ሓድሽ ዓመት ‘ይኣኽለና’ ኢልና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ እንሳገረሉ ክኸውን’ዩ ተስፋይ'': ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ በዓልቲ ቤቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሞት ኣቶ መለስ ዜናዊ ስዒቡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2005 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ተመዚዙ።

ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኑ ግን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኮይኑ ሰሪሑ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣመራርሓ ቦርድ ኮይኑ የገልግል’ሎ።

ቢቢሲ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ዓመት 2015 ኣመልኪቱ ምስ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቃለ መሕትት ኣካይዱ’ሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ጥሮታ ዲኻ ዘለኻ ወይስ ኣብ ስሩዕ ስራሕ ኢኻ ዘለኻ? ኣበይ ከ ኢኻ እትነብር ዘለኻ?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዝነብር። እንተኾነ ግን ስርሐይ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንኽንቀሳቐስ የገድደኒ’ዩ። ኣብ ክልተ ቀንዲ ዋኒናት እሳተፍ ኣለኹ።

 እቲ ናይ ፈለማ ምስ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ዘጣየሽናዮ ፋዉንዴሽን ሃይለማርያን ሮማንን ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንሰርሕ ኢና።

 እቲ ፋዉንዴሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክንክን ሓለዋ ሃብቲ ተፈጥሮ’ዩ ዝሰርሕ። ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ድርቅን ውሕጅን ዘሃስያ ሃገር’ያ። ስለዝኾነ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ኣግራብን ሓመድን ዝነጥፍ ኮይኑ ከም መጀመሪ ኣብ ወሽመጥ ኦሞ ንሰርሕ ኣለና።

ቢቢሲ፡ ዓመት በዓል ብኸመይ ኢኻ እተሕልፎ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ሃይለማርያም፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ቅድሚ ኣውደ ኣመት ጾም ኣሎ። ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምብሓቱ 15 መዓልትታት ኣቐዲምና ጾመ ጸሎት ንገብር ኢና። እቲ ሓድሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ልምዓት፣ ብልጽግናን ራህዋ ዝተመልኦ ዓመት ኮይኑ ንኽሓልፍ ንጽሊ።

 እንተኾነ ግን ኣብ ዝኾነ ይኹን በዓል ዕግርግር ክፍጠር እንከሎ ሕጉስ ኣይኮንኩን። ብተፈጥሮይ’ውን ህውከት ኣይፈቱን። እኳ’ድኣስ ናብ ጫካ፣ ሩባን ፓርክታት ናይ ምኻድ ልምዲ’ዩ ዘለኒ።

 ኣብ ውሽጢ ገዛ ክነሕልፎ እንተኾይኑ ግን ኮፍ ኢልና እንዳተጻወትና ኢና እነሕልፎ። ኩላትና ስድራ ተኣኪብና ብሓባር ነሕልፎ። ብፍላይ ናብ ኣጋምሸት ከባቢ ካብ ቤተ ክርስትያን ኮነ ገዛ ተኣኻኺብና ንጻወት።

ቢቢሲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃብካዮ ቃለ መሕትት ብርንዶ [ጥረ ስጋ] ከምእትፈቱ ተዛሪብካ ኔርካ። ኣብ ኣውደ ኣመት ምስ ጥረ ስጋ ከመይ ኢኻ?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ጥረ ስጋ ኣብ ዝተረኸበሉ እበልዕ’የ። ብርግጽ ርጉዲ ንምንካይ ኮነ ጥዑይ ስርዓተ ኣመጋግባ ንምትግባር ከም ስጋ ዝኣመሰሉ ፕሮቲናት ምምጋብ ይምከር’ዩ። ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ ናብ ዩሪክ ኣሲድ ንኸይቕየር ጥንቃቐ እንተድኣ ተገይሩ ማለት’ዩ። ካብተን ደቀይ ሓንቲ’ውን ስጋ ኣመና እያ ትፈቱ።

ቢቢሲ፡ እሞ ጥረ ስጋ ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ኣብ ቤትኩም ኣይስኣንን ማለት’ዩ?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣይሰኣንን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት ንቤተሰብ ውህብቶ ኣብ ምሃብ ከመይ ኢኻ?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ውህብቶ ብባህልና ልሙድ ኣይኮነን። ፖስትካርድ እንተዘይኮይኑ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ውህብቶ ንወሃሃብ ኢና። ንዓና’ውን ውህብቶ ይመጽኣልና’ዩ።

ካብቶም ዝመጽኡልና ውህብቶታት፡ ዕምበባ፣ በጊዕን መስተን ይርከብዎም። እንተኾነ ግን ንሕና መስተ ስለዘይንሰቲ ኣኪብና ንሸጦ’ሞ ናብ ካልእ ዕላማ ኢና እነውዕሎ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ስድርኡ

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ተስፋን ሻቕሎትን’ሎ ዶ?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣነ ኩሉሻብ ተስፋይ ኣብ እግዚኣብሄር’ዩ። ብእኡ ተስፋ እገብር፣ ተስፋ ቆሪጸ ኣይፈልጥን። ሰናይ ነገር ክገብር’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ተስፋን ሻቕሎትን ናይ ደቂ ሰባት መናብርቲ ስለዝኾነ ግን ካብኡ ወጻእ ክነብር ዝኽእል ሰብ የለን። ሓንሳብ ሓንሳብ ተስፋ ይብርትዕ ሓለሓሊፉ ድማ ሻቕሎት ይሕይል’ዩ።

ብደረጃ ሃገር ኮነ ውልቀ ሰብ ብዙሕ ተስፋ ዘስንቑ ነገራት ከምዘለዉ ኮይኖም ብእኡ ልክዕ ድማ ሻቕሎት ዝጽሕትሩ፣ ክንፈትሖም ዝግብኣና ዘይፈታሕናዮም ዝተኣጀሉ ጸገማት ኣለዉና።

ነዚኣቶም ካብ ስምዒታዉነት ወጺእና ብህድኣት፣ ሰላምን ፍቕርን ኣማእኺልና ንጽልእን ቅርሕንትን ክንፈትሖም ኣለና። ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሻቕሎትን ወጥርን ኣብ ዝኣተዋሉ ግዝያት ካብቲ ዝኣተውዎ ጸገም ትምህርቲ ወሲዶም ካብ ደጊም ይኣኽለና ዝብላሉ ተጓንፎታት ኣሎ።

ንኣብነት ሃገራት ኣውሮፓ ክምስረታ እንከለዋ ብዙሕ ጸገማት ሓሊፈን’የን። ይኹን እምበር እዚ ካብ ደገም ይኣኽለና ኢለን እየን ካብቲ ጸገም ተላቒቐን።

ንሕና’ውን ኣብቲ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ይኣኽለና፣ ህዝቢ ኣምሪሩ ካብ ደጊም ይኣኽለና ኢሉ ዝሰማማዓሉ ግዜ’ዶ ይኸውን? ኣብ ኩሉ ኣንፈት ዘለዉ መራሕቲ ዝሰማምዕሉ ግዘ'ዶ ኣኺሉ ይኸውን? ኢለ ይሓትት።

እዚ እንድሕር ኮይኑ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ገዲፍካ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ዕድል’ሎ። እዚ ምስ ዘይኸውን ግን ናይ ዕንወት ናይ ምስግጋር ተኽእሎ’ሎ።

 ናተይ ተስፋ ግን ‘እዚ ይኣኽለና’ ኢልና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ዕድል’ሎ እዩ ዝብል’ዩ።

ቢቢሲ፡ ኢትዮጵያን ህዝባን ሕጂ ዘለውዎ ኣጸጋሚ ኩነታት ይፍለጥ’ዩ። እዚ ጸገም ንምምሕያሽ እንታይ ዓይነት ግደ ክህልወካ’ዩ?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ናተይ ግደ ዓብይ’ዩ ኢለ’ኳ እንተ ዘይወሰድኩ፡ ኢትዮጵያ እትኣክል ዓባይ ሃገር ከምዝመርሐ ሰብ ግን ብዝኽኣልኩዎ ኩሉ ጻዕሪ እገብር እየ።

ናይ ሰላም፣ ምትሕብባርን ፍቕርን መንፈስ እምበር ብናይ ጽልእን ስዕርካ ምሕላፍን መንፈስ ከይኸውን ማዕዳይ ከሕልፍ እደሊ።

እዚ ብቓል ድኣ ይበሃል እምበር ብተግባር ክተሽርፎ ግን ከቢድ’ዩ። ብደረጃ ዓለም ለኸ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽልዋ ዝፈጥሩ ሰባት እረክብ እየ። ብፍላይ መራሕቲ ኣፍሪቃን ምዕራባውያን ሃገራትን ረኺበ ብዛዕባ እቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ከብራህርህሎም እፍትን’የ።

እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ካብ ዘሎ ጸገም ንኽትወጽእ ሓገዝ ክገብሩ እጽዕር’የ።

ዘይተረድእዎ ሓቂ እንተልዩ ድማ ክርድእዎ ብምግባር ቆላሕትኦም ኣብ ተጻባእቲ ሓይልታት እንተይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከተኩሩ እፍትን’የ።

ኣቃልብኦም ኣብ ህዝቢ እንተዘይኮይኑ ተጻባእቲ ሓይልታት ብዝፈጥርዎ ጸገም እቲ ህዝቢ ከቢድ መቅጻዕቲ ክበጽሖ ይኽእል’ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስቓይ ዝናገፈሉ እምበር ጸገማቱ ዘናውሕ ስጉምቲ ከይወስዱ ይምዕዶም። ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ሃገር መሰረቱ እንተተናጊዑ ምሉእ ኣፍሪቃ፣ ማእኸላይ ምብራቕ ኮነ ኣውሮፓ ከባጽሕ ዝኽእል ቅልውላው ዘምጽእ ምዃኑ ተረዲኦም ዝተጸንዐ ፖሊሲ ንኽሕዙ እየ ጻዕሪ ዝገብር።

ቢቢሲ፡ ሓድሽ ዓመት እንትብሕት ብዙሓት ንድሕሪት ተመሊሶም ግዘ ቁልዕነቶም ይዝክሩ። ንስኻ ኣብ ግዜ ሓድሽ ዓመት ናብ ኣእምሮኻ ዝመላለሱ ተዘክሮታት እንታይ’ዮም?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ሓድሽ ዓመት ብዝኣተወ ቁጽሪ ሓደ ሕማቕ ተዘክሮ ኣለኒ። 12 ክፍሊ ምስወዳእኹ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣቦይ ዓሪፉ። ኣብ ሓዘን እንከለና ሓድሽ ዓመት ኣርኪቡልና። ናብ ዩኒቨርሲቲ እንኣትወሉ ግዜ ስለዝነበረ ኣብ ሓዘን ኮይነ እየ ናብ ምዝገባ ከይደ። ንዓይ እታ ሽዓ ዝነበረት ሓዳሽ ዓመት ሕማቕ ነይራ። እቲ ናይ ሻቡ ኩሉሻዕ እየ ዝዝክሮ።

 ኣቦና ኩሉ ነገርና ስለዝነበረ እቲ ዝነበረ ናይ ልቦና ስብራት ሓድሽ ዓመት ኣይርስዖን። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ምስ በዓልቲ ቤተይ መርዓ ዝገበርናሉ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ’ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኣብ ንእስነት ዕድመና ኣብ ሓድሽ ዓመት ዘሕለፍናዮም ሰናይ ግዝያት ኣይርስዖን። እዞም ክልተ ተጓንፎታት’ዮም ኩሉሻብ ናብ ሕልናይ ቅጅል ዝብሉኒ።

ቢቢሲ፡ ዋላ’ኳ ምስ ኣውደኣመት ዝዛመድ ኣይኹን ጻኒሒትና ንምጥቕላል ዝኣክል ንገዛእ ርእስኻ ካብ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ስልጣንካ ምስ ኣግለልካ ኣብ ኢትዮጵያ ክመጽእ’ዩ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ለውጢ ተረጋጊጹ’ዩ ኢልካ'ዶ ትኣምን?

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ናተይ ካብ ስልጣን ምእላይ ኣብቲ ሽዑ ግዘ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥርን ሻቕሎትን ኣብ ምዝሕሓልን ህዝቢ ተስፋ ክሰንቕን ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ልዑል ግደ ነይርዎ’ዩ።

ኣብ ሃገርና ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ብሰላም ምንባር ዝኽኣለ ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ ኩነታት ከምዝከኣል ሓደ ኣብነት’ዩ። ኣነ’ውን ዕድለኛ ሰብ እየ ኢለ እየ ዝኣምን። እዚ ብኹሉ መዳይ ዘሕልፎ ናይ ገዛእ ርእሱ መልእኽቲ ኣለዎ። ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት’ውን እንተኾነ ከም ዝከኣል ዘምሃረ’ዩ።

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ከማኻ ዕድል ገጢሙኒ ኣነ’ውን ስልጣነይ ብግዜይ ኣረኪበ ምስ ህዝቢ ብሰላም ዝነብረሉ ዕድል እንተዝፍጠረለይ” ክብል ሰሚዕኽዮ ትኾኒ ኢኺ።

ብድሕረይ ናብ ስልጣን ዝደየቡ መራሕቲ ስልጣን ናይ ህይወት መወዳእታ ከምዘይኮነን ካብ ስልጣንካ ወሪድካ ብሰላም ምንባር ከምዝከኣል ዘርኣየ’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እኳ’ድኣስ ዝሓሸ ኣስተዋጽኦ ምግባር ከምዝከኣል ዘርኣየ’ዩ። እቲ እነበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ።

እንተኾነ ግን ጸገማት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ’ዩ። ናተይ ወይ ከዓ ብናይ ካልእ ካብ ስልጣን ምውራድ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ናይ ባዕሉ መደላድል ክፈጥር ግን ይኽእል’ዩ። ኣነ ንባዕለይ ካብ ስልጣን ወሪደ እንትሓስቦ ዕምቖት ጸገማት ሃገርና ብግብኡ ክንርዳእ ብዘይምኽኣልና ንጉዳእ ኢና።

ጸገማት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ካልእስ ይትረፍ እቲ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣካል ካብ ስልጣነይ ወሪደ እንተዝብል’ኳ ዝፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ልዕሊ ናይ ኣመራርሓ ምልውዋጥ’ዩ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

 ሕብረተሰብና ቅረታን ቅርሕንትን ዝተመልኦ’ዩ። እቲ መንእሰይ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኣለዎ። እቲ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ’ውን ከምኡ ናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ ዘለዎ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣሰር ሓዲጎም ዝሓለፉ ወለዶታት ኣለዉ።

ብናትና ኣጸዋውዓ እቲ ናይ 1960ታት ወለዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ኣትዩ ክሳብ ሕጂ ንስልጣን ዝነሓንሑ ዘለውዎ ግዜ’ዩ። እዚ ትውልዲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝሓዞም መርገጽታት ኣብ ኢትዮጵያ ብጽቡቕን ሕማቕን በሰላ ገዲፎም’ዮም።

ካብኣቶም ሓደ ሕቶ ብሄራት ዝተመለሰሉ መገዲ’ዩ። ሕጂ ከምዝተረድኣና ኩላትና ከምቲ ዝሓሰብናዮ መሰልን ማዕርነትን ብሄራት ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ ናብ ምጥፍፋእን ኣኽራርነትን ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ብዙሕ ጸገማት ኢና ዘለና። ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ብግልጺ ተዛቲና እቲ ማእኸላይ መገዲ ክንእልሽ ኣለና። ካብ ኣኽራርነት ብዝራሓቐ መገዲ መሰላት ብሄርን ሃይማኖትን ከምኡ’ውን መሰላት ጉጅለ ካብ ናይ ዜግነት መሰል ንላዕሊ ብዘይኾንሉ መንገዲ ኣማራጽታት ክንእልሽ ኣለና።

እዚ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከም በዓል ሶቭየት ሕብረት ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ክፍጠራ እንከለዋ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝመጽአ ሓሳብ’ዩ። ንሕና ነቲ ሓሳብ ክንሽምቶ እንከለና ግን ሕብረተሰብና ዝተሓዋወሰ ምዃኑ ብዝረስዐ መገዲ ኢና ኣተግቢርናዮ።

ናይ ሓባር መፍትሒ ንምንዳይ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ከምኡ’ውን ዝምልከቶም ኩሉ ዘሳተፈ ዘተ ተገይሩ መፍትሒ ምትእልላሽ ከድሊ’ዩ።

ንኣብነት ናተይ ብሄር ወሲድኪ ደቂ ወላይታ ኣብ ግዜ ምስረታ ሃገር ሃጸይ ሚኒሊክ ተጨፍሊቕና ኢና፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተጨፍጪፎም’ዮም ኢሎም ክሳብ ሕጂ ይዛረቡ’ዮም። ሓቂ’ዩ እዚ ኣይተገበረን ክብል ኣይክእልን።

እንተኾነ ግን ካብ ሓደ ሃጸያዊ ስርዓት ዝኽተል ንጉስ፡ ዴምክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ንጽበ እንድሕር ኮይንና ምስ ታሪኽ ኢና ናብ ጎንጺ ክንኣቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ጦና’ውን እንተኾነ ዕድል እንተዝረክብ ነይሩ እቲ ሚኒሊክ ዝገበሮ ካብ ምግባር ንድሕሪት ይብል’ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ንጉስ ጦና ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ከባቢ እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሃጸያዊ ስርዓት ናይ ባዕሉ ጸቕጢ ፈጢሩ’ዩ። ስለዝኾነ ኩላቶም ሃጸያዉያን ስርዓት ዝፍጽምዎ ነገር እዩ። እንተኾነ ግን ልክዕ ኣይነበረን።

እዚ ቅርሕንቲ ሒዝካ ሚኒሊክ ዝተፈጠርሉ ጭቁን ብሄረ ኣምሓራ ከምዝገበሮ ተገይሩ ዝሰኣለሉን ዝተፈላለዩ ስያሜታት ዝወሃበሉ መገዲ ግን ክፍታሕ ኣለዎ።

ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት እዚ ዘይተፈትሐ ቅርሕንቲ ሰለማውያን ሰባት ንኽጉዳእን ክመውትን ዝገብር’ዩ። ናይ ሃገርና ናይ ቅድሚ ሕጂ ሰናይ ተግባር ሰኒቕና እቲ ካልእ ሕማቕ ታሪኽ ድማ ካልኣይ ከምዘይድገም ተኣማሚንና እንሳገረሉ መገዲ ኢና ክንሰርሕ ዘለና።

ስለዝኾነ ኣሳታፋይን ዓሚቝን ዘተን ምርድዳእን ክፍጠር ኣለዎ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ሻቕሎትና እንዳወሰኸ ምኻዱ ኣይክተርፍን። ብምዃኑ ናተይ ካብ ስልጣን ምውራድ ኩሉ ነገር ዝፈትሕ ኣይኮነን።

ኣብቲ ሽዑ ግዜ ቅሩብ ጭላንጭል ተስፋ ሂቡ ነይሩ። እቲ ተስፋ ኣብ ግዜ ከይዲ እንዳጎደለን እንዳዝሓለን ምምጽኡ ኩላትና ንዕዘቦ ዘለና ነገር እዩ። ይኹን እምበር ሕጂ’ውን ናብቲ ልክዕ ዝኾነ መገዲ ክንኣቱ ዘኽእል ዕድል ኣለና።