መንግስቲ ኢትዮጵያ: መጥቃዕቲ ፈፂሙ ዝብል ክሲ ሓይልታት ትግራይ ነፂጉ

ኣብ ዂናት ትግራይ ዝዓነወት ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ንዝብል ክሲ ነፂጉ።

ፕረስ ሴክረታርያት ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ቢልለኔ ስዩም ሎሚ ሓሙስ 12 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፣ “ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ተኹሲ ከፊቶም ዝብል ሓሶት እዩ” ኢላ።

ትማሊ ረቡዕ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ’ቲ ናይ ረቡዕ ነሓሰ 11 2014 ዓ.ም. መግለፂኦም፡ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ትግራይ ብከቢድ ኣፅዋርን ታንክን መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ግብረመልሱ ክህቡ ዝደፋፍኦም ምዃኑ ኣጠንቂቖም።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ብኣንፈት ደደቢት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ንሓደ ሰዓት ዝፀንሐ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ እቲ መግለፂ ጠቒሱ።

እቲ ንኣዋርሕ ዝተኣወጀ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝተጠሓሰ'ውን መራሕቲ ትግራይ ከሲሶም ኣለዉ።

ነዚ መግለፂ ስዒቡ፡ እታ ፕረስ ሴክረታርያት ቀዳማይ ሚኒስትር ብወገና፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝቐረበ ክስታት ካብ ዘተ ሰላም ንምህዳም መመኽነይታ ንምርካብ ዝዓለመ ከምዝኰነ ገሊጻ።

ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ተፈጺሙና ዝብል መግለጺ ዝሃቡ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን ዝምራሕኮሚቴ ሰላም፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዳግም ንምጅማር፡ ኣብ ሓፂር ግዘ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ክበፅሕ ይግባእ፡ ኣብ ዝበለሉ መዓልቲ እዩ፡ ።

እቲ ኮሚቴ፡ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንምግባር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ዘተ ሰላም ብቕልጡፍ ክጅምሮን ቦታን ሰዓትን ከፈልን ሓቲቱ።

ወተሃደራዊ ኮማንድትግራይ፡ ድሕሪ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታቱ ግብረ መልሲ ከይህቡ ብምእዛዝ፡ “ኮነ ኢልካ ካብ ላዕሊ ዝተፈፀመ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ብትዕግስቲ ክምርምር ፀኒሑ እዩ" ይብል።

እቲ መግለፂ፡ መራሕቲ ትግራይ ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ዝኾነ ይኹን ወታሃደራዊ ጎንፂ ከይፍጠር ዓብዪ ጥንቃቐ እናገበሩ ከምዝፀንሑ’ውን ኣዘኻኺሩ።