ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ መራሕቲ ትግራይ 'ዓለም ክትደናገጸሎም ይፍትኑ አለው' ክብል ነቒፉዎም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይላማርያም ደሳለኝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይላማርያም ደሳለኝ፡ መራሕቲ ትግራይ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተጠቒሞም ዓለም ለኻዊ ድንጋጸን ከምኡ’ውን “ኣብ ሕሉፍ እዋናት ንዝሰርሕዎ ገበናት ምሕረት ክረክቡ” እዮም ዝፍትኑ ዘለዉ ክብል ኣብ መጽሄት ፎረይን ፖሊሲ ጽሒፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይላማርያም ደሳለኝ ንኢትዮጵያ ካብ 2012 ክሳብ 2018 ዝመርሐ ኮይኑ ‘’እቲ ቀንዲ ጸገም ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዎም ዘይምዕሩይ ሞራላዊ ግምት ዝነቅል ኮይኑ መንግስታት ዓለም ኣብ ሓቂ ዘይተሞርኮሰ ግጉይ ሚዛን ከምዝሕዙ ይገብሮም’’ ኢሉ።

እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ሳልሳይ ሰሙን ገይሩ ከምዘሎን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተላዚቡ ነቲ ጎንጺ ፍታሕ ክረኽበሉ ይጠልቡ ኣለው።

ሃይላማርያም ደሳለኝ፡ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዝደገፎ ኮይኑ፡ ነቲ ‘ወተሃደራዊ ስርሒት’ ኣድላዩ ‘’ጸጥታዊ ስርሒት’’ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ካብ ምግባር ክቑጠብን ከምኡ’ውን ነቶም በዚ ኩነታት ዝተጸልው ክከላኸልን ኣተሓሳቢሱ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ክፍቀድ ከምዘለዎ ድማ ሓቢሩ።

ሃይለማርያም፡ ኣብ ገለ ተጋሩ ብሰንኪ ዓለቶም በደል ይበጽሖም ኣሎ ዝብል ጉዳይ፡ ምምሕዳር ኣብዩ ኣሕመድ ከምርምሮን እቶም ገበነኛታት ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ጠሊቡ።

እዚ ጉዳይ እንድሕር ተረጋጊጹ፡ ሓደገኛ ምዕባለ ብምዃኑ ክኹነን ዘለዎ ተግባር እዩ ድማ ኢሉ።

እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ኣካል እቲ ንኢትዮጵያ 27 ዓመት ዝመርሓ ግንባር (ኢህወዴግ) እዩ ነይሩ። ውድብ ህወሓት’ውን ኣካል እዚ ልፍንቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግን መራሕቲ ህወሓት ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይህደኑ ኣለው።

ሃይለማርያም፡ ኣብ 2018 ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ድሕሪ ምልዓሉ እዩ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ንሱ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ብተደጋጋሚ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን፡ ፖሎቲካዊ ነጠፍትን ከምኡ’ውን ሞት ብዙሓት ሰልፈኛታት ጸማም እዝኒ ብምሃቡ ብዙሕ ይኽሰስ እዩ።

ሃይለማርያም፡ ኣብታ ዝጸሓፋ ዓምዲ፡ ነቶም ናይ ቀደም ናይ ህወሓት ብጾቱ ‘’ገበነኛታት’’ ክብል ገሊጽዎም።

“ኣመራርሓ ህወሓት፡ ካብ ናይ ገበነኛታት ዋኒን ሓሊፉ ትርጉም የብሉን፡ ኣብ መጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ነድፊ ዝርርብ ክሳተፉ የብሎምን’’ ድማ ኢሉ።