓ ማእከላት ጥዕና ትግራይ ዝዀነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህባሉ ኣብ ዘይኽእላ ደረጃ ዝርከባ ምዃነን ፀብፃባት ይገልፁ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማማትን ሰኣን መድሓኒትን ዛጊድ ኣሽሓት ከምዝሃለቑ’ውን ይዝረብ።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ካብቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝግበኦ መድሓኒት፡ ዛጊት 5 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝኣተወ ተዛሪቡ።

“ሕዚ’ውን ዕጽዋን ክባን ከም ስትራተጂ፡ ይጥቀመሉ ኣለዉ። ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ኣለዉ፤ እዚ ዘሕትት ገበን እዩ ” ኢሉ።

መራሒ እቲ ክልል ደብረጽዮን፡ “ሕዚ’ውን ቀንዲ ምንጪ እቲ ቅልውላው ኣይተፈትሐን” ኢሉ።

መንግስተቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ክስታት ኣይቕበሎን።

ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ዓለም ከኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ድማ፡ ሓያሎ ኣቑሑን መድሓኒትን ሕክምና ናብ ከተማ መቐለ ከምዘመላለሱ እዮም ዝገልጹ።

ሓይልታት ትግራይ ብዝምልከት

ኣብቲ ለዝብ፡ "ዕጥቂ ሰራዊትኩም ኣፍትሑ” ዝብል ሕቶ ክለዓል ከምዝኽእል ብምእንፋት፡ እንተኾነ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ዶ/ር ደብረጽዮን ተዛሪቡ።

“በታ ሕገ መንግስቲ መሰረት እንተዀይና ክጭፍጭፉና ኣይምነበሮምን። ናይ ደገ ሓይሊ ከይተረፈ ዓዲሞም ጨፍጪፎምና እዮም። ከቢድ በደል እዩ ተፈፂሙና። ሕጊ ዝጠሓሱ ንሳቶም እዮም። ንሕና ድማ ናይ ምክልኻል ግቡእ ኣለና።ኣብ ዝኾነ ዓለም ሱቕ ኢልካ ሙት ዝብል የለን” ኢሉ።

ካብ ወፅዓን ጨፍጫፍን ዝመፅአ እምበር ስሩዕ ሰራዊት ከምዘይኰነ ድማ ሓቢሩ።

 “ሰራዊት ኢትዮጵያ እንተኾነ ንዓና ጓና እዩ” ብምባል ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝዀኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ መገዲ ክቕተሉን ተኣሲሮም ክሳቐዩን ይግበር ከምዘሉ ወሲኹ ከሲሱ።

መንግስቲ ፌዴራል፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኖም ክንቀሳቐሱ ረኺበዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ዝገልጽ።

ሕዚ’ውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝነበሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ምዕራብ ትግራይ ዝምልከት

ዶክተር ደብረጽዮን ብቐንዱ ዝጠቐሶ ምዕራብ ትግራይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝወለዐ ኲናት፡ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ይርከብ። ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዘልዕለሉ ሰፊሕ መሬት እዩ።

ገለ ሓይልታት ኤርትራ’ውን ኣብቲ ከባቢ ከምዝርከቡ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን እቲ ሰራዊት ካብቲ ከባቢ ክወፅኡ ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ እዚ ክስታት ብምልከት ዝበሎ የለን። እንተኾነ፡ “ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ክፍጽም ይዳሎ ኣሎ” ዝብሉ ክስታት ከስምዕ ፀኒሑ ኣሎ።

ደብረጽዮን፡ “ምዕራብ ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ናይ መንግስቲ ትግራይ እዩ። ኣረክብ ኢና ንብል ዘለና። ዝተመዛበለ ህዝብና’ውን ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዎ። ንቐደም ፖለቲካ ዘየድልዮ ነገራት ይሰራሕ ኢና ንብል ዘለና፤ ናብቲ ዘተ ዘሊልና ኣይኮነን ንኣቱ” ኢሉ።

ሰለማዊ ዘተ ብዝምልከት

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ እቲ ዘተ ክዕወት ክውገዱ ዝግባእ ጉዳያት ዝበሎም፡ ብፍላይ ምስ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምጅማርን ዝምልከት ዝዀነ፡ምምሕያሽ ከምዘየለ እዩ ተዛሪቡ።

“ቅድሚ ናብ ዘተ ምእታውና ክምለሱ ዝግበኦም ነገራት ኣለዉ። እታ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓንቲ ቁልፊ እያ። ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ክኣቱ ኣለዎ። ናይ ህዝቢ ኣገልግሎታት ዝዓፀዎም ይልቀቆም። ነዚ ዘተ ኣየድልዮን”።

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ “እቲ ጎንጺ መበገሲኡ ፖለቲካዊ እዩ፤ ዕልባት ዝረክብ ድማ ብፖለቲካዊ ዘተ እዩ” እንተበለ’ኳ፡ ብፍላይ እቲ ንሱ ‘ጸላእቲ’ ዝብሎም ሓይልታት ደገ ካብ ዝተቖፀፀርዎም ግዝኣታት ትግራይ ክወፅኡ ሓቲቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣስታት 20 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሰለማዊ ፍታሕ ክረክብ ይኸውን ዝብል ተስፋ ሰፊኑ ኣሎ። 'ግዜ መዐደጊ እዩ' ዝብሉ ጥርጣረታት ድማ ኣለዉ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ተላዛብቲ ጉጅለታት መስሪቶም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮነን፡ ዝምራሕ ኮሚተ ዝተጣየሰ ዀይኑ፡ መንነት እቶም ኣባላት’ውን ዕላዊ ተገይሩ እዩ።

መራሕቲ ትግራይ፡ ተዛታዪ ጉጅለ ከምዘቖሙ ዘፍለጡ ኮይኖም፡ መንነት ኣባላት እቲ ጉጅለ ዛጊድ ኣይነፀሩን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን እዩ ዝደሊ፤ ብኣንፃሩ መራሕቲ ትግራይ ብመንግስቲ ኬንያ መንጎኝነት ክካየድ እዮም ዝመርፁ።

ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዛዕባታት፡ እዚ ኣፈላላይ ንባዕሉ’ውን፡ ብኣግኡ ካልእ ዕንቅፋት እቲ ሰለማዊ ዘተ ከይኸውን ይስጋእ።