ጆ ባይደን፡ ምስ 'ገበናት' ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ዘሕለፎ እገዳ ክጸንዕ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ምስ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ጥሕሰት ፈፂሞም ዝተብሃሉ ወገናት እገዳ ንምንባር ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ፡ ጸኒዑ ክቕጽል ወሲኑ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ጥሕሰት ፈፂሞም ዝተብሃሉ ሰባት እገዳ ክግበረሎም ብ7 መስከረም 2014 ዓ.ም ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣውፂኡ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ።
እቲ ትእዛዝ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብቐጥታ ተሓተትቲ ዝኾኑ ወይ ተሓባበርቶም፡ ነቲ ኲናት ብምንዋሕ ኣበርክቶ ብምግባሮም፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይሓልፍ ብምዕንቃፍ፣ ተኹሲ ደው ምባል ብምዕንቃፍ ዝሕተቱ እገዳ ክግበር የፍቅድ።
በቲ ፕረዚደንት ዝተፈረመ ትእዛዝ ብቐንዱ ንሓለፍቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ከምኡ እውን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።
እዚ ትእዛዝ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ብምንባሩ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ድንጋg "ሃገራዊ ህጹጽ እዋን" ቅድሚ ምልኣሙ፡ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ደብዳበ ጽሒፉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ሓደ "ሃገራዊ ህጹጽ እዋን" ዝብል ድንጋገ፡ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ሕቶ እንተዘይቀሪቡ፡ ኣብ ሓደ ዓመቱ ተፈጻምነቱ ስለዘብቅዕ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ንኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ "ብዛዕባ ኢትዮጵያ 07 መስከረም 2014" ዝብል ደብዳበ እዩ ጽሒፉ።
እቲ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኸበ መልእኽቲ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናትን ተዛመድቲ ኩነታቱን ንሰላም፣ ድሕንነትን ምርግጋዕን ኢትዮጵያን ሰፊሕ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ምዃኑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ "ዓሌታዊ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕት፣ ጾታዊ ዓመጽን ሓዊሱ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፡ ጭፍጫፍን ከቢድ ግህሰት መሰላት" ከምዝተፈጸመን ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተዓናቐፈን ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ እዚ ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወጻእን ኣሜሪካ ‘ዘይልሙድ’ ስግኣት ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ ዝበሎ፡ "ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝወጸ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ፡ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ቁጽሪ 14046 ክቕጽል ኣድላዪ ምዃኑ ወሲነ ኣለኹ" ክብል ጽሒፉ ።
ኣብ መባእታ መስከረም 2014 ዓ.ም. እቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተፈረመ ትእዛዝ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ዝፈጸሙን ሰላም ዓንቂፎም ዝተባህሉን ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ዘድሊ ስልጣን፡ ንቤት ጽሕፈት ‘ተሬዠር’ ኣመሪካ ከምዝሃበ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ባይደን፡ "እዚ ዝፈረምክዎ ትእዛዝ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንጺ ዘናውሕ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ዝዕንቅፍ፡ ተኹሲ ደው ምባል ዘተኣጓጉልን፡ ወይ ድማ ነዚ ዝተሓባበሩ ኣካላት ተሓተትቲ ዝገብር ሓድሽ ስርዓት እገዳ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣሜሪካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምድጋፍን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ንምጥንኻርን ተገዳስነት ከምዘለዎ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ እገዳ እዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ ዘይምዃኑ’ውን ኣገንዚቡ።
ንኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ፡ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ትግራይን ዘሎ ኲናት ብድርድር ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ’ኳ ተፈጢሩ እንተጸንሐ፡ ኣይሰመረን።
ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ዳርጋ ክልተ ዓመት ዝገበረ ኲናት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ ፍርቂ ነሓሰ ከም ብሓድሽ ተላዒሉ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ትግራይ ሰፊሕ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
ነዚ ስዒቡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







