ዓይነት-2 ሕማም ሽኮርያ ፡ ምንካይ ክብደት ኣካላት ሕማም ሽኮርያ ንምቁጽጻር ይሕግዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ኢንሱሊን እትጭንጉዕ ክፍሊ ኣካላትና [ጣፍያ] ሽግር ምስ ኣማዕበለት ኢዩ ዓይነት-2 ሕማም ሽኮረያ ዝግሃድ። ብዝኾነ እቲ ኣብ ዓለም ከም ሽግር ክርአ ዝጸንሐ ሕማም፡ ክብደት ኣካላትና ብምንካይ ነቲ ሕማም ክንቆጻጸሮ ከምንኽእል እዚ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብግብሪ ኣርኢዩ ኣሎ።
እቶም እዚ ሕማም ዘለዎም ድማ ነዚ ዝተዋህበ ምዕዶ ብምትግባር ነቲ ሕማም ነበረያ ነበረ ንግበሮ።
ኣብ መዓልቲ 850 ካሎሪ [ሓይሊ ዝህብ መግቢ] ዝዓቐኑ መግቢ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብምምጋብ ክብደት ኣካላትካ ክትንክን ሕማም ሽኮርያ [type-2]ብውሕዱ ንኽልተ ዓመት ክትቆጻጸሮ ክምዝክኣል ዝተግብረ መጽናዒቲ ኣሚቱ።
ካብቶም መጽናዕቲ ዘተኻየዱሎም ሕሙማት፡ ኣብቶም ሓደ ሲሶ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ውጽኢታዊ ከምዝነበረ ናይ ሕክምና ክኢላታት ሓቢሮም።
እቲ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ስርሓት ዝርምርኮስ ኮይኑ፡ምንካይ ክብደት ኣካላትካ ቀንዲ ፍታሕ ምቁጽጻር ሕማም ሽኮርያ ከምዝኾነን ንገለ እዋን`ውን ካብ ኣፋውስ ምጥቃም ይገላግለካ።
እቲ ዓይነት-2 ዝኾነ ሕማም ሽኮርያ፡ ንምሉእ መዋእልካ ምሳኻ ዝነብርን ዝምዕብልን ሕማም ኢዩ ዝብሃል ዝነበረ ኣጠማምታ፡ እቲ ሕጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝበደሆ ገለ ክኢላታት ገሊጾም።

እቲ ዓይነት-2 ዝብሃል ሕማም ሽኮረያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 16 ኣብጽሕ ንሓደ ከምዘጥቅዕ ይግለጽ።
`ኣብ 12 ሳምንታት 17 ኪሎ ነኪየ`
ኣብ ከባቢ ግላስጎ [ዓዲ እንግሊዝ] ዝነብር ወዲ 58 ዓመት፡ ጆ ማክሶርሊ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዓይነት-2 ሕማም ሽኮርያ ከምዘለዎ ብመርመራ ምስተረጋገጸ፡ እቲ ዝተኣዘዘሉ ክልተ ዓይነት ኣፋውስ ነቲ ሕማም ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን።

ምንጪ ስእሊ, Diabetes UK
"ስለዚ ነቲ ኣፋውስ ንዘልኣለም ብቐጻሊ ክወስዶ ምዃነይ ኢዩ በሪሁለይ" ክብል ጆ ንመደበር ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።
ነቲ ፍሉይ መግቢ፡ ኣስታት ክልተ ካሎሪ ዝዓቕኑ ጸባ ዝተሓውሶ ጽሟቕ [milk shakes] ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ክምገብ ኣብዝጀመረሉ እዋን፡ እቲ መደብ ኣሸጋሪ ክይኑ ኢዩ ረኺብዎ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ሳምንታት ካብ 90 ኪሎ ናብ 73 ኪሎ ብምንካዩ፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ኣስተብሂሉ።
ዳሕራይ ግና ዓጺም መግቢ ክምገብ ምስጀመረ፡ እቲ ሽግር፡ ዳግማይ ከምዝተጋህደ ማክሶርለይ ገሊጹ።
"እቲ ጽሟቕ ምስታይ እቲ እንኮ መበገሲ ናይቲ ጉዕዞ ኢዩ፡ መጻኢ ሂወትካ ኣብ ኢድካ ከምዝኾነ ድማ የነጽረልካ" ኢሉ ማክሶርለይ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ክብደቱ ናብ 77 ኪሎ ድሕሪ ምውራዱ ዝኾነ ወሰኽ ናይ ክብደት ኣይገበረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







