መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ስለምንታይ'ዮም ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይሰማምዑ?

ኦባሳንጆን ኡሁሩ ኬንያታን

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ግጭትን ተጻብኦን ኣቋሪጾም ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን ክውድእዎ'ኳ እንተተሰማምዑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃ ከደራድሮ፡ መራሕቲ ትግራይ ግን ኡሁሩ ኬንያታ ክሽምግሎም ይደልዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ መግለጺ፡ ጸገም ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ክፍታሕ ኣለዎ ብምባል “መንግስቲ እቲ ልዝብ ብሸነኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክቕጽል ጽኑዕ ድልየት ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብ03 ነሓሰ 2022 ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሽግር ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ንክፍታሕ ጸገም ከም ዘይብሎም ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመዘዞ ፕሬዚደንት ናይጀርያ ነበር ኣባሳንጆ ዕትበት ስለ ዘይረኣየን ምስ መራሕቲ ፈደራል እውን ፍሉይ ቅርበት ስለ ዝተዓዘበን ነቲ ልዝብ ክመርሕዎ ዕግበት ከም ዘይስመዖ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ብዙሕ ዘዘራርብ ጉዳይ ዝሓዘ ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ “ መን የዛትየና” ኣብ ዝብል ዛዕባ ብዘይምስምመዖም፡ እቲ ድርድር እምበር'ዶ ውጽኢት ክህልዎ እዩ ዝብል ስግኣት አሕዲሩ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፈለማ ንሰለስተ ነባራት ፕሬዝደንታት ኣፍሪቃ፡ ፕሬዝደንት ሞዛምቢክ ነበር ዮዋኪም ቺሳኖ፣ ፕሬዝደንት ላይቤሪያ ነበር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍን ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ክጋሌማ ሞትላንቴን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ምስ ዶር ኣቢይ ንኽዘራረቡ ልኢኹዎም ነይሩ።

እንተኾነ ሽዑ መንግስቲ ፈደራል “ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ ዝተፈጸመ ገበን ብሕጊ እዩ ዝውዳእ” ስለ ዝበለ እቲ ሽምግልና ኣይሰመረን።

ዳሕራይ እቲ ኵናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምስ ከረረ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንፕሬዚዳንት ኦባሳንጆ መዚዙዎ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ጉዳዮም ብዘተ ክፈትሑዎ ተሰማሚዖም፤ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ድርድር ዝቐርቡ ወከልቱ ክሰሚ እንከሎ መራሕቲ ትግራይ ግን ገና ኣስማት ኣይረቑሐን።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ድርድር ጥራይ ከም ዝቕበል ክገልጽ እንከሎ፡ መራሕቲ ትግራይ ግን ብፍላይ ሴክሬታሪያት ሕብረት ሙሳ ፋቂ 'ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፍ እዩ ፡ ኣይሻራውን' ዝብል ርእይቶ ስለ ዘለዎም እቲ ዝርርብ ብሞንጐኝነት ኬንያ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ እዮም ዝጠልቡ።

ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ትካል ጸገም ከም ዘይብሎም ብምግላጽ እቲ ትካል ኣብ ዝምድቦም ሰባት ግን ርእይቶ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

“ንኣባሳንጆ ከም ሰብ ኣይጸላእናዮን። ግን ሽዱሽተ ሸውዓተ ሳዕ ክንቅበሎ እንከለና ዝዀነ መርሓ ጎደና ኣይረኣናሉን። ኣብ ርእሲኡ'ውን ምስ መራሕቲ ፈደራል ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ስለ ዝተዓዘብና፡ ኡሁሩ ኬንያታ እንመርጸሉ ምኽንያት ዝሓሸ ኰይኑ ስለ ዝተሰመዓና’ዩ” ምባሉ ይዝከር።

እቲ ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ኰነ ዝጅመረሉ መዓልቲ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ መረጻ ኬንያ ምስ ተዛዘመ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ናይሮቢ ክጅመር እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘሎ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ ዝርርብ፡ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምዝሳተፉን ብሕብረት ኣፍሪቃ ከም ዝምራሕን ከኣ ተገሊጹ ኣሎ።

ስለምንታይ እዮም ግን ክልቲኦም፡ ኣብ ምርጫ ሸምገልቲ ዝፈላለዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ፌደራል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ፣ መራሕቲ ትግራይ ድማ ኬንያ ኣብ እተማእዝኖ ድርድር ንምስታፍ ቅሩብነት ዘርእይሉ ምኽንያት ግልጺ’ዩ ዝብል ኣብ ጎንጺ ሶማልያ መጽናዕትን ምርምርን ዘካየደ ሙሁር ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደሚካኤል፡ “ረብሓይ ብዝሓሸ መገዲ ክሕልወለይ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም’ዩ” ክብል የረድእ።

“ብወገን ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ኦባሳንጆ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘዘንበለ ቅርበት አለዎም ዝብል ክሲ ኣሎ” ይብል።

ብታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል 38 ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኢጋድ፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ “ወፍሪ ምኽባር ልዕልና ሕጊ’ዩ” ብምባል ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ “ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ዝመርጾ፡ ወይ ስልጣን ዝህቦ ሰብ ከም ናቱ ተመሳሳሊ መርገጺ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ልዕሊ ኦባሳንጆ ግን እዩ ኣይኰነን ዝብል ዘይቅኑዕ ፍርዲ ከሕልፍ አይደልን። ንሱ እንታይ ዓይነት ፍረ የፍሪ ዝብል ዕድል ምስ ዝወሃቦ እዩ ዝረአ” ይብል ፕሮፌሰር ዓወት።

ብዓቢኡ ግን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣሸማገልቲ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ክንከውን ኢና ኢለን ዝፍትና ዝነበራ ሃገራት ዝፈጠርኦ ‘ኣዕናዊ ኣቃውማ’ [ፖዚሽን] ነዚ ክፍተት ምኽንያት ኰይኑ እዩ ይብል።

“እዚ ድማ ኣደራዳሪ ክኸውን ዝብል ክበዝሕ እንከሎን ብተዛማዲ እቲ ሓደ ሚዛን ዘለዎ ክውን እንከሎን ኣብ ረጽሚ ዘለው ወገናት፡ ‘እዚ ንዓይ ኣየዋጽአንን፤ ንዓይ ዝሕሸኒ እዚ’ዩ’ ዝብልሉ ዕድል’ዩ ዝህቦም” ኢሉ።

እዚ፡ እቲ መስርሕ ልዝብ ንክደናጉይዎ ወይ ንከተዓናቕፉዎ ዕድል ይህቦም።

ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃንማእከላይ ምብራቕን ዓብዱልራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም ብወገኑ፡ ክልቲኦም ኣብ ረጽሚ ዘለው ወገናት ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመታት ዘካየዱዎ ኲናት ኣብ ዕረፍቲ ዘለው እምበር ንልዝብ ዝዀን ምድላው ዝገብሩ ዘለው ኣይመስሉን ይብል።

“እቲ ኲናት ብዕውትነት ሓደ ሓይሊ ስለ ዘይተወድአ፡ ናብ ናይ ሰላም ድርድር ዝኣትውሉ ዘለው ምኽንያት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝበጽሖም ዘሎ ጸቕጢ ዝብገስ እምበር ፈትዮም ዝኣተውዎ ኣይመስልን። ክልቲኦም ኣብ ኣደራዳርነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዎም ተቐባልነት ክኣ ጥርጣረ ዘለዎ ስለ ዝመስል፡ ናይዚ ዓወት ኣብ ሕቶ ምልክት የእትዎ” ክብል ርእይትኡ የቐምጥ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብኡ ሓሊፉ፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ናብ ዘተ ሰላም ክኣትው እንከለው፡ ክልቲኦም ካብቲ መስርሕ ዝረኽቡዎ ጥቕሚ ብግልጺ ከቕመጥ ከም ዘለዎ የብርህ።

ህወሓት፡ ክሳብ ቀረባ ጊዜያት ዘቕርቦም ዝነበረ ቅድመ ኩነታት ብምፍኳስ ወይ’ውን ሕድገት ብምግባር ናብ ልዝብ ክኣቱ ከም ዝደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ንምዝርራብ ቅድመ ኩነት ገይሮም ዘቕርቡዎ ዝነበሩ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ብምፍቃዱ ምምሕያሻት ተራእዮም’ዮም።

ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ዘለዎም ቅሩብነት ኣብ ዓብዪ ሕቶ ምልክት ዝኣተወ’ዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ህወሓት ኣብ ግዜ ኲናት ዲፕሎማሲያዊ ጸብለልታ ስለ ዝነበሮ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 10 ሳዕ ተላዒሉ እዩ። እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጸብለልታ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ጸቕጢ ንክግበር ሓጊዙዎም እዩ ይብል ኣቡሃሺም።

ግደ ሕብረት ኣፍሪቃ ኸ?

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት “ሰላማዊትን ውሕስትን ኣህጉር” ክሃንጽ እየ ይህቅን።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ርግኣትን ድሕነትን ንምርግጋጽ፡ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤትን ሰብኣዊ መሰላትን እንተጋጥም፡ ኣብ ጉዳይ ኣባል ሃገራት ብምእታው ጸገማት ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር ይርአ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ተበግሶ ብምውሳድ ሸምጋሊ ጉጅለ ብምውዳብ መጀመርታ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክብጻሕ፤ ብ2004 ድማ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ሱዳንን ሰራዊት ናጽነት ህዝቢ ሱዳንን ‘ስምምዕ ሰላም ዳርፉር’ ከምዝፍረም ገይሩ።

ሕጂ ድማ፡ እቲ ብሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት፡ ብልዝብ ንምፍታሕ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሻም መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ንምሽምጋል ጻዕሪ ክገብር ተራእዩ።

ዝዀነ ዓይነት ድርድር ውጽኢታዊ ክኸውን እንተዀይኑ፡ መጀመርታ እቲ ኣሸማጋሊ ክልቲኦም ሓይልታት ዝቕበሉዎ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዓብዱልራሕማን፡ ክልቲኦም ዝጠራጠሩዎ ወይ እቲ ሓደ ዝጠራጠሮ እንተዀይኑ ግን ንዘሎ ፍልልይ ዘግፍሕ እምበር ዘጽብብ ኣይኰነን ይብል።

“ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን፣ ሶማልያን ካልኦትን ተሳቲፉ’ዩ። ግን ዕውትነቱ ወትሩ ድሩት’ዩ” ይብል።

እዚ ብኽልተ ምኽንያት ዝግለጽ እዩ ዝብል እቲ ተንታኒ፡ ሓደ እቲ ሕብረት ሕጽረት ‘ሪሶርስ’ ከም ዘለዎ ይፍለጥ’ዩ።

ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረት ዘለው መንግስታት ካብ 1960ታት ጀሚሩ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣባል ሃገር ኢድ ዘይምእታው ዝብል መርገጺ ሒዞም ዝመጽኡ ምዃኖም’ዮም ብምባል የረድእ።

“ስለዚ፡ እቲ ለውጢ ድሕሪ ሕጂ ዝርአ እንተዘይኰይኑ ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ እጃም ዘለዎ ስራሕ ኣይሰርሐን። ልኡኽ እቲ ሕብረት’ውን ክሳብ ሕጂ ዝገበሮ ምብጻሕ ፍረ ኣየፍረየን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኰይንካ ንምዝታይ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ወይ ዓቕሙ ድሩት’ዩ ዝኸውን። ከምኡ ኰይኑ’ውን እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት እንተተቐቢሎምዎ ክዕወት ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ሕብረት፡ ንክልቲኦም ሓይልታት ንምቅርራብ ዝገብሮ ጻዕሪ ከዐንቅፉዎ ዝኽእሉ ካልኦት ጉዳያት ከም ዘለው ዝጠቅስ ዓብዱልራሕማን፡ እቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብል ምትእምማን ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ የልዕል።

“ድሕሪ ኲናትን ብዙሕ [ምድማይን] ምትእምማን ይጠፍእ’ዩ። ኣብ ውግእ ከይኣተው ዘይተኣማመኑ ሓይልታት ድሕሪ ውግእ ክተኣማመኑ ትጽቢት ዝግበር ኣይኰነን። ስለዚ ክልቲኦም ወገናት ድርድር ከም መፍትሒ እንተኣመንሉ’ውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝተፈጥረ ቁስሊ ዘሕዊ ግዜ የድልዮም’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝዀነ ኣቋውማ ኰይኖም ብሰላም ምንባር ከም ዝኽእሉ ክተኣማመኑ ኣለዎም” ይብል።

ፕሮፌሰር ዓወት ብወገኑ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ብዘርኣዮ መርገጽን ናብ መንግስቲ ፌደራል ዘዘንበሉ ከውጽኦም ዝጸንሐ መግለጺታትን፡ እቲ ንሱ ዝስይሞ ወገን “ናጻን ዘይሻራውን ኣደራዳሪ” ክኸውን’ዩ ንምባል ከም ዘየድፍር ይዛረብ። እቲ ሕብረት ትካላውን ናይ ዓቕምን ድኽመት ከም ዘለዎ ድማ ይገልጽ።

“ፕሬዝደንት ኦባሳንጆ ግን ልኡኽ ሙሳ ፈኪ’ዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ኦባሳንጆ ዘለዎ ዕድመን ተሞክሮን ኣብ ግምት ብምእታው ብመርገጺ ሙሳ ፈኪ ተገዚኡ ክኸይድ’ዩ ምባል ግጉይ ፍርዲ’ዩ ዝኸውን” ኢሉ።

ዝዀነ ናብ ክልትኣዊ ልዝብ ዝኣትው ኣብ ረጽሚ ዘለው ወገናት ግን ናብ ዝዘራረብሉ ዛዕባ ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣደራዳሪ መን’ዩ? እቲ ልዝብ ኣበይ’ዩ ዝካየድ? ብኸመይ ይካየድ? ኣብ ዝብሉ ቅድመ ኩነታት ስምምዕ ክበጽሑሎም ከም ዝግባእ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ የረድኡ።

“እዚ ብግልጺ እንተዘይተቐሚጡ፡ እቲ ልዝብ ንምዝርራብ ዝብል እምበር ዝዀነ ሸቶ ንምዕዋት ዝዓለመ ክኸውን ኣይኽእልን። እቲ ኩነታት ክልቲኦም ኣካላት ንኻልእ ኲናት ዝዳለውሉ ጊዜ መዐደጊ እዩ ዝኸውን” ክብል ተንታኒ ዓብዱልራሕማን ኣቡሓሽም ተዛሪቡ።

ደብረጽዮን ገብረ ሚካኤል (ዶ/ር) እና ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ

ምንጪ ስእሊ, GETACHEW REDA/TWITTER

እጃም መንግስቲ ኬንያ

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስደትን፣ ምዝንባልን ሞትን ስለዘስዓበ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ውግእ ደው ንምባል ናይ ባዕሎም ተበግሶታት ክወስዱ ጸኒሖም።

‘ጸገም ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃዊ ዓቕሚ ምፍታሕ’ ብዝብል ኣዝዩ ኣዘራራቢ መትከሉ ዝፍለጥ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ንፕሬዝደንት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ መዚዙ ልኢኹ።

ኣመሪካ ብወገና፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብዚ ቀጠና ትኹረት ገይሮም ዝሰርሑ ሰለስተ ፍሉያት ልኡኻት ሸይማ እያ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆን ናይ ስልጣን ዘመኑ ዘእክል ዘሎ ፕሬዝደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታን ተራኺቡ ዘትዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ልዝብ ኬንያ ክተማእዝኖ ዝመርጹ ዘለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ተንታኒ ፖለቲካ ኣወል ኣሎ፡ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንክፍታሕ ኬንያ እትገብሮ ጻዕሪ ዝሓሸ ዕድል ተስፋን ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ናይዚ ምኽንያት ተበግሶ ኬንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝድግፉዎ ስለ ዝዀነ እዩ ይብል።

“ኬንያ ድልዱል ፖለቲካዊ ርግኣት ዘለዋ ጐረቤት ሃገር ስለ ዝዀነት ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ዘቕረበቶ ናይ ዕርቂ ሓሳብ እውን ዝሓሸት ኣማራጺት ሃገር ይገብራ” ኢሉ።

ተበግሶታት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምኽባር ሰላም

ሕብረት ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ናብ ብሩንዲ ዓቃቢ ሰላም ብምልኣኽ’ዩ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኣባል ሃገራት ብምእታው ሰላም ንምኽባር ጻዕሪ ክገብር ዝጀመረ።

እቲ ሕብረት፡ ብ2003 ዓቃቢ ሰላም ናብ ብሩንዲ ብምልኣኽ ኣብ ሞንጐ ኣብ ጐንጺ እታ ሃገር ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሓይልታት ሰላም ክዓስል ገይሩ። ናይ ስግግር መንግስቲ ምስ ተጣየሸ ድማ ቦታኡ ንውድብ ሕቡራት ለቒቑ ወጺኡ።

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ድሕሪ ምውጽአን ብርክት ዝበለ ኲናት ርእየን እየን።

ንኣብነት፡ ብ1990፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 20 ኲናታት ነይሮም፤ ብ2010 ግን ኣርባዕተ ጥራይ ነይሮም።

ኣብ ሱዳን፣ ሩዋንዳ፣ ላይቤሪያ፣ ኡጋንዳን ሌሶቶ ብሄር ተኰር ግጭታት ክለዓሉ እንከለው፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብምኽንያት ዶብ ናብ ኲናት ኣትየን ነይረን።

እንተዀነ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነዞም ግጭታት ብምልኣት ክፈትሖም ኣይክኣለን።

ተንተንቲ ሰላምን ጸጥታን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝለዓሉ ጐንጺታት ዕሽሽ ይብሎም’ዩ፤ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ዓቕሚ የብሉን ይብሉ።

ምኽባር ሰላም ሓደ ካብ ዓበይቲ ልኡኻት እቲ ሕብረት እንተዀኑ’ውን፡ ግጭታት ብልዝብ ንክፍትሑ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ብምልኣኽ መሰል ሰላማውያን ሰባት ንከይግሃስ ክከላኸል እንተፈተነ’ውን፡ ሕጂ’ውን እቶም ጸገማት ኣይተፈትሑን።

ኣይኤስኣይኤስ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ ጸጥታ ብ2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሕጂ’ውን መዓልቦ ዘይረኸቡ ግጭታት ኣለው ይብል።

ኣብ ሊብያ ዘሎ ቅልውላው፣ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ስግኣት ድሕነት፣ ኣብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ከምኡ’ውን ኣብ ካሜሩን ዘሎ ግጭት ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣፍሪቃ ሕዚ’ውን ሰላም ርሒቑዋ ኣሎ ይብል።

እቲ ሕብረት ግን፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ድሌት ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።