መራሕቲ ነበር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝን መንግሥቱ ኃይለማርያምን ተራኺቦም

መራሕቲ ነበር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝን መንግሥቱ ኃይለማርያምን

ምንጪ ስእሊ, HAILEMARIAM DESALEGN FACEBOOK

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕሬዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያምን ኣብ ዋና ከተማ ዚምባብዌ፡ ሃራሬ ተራኺቦም።

ብዙሓት ናይ ክልቲኦም ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተቐባበልዎ፤ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ፌስቡኩ፤ ኣብታ ሃገር ሰላማዊ ምሽግጋር ምስተገበረ፤ መራሕቲ ነበር ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ሃገሮም ተሳትፎ ክህልዎም ከምዝምነ ብምግላፅ፤ ነቲ ስእሊ ለጢፍዎ።

ኢህወዴግ ሥልጣን እንትሕዝ ናብ ዚምባብወ ዝሃደመ ፕሬዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ንኣስታት 17 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሕዋ እዩ።

ኮሎኔል መንግስቱ ኃይለማርያም ኣብ ዘይተረኽበሉ ብሞት ክቅፃዕ ከምዝተፈረዶ ዝዝከር እዩ።

ካልኦት ሰበ-ስልጣን ደርጊ ድሕሪ ናይ ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑ ዝፍለጥ እዩ።