መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀጥታዊ ዘተ ንምክያድ ዝቐረበ ሓድሽ ጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ብቐጥታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምዝታይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝቐረበሉ ሓድሽ ጻውዒት ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።
ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ሎሚ ረቡዕ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ንዝብል መትከል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቃሉ ብምጽናዕ፡ ዘላቒ ሰላም ብምርግጋጽን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገር ብዘኽብር መልክዑ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ኵሉ ዓይነት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንቐጥታዊ ዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክራኸቡ ዕድመ ከም ዝለኣኸ ተፈሊጡ።
እቲ ብዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ዘተ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ካብ ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እንተዀነ ቢቢሲ ዝረኣዮ ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተላኢኹ ዝተባህለ ደብዳበ፡ እቲ ዘተ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰንበት 8 ጥቅምቲ ምዃኑ'ኳ እንተተመልከተ፡ ሰንበት 9 ጥቅምቲ እዩ ዝውዕል።
እቲ ዘተ ሰላም ብላዕለዋይ ወኪል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምዝምራሕ እቲ ደብዳበ የረድእ።
ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ንጉካን እውን ኣብቲ መስርሕ ሰላም ከም ሸምገልቲ ከገልግሉ ምዃኖም ይገልጽ።
ዛጊት ካብ መራሕቲ ትግራይ ብዛዕባ እቲ ደብዳበ ጻውዒት ዝተዋሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
መራሕቲ ትግራይ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣቆጻጽራ ግእዝ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመርሖ ዝርርብ ሰላም ንምስታፍ ድሉዋት ምዃኖም ጻውዒት ምቕራቦም ግን ዝዝከር እዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ኩናት ጠጠው ክብልን ብቕልጡፍ ልዝብ ክጅመርን ንምድጋፍ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጕዕዞኡ ምጅማሩ ተገሊጹ እዩ።
ማይክ ሃመር፡ ካብ ሰኑይ 3 ጥቅምቲ ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2022 ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝቕጽል መገሻኡ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከምዝበጽሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ኲናት ትግራይ፡ ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ ብሰንኩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ይግለጽ።
ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትንጥሜት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓድሽ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ፡ ጥሜትን ጾታዊ ግህሰትን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ ምባሉ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







