‘ኣብ ሰሙን 12 ሰባት ብሕማም ሸኮር ይሞቱ’ - ሆስፒታል ዓይደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ዛንታ'ዚ፡ ብሜዲካል ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር - መቐለ፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ዘተዘንተወ እዩ።
ሓንቲ መንእሰይ ንዝሓመመት ኣደኣ ሒዛ ናብቲ ሆስፒታል ትመፅእ። ነታ ብኻልእ ሕማም ተወፂዓ ዓራት ዝሓዘት ኣደኣ ተላዕላን ትከናኸናን ነበረት።
ሓደ መዓልቲ እታ ህይወት ኣደኣ ክትቕንየላ ትጓየ ዝነበረት ንእስቲ ውነኣ ስሒታ ትወድቕሞ ሓኻይም ተጓዮም ብዝከኣሎም ክሕግዝዋ ፈተኑ። ዝወደቐትሉ ምኽንያት ነቲ ዘሳቕያ ሕማም ሽኮር ዝኸውን ኢንሱሉን ምስኣና ነበረ።
“እናረኣናያ እያ ወዲቓ፤ ሽዑ ተጓይና ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን [‘ኣይሲዩ’] ኣእቲናያ። ክነትርፋ ግን ኣይከኣልናን። ኣብ ጽባሕ እቲ ብሃንደበት ዝወደቐትሉ መዓልቲ ሞይታ” ክብል እታ ህይወት ኣደኣ ክተትርፍ ትጨናነቕ ዝነበረት ንእስቲ ህይወታ ንዝሰኣነትሉ ዘሕዝን ኣጋጣሚ የዘንቱ።
ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ይዘንቱ።
“እታ ካልአይቲ ካብ ገዛኣ ተሰኪሞም’ዮም ኣምፂኦምዋ። ሽኮር ከምዘለዋ’ውን ኣይትፈልጥን ነይራ። ምስ ወደቐቶም ቤተሰባ ተሰኪሞምዋ መጺኦም። መርመራ ምስገበርናላ ሕማም ሽኮር ከምዝዀነ ፈሊጥና” ይብል።
ሕማማ እንታይ ከምዝዀነ እንተፈለጡ'ኳ መድሃኒት ክረኽቡላ ብዘይምኽኣሎም ግን ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ሓንቲ መዓልቲ ንላዕሊ ብህይወት ክትቕፅል ኣይከኣለትን። ከምዚኦም ዝበሉ ተጓንፎታት ንሰብሞያ ጥዕና ሆስፒታል ዓይደር ልቢ ዝሰብሩ ኰይኖም ቀጺሎም ኣለዉ።
'ድሕሪ ወርሒ ብህይወት ኣይክጸንሑን!'
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ክልተ ዓመት ክመልኦ ሒደት ሰሙናት ተሪፍዎ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ትካላት ጥዕና ትግራይ ንተሓከምቲ ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ይርከቡ።
ኣብ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር’ውን ብሰንኪ ሕፅረት መድሃኒታት፡ ናውቲ ሕክምናን ቀረብ ኤለክትሪክን ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ዓቕሙ ከምዝርከብን ወሰንቲ ንዝበሃሉ ኣገልግሎታት ሕክምና ከቋርፅ ከምዝተገደደን ይግለጽ።
ኣብዚ ቕነ እቲ ሆስፒታል ንዅነታት ሕሙማት ሽኮር ብዝምልከት ናብ ማሕበር ሕማም ሽኮር፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮርን ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ግዳያት እዚ ጸገም ጥዕና ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ከምዝርከቡ የመልክት።
እቲ ሕማም፡ ኢንሱሊን ብመርፍእ ብምሃብ ከምኡ’ውን ብመልክዕ ዝወሓጥ ከኒና ኣቢልካ ብዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ንተሓከምቲ ምሕጋዝ ይከኣል።
ኣብ ትግራይ በዞም ዓይነታት ሕክምና ህይወቶም ዘቐጸሉ ሰባት ኣስታት 27 ሽሕ ከምዝዀኑ ዶ/ር ክብሮም ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, DR. KIBROM
“እዞም ተሓከምቲ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት እናኸዱ ሕክምና ይረኽቡ ነይሮም። እቲ ኲናት ዳግማይ ምስተወለዐ ግን እቲ መድሃኒታት ናብ ትግራይ ክመጽእ ኣይከኣለን። ኣብ መኽዘን ዝነበረና ተወዲኡ ተወሳኺ ክመጽኣና ኣብ እንፅበየሉ እዋን’ዩ እቲ ኲናት ተወሊዑ፡” ይብል ዶክተር ክብሮም።
ንሱ ከምዝብሎ ብፍላይ እቶም ብኢንሱሊን ዝሕገዙ ተሓከምቲ ኵነታቶም ግዜ ዝህብ ኣይኰነን። ብእዋኑ ነቲ ኢንሱሊን ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ናብ ሞትን ካልኦት ዝተሓላለኹ ጸገማት ጥዕናን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ’ውን ወሲኹ የረድእ።
ካብ መንጐ እቶም ኣስታት 27 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር እቶም ልዕሊ 8 ሽሕ ትሕቲ 14 ዓመት ህጻናት’ዮም። ሓኻይም ንስቅያት እዞም ህጻናት ከዐግስ ዝኽእል መድሃኒት ስለዘይብሎም ምስቶም ተሓከምቲ ካብ ምሕዛን ዝሰገረ ካልእ ዓቕሚ የብሎምን።
ነቶም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ካብ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ዓለም [‘ኢንተርናሽናል ፌደሬሽን ኦፍ ዲያቤቲስ’] ዝቐርበሎም ነጻ ሓገዝ መድሃኒት ኢንሱሊን ነይሩ’ዩ።
ዶ/ር ክብሮም፡ “ኣብዚ እዋን ግን ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም እቶም ልዕሊ 8 ሽሕ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመኦም ህፃናት ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም ይርከቡ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ይገልጽ።
“ህጻናት ብቐጻሊ ይሞቱና ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት መድሃኒት ወይ ኢንሱሊን ከምዘይብልና ስለዝፈለጡ ናባና ምምፃእ ኣቋሪፆም’ዮም። ስለዚ ናብዚ ከመይመጽኡ ኣብ ገዛኦም ዝሞቱ ብዙሓት’ዮም” ይብል እቲ ዶክተር።
ብዘይካ’ቲ ዝኸፍአ ሞት ዘጋጥሞም ሰባት፡ ካልኦት ብዙሓት ብሰንኪ እቲ ሕማም ንኸቢድ ሕማም ዓይኒ፡ ሕማም ኵላሊትን ካልእን ተቓሊዖም ኣለዉ።
“ከኒና ወይ ኢንሱሊን ኣብ ሓጺር ግዜ ክርከብ እንተዘይክኢሉ ብዙሓት ሰባት ብህይወት ዝጸንሑሉ ዕድል ዝጸበበ እዩ ክኸውን። እቶም ኣብ ገዛኦም ዘለዉ ተሓከምቲ’ውን ዝነበራኦም መድሃኒት እንተተወዲአን ህይወቶም ክትቅጽል ከቢድ ክኸውን’ዩ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት የረድእ።
ተሓከምቲ እንታይ ይብሉ?
ብፍላይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር ብቐጻሊ ስለዝመላለሱ ኣብ መንጐ ተሓከምትን ሰብሞያ ጥዕናን ዝህሉ ርክብ ስጡም ከምዝዀነ ዶ/ር ክብሮም ይዛረብ።
“እዞም ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር ተሓከምቲ ድማ ንነዊሕ ዓመታት ምሳና ዝጸንሑ እዮም። ምስ ነርስን ካልኦት ሰብሞያ ጥዕናን ከም ቤተሰብ እዩ ምቅርራቦም። ኣብ ኵሎም ሆስፒታላት ብስም ከይተረፈ እዮም ዝፋለጡ” ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, MU
ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ወርሓዊ ናብቲ ሆስፒታል እናመጽኡ መርመራ ምስተገበረሎም መድሃኒትን ምኽርን ተዋሂብዎም ይምለሱ ነይሮም። ሎሚ ዘሎ ኵነታት ግን ዝተፈለየ ኰይኑ’ሎ።
“መጺኦም ‘መድሓኒት የለን’ ኢሎም ከፋንውዎም ከለዉ ብጣዕሚ እዮም ዝስንብዱ። ምኽንያቱ መድሃኒት እንተዘይወሲዶም ኣብ ህይወቶም ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ንምህሮም ኢና ነይርና። ስለዚ ሎሚ ‘መድሃኒት የብልናን’ ክንብሎም ከለና እቲ ዅሉ ንምዕዶም ዝነበርና ነገር’ዩ ናብ ዓይኖም ዝመጽእ” ይብል እቲ ዶክተር።
ገሊኦም ንብዓቶም ሓይልዎም ጸረር ከብሉ ከለዉ ገለኦም ድማ ነቶም ሓኻይም ‘ኣድሕኑና. . .! ጸገምና ዓለም ንኽፈልጦ ግበሩ’ ክብሉ ይምሕጸንዎም።
ነዚ ሓዘንን ንብዓትን እናረኣዩ ድቃስ ዝሰኣኑ ሰብሞያ ጥዕና ዓለም ምስ ዝተፈላዩ ኣካላት ክረኸቡን ነቲ ዘሎ ኵነታት ከረድኡን ካብ ምፍታን ብተወሳኺ፡ ነቶም ተሓከምቲ ብሓጸርቲ ቪድዮታት መልእኽቲ ከሕልፉ ብምግባር፡ ሓገዝ ክገብሩሎም ዝኽእሉ ኣካላት ክፈልጡሎም ይፅዕሩ ኣለዉ።
“መዓልታዊ ኣብ ክሊኒክ ሕማም ሽኮር ክሊኒክ ዝርአ ሓዘንን ብኽያትን ልብኻ ዝሰብር’ዩ። ብዝተኻእለና መድሃኒት ዝኣትወሉ ኵነታት ንኽፍጠር ኢና ንጽዕር ዘለና። ብፍላይ ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ህጻናት እንተርኢና እቲ ስቓይ ኣብ ወለዶም እውን’ዩ ዝበጽሕ” ይብል ዶ/ር ክብሮም።
እቶም ኣስታት 27 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር፡ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ብምርመራ ሃለዋት እቲ ሕማም ዘረጋገጹ እዮም። ኣብዚ እዋን ግን እዅል ኣገልግሎት ሕክምናን መሳርሒታት መርመራን ብዘይምህላዉ መራመራ ገይሮም እቲ ሕማም ከምዘለዎም ዘይፈለጡ ኣሽሓት ከምዝህልዉ እዩ ዝኣምን።
ደብዳበን ዝረኸቦ ምላሽን. . .
ቅድሚ መዓልታት ሆስፒታል ዓይደር ናብ ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ፡ ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮርን ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ደብዳበ ነቲ ዘሎ ኵነታት ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር ዘረድእ ኰይኑ ቅልጡፍ ሓገዝ ድማ ይጠልብ።
ዶ/ር ክብሮም ከምዝብሎ ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ናብ ኢትዮጵያ ዝልእኮ መድሃኒታት ብምህላዉ ናብ ትግራይ እውን ይበጽሕ ነይሩ።
“ንዅሉ ኢትዮጵያዊ ተሓካሚ ሽኮር ክበጽሕ ብዝብል’ዩ ብፍላይ እቲ መድሃኒት ኢንሱሊን ብነጻ ዝመፅእ። ስለዚ እቲ ናትና ብጽሒት ኣብኡ ተሓዊሱ እዩ ዝለኣኽ” ዝብል እቲ ዶክተር፡ ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ ነቲ መድሃኒት ናብ ትግራይ ክበጽሕ ኣብ ምግባር ክተሓባበሩ ምጽንሖም ይጠቅስ።
ዓለምለኸ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ ኢንሱሊንን ካልእ መድሃኒት ሽኮርን ብቕልጡፍ ክበጽሕ ንምግባር ዝጠልብ ሕቶ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኸ ሓቢሩ ነይሩ።
ተሓከምቲ እዚ ሕማም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም ከምዝርከቡ ዘመልከተ እቲ ፈደረሽን፡ መድሃኒት ክበጽሕ ዝከኣለሉ ኵነታት ክፍጠር ሓቲቱ’ሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሆስፒታል ዓይደር ዝተጸሓፈ ደብዳበ ካብ ማሕበር ሕማም ሽኮር ኢትዮጵያ ምላሽ ከምዝረኸበ ዝገለጸ ዶ/ር ክብሮም፡ “በቲ ዓለምለኸ ፈደረሽን ካብ ዝተለኣኸ መድሃኒታት ሕማም ሽኮር እቲ ናይ ትግራይ ብጽሒት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከብ ነጊሮምና ኣለዉ” ኢሉ።
“ዝዀነ መገዲ እንተረኺብና ክንልእከልኩም ኢና ዝብል መልሲ ሰዲዶምልና። እዚ ምባሎም ጽቡቕ እዩ፤ ግን ድማ ቀይሕ መስቀል ፍቓድ ተዋሂብዎ ብቕልጡፍ ናብ መቐለ ከምጽኣልና እንተዝግበር ንብል፡” ክብል ተላብዩ።
ዓይነታት ሕማም ሽኮር
ሞያውያን ተመራመርቲ እቲ ዓውድ ንሕማም ሽኮር ኣብ ክልተ እዮም ዝኸፍልዎ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ቁጽሪ ሓደ ( ታይፕ-1) ዝበሃል ኰይኑ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ስድራ-ቤት ብተወርሶ ዝሓልፍ ዓይነት ሕማም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
እቲ ካልኣይ ዓይነት ከኣ ቁጽሪ ክልተ( ታይፕ-2) ዝበሃል ኰይኑ መብዛሕቱ ግዜ ንማእከላይ ዕድመ ኣብ ኣርበዓታትን ልዕሊኡን ዕድመ ንዘለው ዘጥቅዕ ዓይነት ሕማም እዩ። ይዅን እምበር ሕማም ሽኮር ንሕጻናት፡ ቈልዑን፡ ኣብ ኣካላቶም ልዑል መጠን ስብሒ ዘለዎም መንእሰያት እውን የጥቅዕ እዩ።
ፍልልይ ሕማም ሽኮር ቁጽሪ ሓደን ክልተን፡ እቲ ቐዳማይ ብቐጥታ ብመርፍእ ዝወሃብ ኢንሱሊን ክሕከም እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ኣብ ሰብነትና ንዘሎ ውሑድ ዓቐን ኢንሱሊን ንምብርባር ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ዓይነት መድሃኒታት ብምውሳድ ንመጠን ሽኮር ኣብ ደምና ምቍጽጻር ይከኣል።
እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ናይዚ ሕማም፡ ተማሂሩን ተሓቢሩን ክጥንቀቕ ንዝኽእል ሰብ ዝኸውን እኹል ፍልጠትን ተመኩሮን ምህላው እዩ። ብፍላይ ንሕማም ሽኮር ቁጽሪ ክልተ ቅድሚ ዝኣገረ ክትከላኸላን እንተነፊዕካ ምሉእ ብምሉእ ከተርሕቕ፣ እንተነኣሰ ከኣ ኣዚኻ ከተደናጉያን ክትቈጻጸራን ይከኣል እዩ።
ምልክታት ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ?
እቲ ዝኸፍአ ጸገም ሕማም ሽኮርያ፡ ብፍላይ ከኣ ናይቲ ዓይነት ቁጽሪ ክልተ፡ ዝዀነ ሰብ ዝዀነ ምልክት ከየርኣየን ሕማም ከይተሰመዖን፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣካላቱ ንኣስታት 10 ዓመት እውን ክጸንሕ ዝኽእል ምዃኑ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ከኣ እቲ ሕማም ብውሽጢ ውሽጢ ንዝተፈላለዩ ዋህዮታት ኣካላትና፡ ንኵላሊትና፡ ነዒንትና፡ ንጸላም ከብዲ፡ ወዘተ የጥቅዕን ይጐድእን።
ስለዚ እንተተኻኢሉ ዋላ እውን ዝዀነ ሕማም ኣይሰመዓና፡ ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ኣካላትና ከመይ ከምዘሎ፡ መጠን ብዝሒ ደም፡ ኮሌስትሮል (መጠን ስብሒ ኣብ ሻምብቈታት ደምና) መጠን ብዝሒ ሽኮር ኣብ ደምና ወዘተ ክንምርመርን ኵነታትና ክንፈልጥን ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ዝበዝሕ ግዜ ብተወርሶ ካብ ስድራ-ቤት ዝመሓላለፍ፡ ዓይነት ቍጽሪ ሓደ (ታይፕ-1)፡ ሕማም ሽኮርያ እንተሒዙካ ግን፦
- ከም ጽምኢ ማይ
- ብዙሕ ማይ ምስታይ
- ጥምየት
- ዕብራን ሰብነት ዝኣመሰለ ምልክታት ከምዝገብር ሞያውያን ይዛረቡ።
ኣብ ኣካላትና፡ መጠን ሽኮር ካብቲ ዝግበኦ ንላዕሊ እንተበዚሑ ውነና ከነጥፍእን ኣብ ኮማ ክንኣቱን ንኽእል፤ ከም ሳዕቤኑ ኣካላትና ዘልምስ ወቕዕን ሞትን እውን ከስዕብ ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







