ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ንከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ተቖጻጺሮም

ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ንከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝኾኑ ሓይልታትን ናብ ከተማ ሽረ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም ነይሮም።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጉድኣት ከይወርድ "ልዑል ጥንቃቐ" ከምዝገብርን፡ ኣብ ከተማታት ውግእ ንዘይምክያድ ጻዕርታት ከምዘካይድን ምግላጾም ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወገናት፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከየውርድ ዘለዎም ሻቕሎት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ትማሊ ሰኑይ፡ "ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ መዓርፎታት ነፈርቲ ንምቁጽጻር ዕላማ ከምዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እስትራተጂካዊት ከተማ ሽረን ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲን ብእኣ ዝሓልፍ ኣገዳሲ መስመራት ጽርግያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ምእታዉ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ ሰራዊት ፈደራል ነተን ብኣንፈት ደቡብ ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን'ውን ተቖጻጺሩወን ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ህዝቢ ትግራይ ክኸትት ብምጽዋዕ ኣንጻር'ቶም መሻርኽቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ዘለዉ ውግኣት ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ወተሃደራት ኤርትራ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣገዳስነት ከተማ ሽረ

ከተማ ሽረ

ምንጪ ስእሊ, ANDOM GEBREYESUS

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ሽረ፡ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ክልል ትግራይ ኮይና፡ ዓበይቲ መስመራት ጽርግያ ዝሓልፉላ እያ።

ኣብታ ከተማ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ንዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘበርኽ'ዩ።

ሽረ፡ ብሰንኪ'ቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ካብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይን ዝተመዛበሉ ተፈናቐልቲ ዝዕቆቡላ ከተማ ምዃና'ውን ይፍለጥ።

ምትሓዝ ሽረ፡ ንብዙሓት ተጋሩ ዘሰንበደን ዘቖጠዐን ፍጻመ ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ርእሰከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ሓቢሮም።

ነበርቲ ከተማ መቐለ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ናይቲ ኲናት ንምፍላጥ ሬድዮታት ኣብ ምክትታል ተጸሚዶም ከምዘለዉን፡ ገለ ድማ ኣብ ኩርንዓት ጎደናታት እታ ከተማ ብምእካብ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ክዘራረቡ ይራኣዩ።

ካልኦት ድማ፡ ንሓይልታት ትግራይ ንምድጋፍ መግቢ ኣብ ምድላው ይኹን፡ ንገዛእ ርእሶም ንትሕጃ ዝኸውን ቀረብ መግቢ ኣብ ምኽዛን ይርከቡ።

ሓንቲ ነባሪት፡ "ካብቶም ከሕስሩና ዝመጹ ዘለዉ ርእስና ንምክልኻል ተስፋ ኣይክንቆርጽን ኢና" ብምባል ትዛረብ። ካልእ ነባሪት ብወገና ብዛዕባ'ታ ኣብ ሽረ ዝነበረት ሓፍታ ከምእትሻቐል ብምግላጽ "[ሓይልታት ፈደራል] ክቐትሉዋ እዮም" ትብል ተዛሪባ።

ነበርቲ ሽረ ካብታ ከተማ ሃዲሞም ይወጹ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ምትሓዝ እተን ከተማታት ንግዚኡ ምዃኑ ብምግላጽ ቃልሶም ክቕጽሉ ምዃኖም'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ገለ ካብቶም ካብታ ከተማ ዝወጹ ዘለዉ ሰባት፡ ካብ ካልእ ቦታት ሃዲሞም ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ተዓቚቦም ዝጸንሑ'ዮም።

"ኣብ እዋን ኩናት ናይ ከባቢታት ምድፍፋእ ባህርያዊ" ምዃኑ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ፡ "ሓያል ናይ ሞትን ሕየትን ርብርብ" ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተኻየደሎም ቦታታት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣውሪዱ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ።

ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ 5.4 ሚልዮን ሰባት (ኣስታት ሰለስተ ርብዒ ህዝቢ ትግራይ) ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም።ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድሉ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሓቲቶም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉተረዝ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ'ሎ።

“ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ፣ ጐንጽን ዕንወትን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ማሕበራዊ ምትእስሳር ይበታተኽ ኣሎ” ኢሉ ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

“ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሓዊሱ ዝፍጸሙ ዘለዉ ዒላማ ዘይፈለዩ መጥቃዕቲታት፡ መዓልታዊ ብዙሓት ሰላማውያን ይቐትሉ፣ ወሰንቲ ትሕተ ቅርጽታት የዕንዉን ተበጻሕነት ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ይድርቱን ኣለዉ"።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ ናይ ምዝሓል ኣንፈት የብሉን። ተኣዊጁ ዝነበረ በይናዊ "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ'ዩ ተጣሒሱ ዘሎ። ክልቲኦም ወገናት'ውን ብዛዕባ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ንሓድሕዶም ክካሰሱ'ዮም ዝስምዑ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም ከምዝተዓናቐፈ ይዝከር።

ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከቢድ ምፍሳስ ደም ሰላማውያን ሰባት ከየጋጥምእ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኣለዉ።

ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምዕራብ ካብ ከተማ ሽረ ዝርከባ ታሪኻውያን ከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ኣብ ውሽጢ ናይ 100 ኬሜ ርሕቀት'የን ዝርከባ።

በቲ ኣረጋጊጾሞ ዘለዉ ዓወታት ዝተተባብዑ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንከተማ ኣክሱምን ዓድዋን ብምሓዝ ናብ ከተማ መቐለ ክግስግሱ ከምዝኽእሉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ መንነተን ዘይተፈልጣ ነፈርቲ ብምዕራባዊ ዶባት እታ ሃገር ሰሊኾን ብምእታው ኣጽዋራት ኣብ ከተማ ሽረ ከምዘራገፋ ተዛሪቡ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ ብምባል ነጺጎሞ እዮም።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ'ውን፡ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ስሞም ዘይጠቐስዎም "ንህወሓት ዝድግፉ ተጻባእቲ ናይ ወጻኢ ኣካላት" ክጥሕስዎ ምጽንሖም ብምኽሳስ፡ ንመዓርፎ ነፈርቲ ትግራይ ንምቁጽጻር ከምዝጽዕሩ ሓቢሮም ነይሮም።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ዝድገፍ ሰራዊት ፈደራልን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንዝሰፍሐ ክፋል ትግራይ ክቆጻጸር ኪኢሉ ነይሩ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰነ 2021 ነቶም ሓይልታት ደፊኦም ካብ ዝበዝሕ ከባቢታት እታ ክልል ደፊኦም ብምውጻእ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምእታዎም ግን፡ ትግራይ ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ከባባን እያ ኣትያ ጸኒሓ።