ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ፡ ናብ ናይሮቢ፡ ፕሪቶርያን ኣዲስ ኣበባን መገሻ ጀሚሩ

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር

ምንጪ ስእሊ, WWW.EVENTBRITE

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ጠጠው ክብልን ብቕልጡፍ ልዝብ ክጅመርን ንምድጋፍ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ጕዕዞኡ ጀሚሩ።

ማይክ ሃመር፡ ካብ ሰኑይ 23 መስከረም ክሳብ 8 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ንክልተ ሰሙን ኣብ ዝገብሮ መገሻ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከምዝበጽሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ እቲ ሓላፍነት ዝተረከበ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ዞባ ብምምልላስ፡ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ እቲ ኣብ መንጎ መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ዝጸንሐ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኹሲ ደው ምባል ተጣሒሱ፡ ኲናት ምስተጀመረ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ ንልዕሊ ዓሰርተ መዓልቲ ከምዝፀንሐ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣምባሳደር ሓመር ሕዚ ናብቲ ከባቢ ዝገብሮ ዘሎ መገሻ፡ ኣካል ናይቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ክጅመርን እትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ'ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምስያም፡ እቲ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ክጽዕር’ኳ እንተጸንሐ፡ ዛጊድ ፍረ ኣየተረኽቦን።

ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረትን ኦባሳንጆን ሕቶታት ኣልዒሎም፣ ዘይሻራዊነቶም ኣይተቐበልዎን ጸኒሖም።

መራሕቲ ትግራይ፡ ድሒሮም ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪካ ተቐቢሎም ንዘተ ድልዋት ምዃኖም ምግላጾም ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ከምኡ እውን ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘትዩ እዩ።

ማይክ ሃመር፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ምስ ሰበስልጣን ኬንያ፡ ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ሰብኣዊ ረድኤትን ንምቕራብ ጻዕሪ ዝገብሩን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ተራኺቡ ክዘራረብ ምዃኑ ይግለጽ።

ሃመር፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ኵነታት ብዝምልከት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ድሕሪ ምክፋሉ እዩ፡ ናብ ኣፍሪቃ ተመሊሱ ዘሎ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ድሕሪ ናይ ኬንያ ጻንሒቱ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዘምርሕ ዀይኑ፡ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብምዝታይ ነቲ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ሰላም ንምድጋፍ ከምዝፍትን ይዝረብ።

ሃመር፡ ዝሓለፈ መገሻኡ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጻዕርታት ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣድላይነት ካልኦት ዓለምለኸ ሸምገልቲ ምሕዋስ ዝብል ሓሳብ፡ ኣስሚርሉ ነይሩ።

ከምኡ ድማ፡ ስም ድላሚኒ ዙማ ዝተባህለት ፍሉጥቲ ፖለቲከኛ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦ ​​መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ነበርን ጠቒሱ ነይሩ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ሃገራዊ ዕርቅ ንምዕዋትን ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ተሓታትነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ካብቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ከምዝዀኑ'ውን ተገሊፁ ኣሎ።

ሳልሳይ ዲፕሎማት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተራኺቡ እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ዝተበጽሐ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ብ18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብቂዑ እዩ።

እቲ ልኡኽ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝገብሮ ዘሎ መገሻ፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማሩ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ።

ንኣመሪካ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን፡ ኵለን ወገናት ካብ ግጭት ክቑጠባ ሓቲተን፡ ረድኤት ዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክበጽሖም ጸዊዐን እየን።

ኲናት ትግራይ፡ ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርገሐ ዀይኑ፡ ብሰንኩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ይግለጽ።

ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ብተደጋጋሚ ክኽሰሱ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ንጥሜት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓድሽ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ፡ ጥሜትን ጾታዊ ግህሰትን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ኣሎ ምባሉ ዝዝከር እዩ።