መራሕቲ ትግራይ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምልዛብ ድልዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም

ዶክተረ ደብረጽዮን

ምንጪ ስእሊ, DW

መራሕቲ ትግራይ፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ልዝብ ሰላም ንምስታፍ ድልዋት ከምዝዀኑ ብምግላጽ እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ወከልቲ'ውን ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት [01 መስከረም 2015 -ግእዝ] ብቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ሓድሽ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ድምጺ ተዅሲ ዘይስምዓሉ፡ ምቍራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ገደባት ሰብኣዊ ረድኤትን ዘብቅዓሉ ክኸውን ከም ዝምነ ይገልጽ።

ብመሰረት'ቲ መግለጺ፡ መራሕቲ ትግራይ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር ህጹጽ ሓባራዊ ስምምዕ ብምግባር፡ ግጭታት ንምቍራጽ ከምዝሰማምዑ ብምሕባር፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ንምስታፍ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ግጭት ንምቍራጽ ኣብ ዝግበር ድርድር ክሳተፍ ድልውነቱ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መራሕቲ ትግራይ ንዝቐረብዎ ሓሳብ ብዝምልከት ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብዚ ኣስታት ክልተ ዓመት ዘቝጸረ ኲናት፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ጻዕሪታት'ኳ እንተገበሩ፡ ዛጊት ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ዘብል ዝዀነ ውፅኢት ኣይተረኽበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝካየድ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኡ ክጻወት ክደሊ እንከሎ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ ብወገኖም እቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ ኣደራዳሪ ክኸውን ከምዝደልዩ ኣፍሊጦም ነይሮም።

መራሕቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብቲ ንኣዋርሕ ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን እናተመላለሰ ጻዕሪታት ክገብር ዝጸንሐ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ እምነት ከምዘይብሎም ክገልፁ ምፅንሖም ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ኣናዊሑ’ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብሰንበት ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኦባሳንጆ ዘለዎ እምነት ብምሕባር፡ “ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ሰላምን ዕርቅን ንምምጻእ ምስ ኵሎም ወገናት ክሰርሕ፡" ከምዘተባብዖ ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ትግራይ ንልዝብ ድልዋት ምዃኖም ኣብ ዘፍለጡሉ መግለጺ፡ ካብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ድርድር ተኣማንነት ዘለዎ መስርሕ ሰላም ከምዝጽበዩ ብምዝኽኻር፡ ብኽልቲኡ ወገን ተቐባልነት ዘለዎም ኣሸማገልቲ፡ ምትእምማን ዝፈጥሩ ተዓዘብቲ ከምኡ ድማ ምኽርን ደገፍን ዝህቡ ዓለምለኸ ክኢላታት ክካተቱ ሓቲቶም።

ብቕልጡፍ ናብ ልዝብ ዝኣቱ ጕጅለ ድርድር ከምዘዳለዉ ብምሕባር፡ ጌታቸው ረዳን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ዝርከብዎ ጕጅለ ከምዘቘሙ ገሊፆም ኣለው።

እቶም ንትግራይ ብምውካል ኣብቲ ልዝብ ንዝሳተፍ ጕጅለ ክመርሑ እዮም ዝተብሃሉ ክልተ ሰበስልጣን፡ ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መሪሕነት ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ብኣማኻርነት ከምኡ ድማ ሚኒስተር ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ብምዃን ኣገልጊሉ ነይሩ። ናብ ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ ከኣ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ሓላፊ ርክባት ወጻእን ኰይኑ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ቅድሚ 20 ዓመታት ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መራሕቲ ህወሓት ድሕሪ ዝተፈጠረ ምክፍፋል ካብ ወተሃደራዊ ሓላፍነቱ ዝተኣልዩ እዩ። እቲ ጀነራል ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንግዲ ተዋፊሩ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ መንጐ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝነበረ ዘይምቅዳው እናሓየለ ምስ ከደ ድማ፡ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ትግራይ ከይዱ። ድሕሪ ምጅማር ኲናት'ውን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ከጥቅዑ እንከለዉ ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዝነበረ ዝግለፅ ኮይኑ ሎሚ'ውን ኣብ ወተሃደራዊ መሪሕነት ይርከብ።

ንልዝብ ድልውነቱ ክገልፅ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ 7 ኣባላት ዝሓቘፈ ጕጅለ ተዛተይቲ ከምዘቘመ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር፤ ብወገን ትግራይ ድማ ኣብቲ ልዝብል ክሳተፉ ድልዋት ምዃኖም ብምግላጽ መንነት ተዛተይቲ ከየፍለጡ እዮም ጸኒሖም።

ሎሚ ግን ኣብቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብል ዝሳተፉ ተወከልቲ በዓል መን ምዃኖም ወግዓዊ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ብህጹጽ ክፍጸሙ ዝበልዎም ጉዳያት ብቕደም-ሰዓብ ኣቐሚጦም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ፈለማ ጐንጺ ደው ክብል፣ ቀጺሉ ኣብ ድርድር ዝተመስረተ ሓፈሻዊ ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ክግበር፣ ብድሕሪኡ’ውን ነቲ ግጭት መንቀሊ ኣብ ዝዀኑ ጉዳያት ንዅሉ ዝሓቍፍ ዘተ ክካየድ ጠሊቦም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2013 [ግእዝ] ተወሊዑ ክልተ ዓመት ክመልኦ ዝቐረበ ኲናት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተላብዐ ይዝከር።

ኣብቲ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግመት ኰይኑ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝዀኑ ሓበሬታ ውድብ ሃገራት የመልክት።

ከቢድ ኲናት ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር ብዝብል ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ምስተሰማምዑ እቲ ኲናት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ምጽንሑ ይዝከር። ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2014 ከኣ ዳግማይ ተወሊዑ።

እቲ ኲናት መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ንሓድሕዶም ክካሰሱ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ንዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ብምሕባር እቲ ትካል መንጐኛ ኰይኑ ክኣቱ ሓቲቱ ነይሩ።

እቲ ኣቦ መንበር ኣብ ደብዳበኡ፡ “እቲ መስርሕ ሰላም ፈሪሱ’ሎ” ብምባል፡ እቲ ግጭት ደው ንኽብልን ዘላቒ ሰላም ንምፍጣርን ብክኢላታት ዝድገፍ ዓለማዊ ጕጅለ ኣደራደርቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ክጣየሽ ምጽውዑ ይፍለጥ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ከባቢታት ደቡብ፡ ምዕራብን ሰሜንን ትግራይ ከቢድ ውግኣት ይካየድ ከምዘሎ ይግለፅ።

ነዚ ስዒቡ መፍትሒ ኲናት ንምምጻእ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሸመ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይዝከር።

መን እንታይ ኢሉ?

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ መራሕቲ ትግራይ ንቕልጡፍ ምቁራጽ ተጻብኦን ሰላማዊ ፍታሕን ድልዋት ምዃኖም ንዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዝቕበል ብምሕባር፡ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሰላም ንምስታፍ ንዘርኣይዎ ድልውነት ንኢዱ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ነዚ ዕድል ተጠቒሞም ጐንጺ ከብቅዕ ዘኽእል ስጕምቲ ክስጉሙን ዝርርብ ከም ኣማራጺ ክወስዱን ጸዊዑ’ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ንዝርርብ ምቹእ ዝዀነ ኵነታት ንምፍጣር ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ልዝብ ብምትእምማንን ብዘይምድንጓይን ክሳተፉ ዘዘኻኸረ እቲ ዋና ጸሓፊ ትካሉ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣብ ዝዀነ እዋን” ድልው ከምዝዀነ ብምግላጹ ህወሓት እውን እቲ ኲናት ብሰላም ክዛዘምን ጉዳያት ብዘተ ንምፍታሕን ብምግላጹን፡ ብቕልጡፍ ናብ መስርሕ ሰላም ምእታው ከምዘተባብዕ ገሊጹ።

ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ነዚ መስርሕ ንምድጋፍ ድልዋት ከምዝኾኑ ብምሕባር ድማ ኤርትራን ካልኦትን ነቲ ግጭት ካብ ምጉህሃር ክቝጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣሜሪካ ንሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ከምእትድግፍ ብምዝኽኻር ናብ ዝነበረ ጽኑዕ ምሕዝነት ክትምለስ ከምእትደሊ መግለጺ ጆ ባይደን የመልክት።

ኲናት ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽፍታሕ ካብ ወገን መራሕቲ ትግራይ ንዝቐረበ ጻውዒት ቅቡል ከምዝገብር ዘፍለጠ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ ነዚ ምዕባላ ከም ፍሉይ ዕድል ከምዝቘጽሮ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት በቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖን እቶም ተጻባእቲ ኣካላት ዝሰማምዑሎም ዓለምለኻዊ መሻርኽቲን ኣቢሎም ናብ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባልን ቀጥታዊ ዝርርብን ብቕልጡፍ ክኣትዉ ሓቲቱ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘላቕን ጽኑዕን መስርሕ ሰላም ክመርሕ ድልውነቱ ደጊሙ ኣረጋጊጹ’ሎ።