ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተፈጺሞም ዝበሃሉ መጥቃዕቲታት እንታይ የመላኽቱ?

መንግስቲ 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምስ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኲናት ካብ ዝኣቱ ሰለስተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፡፡
ዋላ'ኳ መንግስቲ ብዘካየዶም ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ወፍሪታት፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ስግኣት ናብ ዘይኰነሉ ደረጃ ኣብጺሐዮ እየ እንተበለ፡ ኣብዚ ቅነ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ፈጺምዎም ዝተባህሉ መጥቃዕቲታት ግን ንመግለጺታት መንግስቲ ኣብ ሕቶ ዘእተዉ እዮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ግንባር ናጽነት ጋምቤላን ብልፍንቲ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ፡፡
ኦነግ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ምብራቕ ወለጋ፣ ዶምቢዶሎን ጊምቢን መጥቃዕቲ ከፊቱ ዕዉት ወፍሪ ከም ዘካየደ እውን ገሊጹ ነይሩ፡፡
ቀዳም 11 ሰነ 2014 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ፡ ሸኔ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ እውን ተገሊጹ፡፡
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብዝወደቦ ፍሉይ ሚልሻ ከም ዝተፈጸመን ኣብቲ እዋን ሰራዊቱ ኣብቲ ከባቢ ከም ዘይነበረን ገሊጹ፡፡
እቲ ቅትለት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ እውን ሓቲቱ፡፡
መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ዕጡቕ ሓይሊ እንታይ ይብል?
ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ኮሎኔል ኣበበ ገረሱ፡ ቅድሚ ሰሙናት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፌደራልን እቲ ክልልን ዘካየድዎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ "ስግኣት ድሕነት ናብ ዘይኮነሉ ብርኪ" ወሪዱ'ዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ድሕነት ብወገኑ፡ በቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዕጡቓት ከም ዝተቐተሉ ገሊጹ እዩ፡፡
እንተዀነ እቶም ኣብ ጋምቤላ፡ ዶምቢዶሎን ጊምቢን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ድሕሪ እቶም ብመንግስቲ ጽወጽኡ መግለጺታት ዝስዓቡ እዮም፡፡
ቢቢሲ ቅድሚ እቲ ኣብ ቶሌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘዘራረቦ ሚኒስተር ዲኤታ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ፡ ኣቶ ከበደ ዴቢሳ፡ ‘‘ ኣብ ጥቓ ጊምቢ ኣብ ዝርከባ ቀበሌታት ተዅሲ ተኸፊቱ ነይሩ፡፡ ከምቲ ናይ ጋምቤላን ዶምቢዶሎን እዩ ነይሩ፡፡ ግን ስጉምቲ ተወሲዱ እተን ከተማታት ናብ ሰላም ተመሊሰን ኣለዋ’’ ኢሉ ነይሩ፡፡
እቲ ጕጅለ ስግኣት ኣብ ዘይኮነሉ ብርኪ በጺሑ ምስ ተባህለ ንዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ ‘‘መንግስቲ ነቶም ዕጡቓት ኣጥፊእዎም እዩ ዝብል ሓበሬታ የብለይን’’ ኢሉ፡፡
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ቶርቢ፡ ነቶም ወፍሪታት ብዝምልከት መንግስቲ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ልድሙ ፕሮፖጋንዳ’’ ክብል ዝነጸጐ ኰይኑ፡ ሰራዊቶም ካብቶም ከባቢታት ‘‘ስትራተጂካያዊ’’ ምዝላቕ ከም ዝገበረ ገሊጹ ነይሩ፡፡
‘ናብ ከተማታት እውን ንኣቱ ኣለና’
ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ (ጃል መሮ) ቅድሚ እቲ ኣማኢት ዝተቐተሉሉ ኣብ ወረዳ ጊምቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘‘ሕዚ በረኻታትን ገጠራትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብጽኑዕ ናብ ዝሕለዋ ከተማታት'ውን ንኣቱ ኣለና፡፡ መንግስቲ ዋላ'ውን ናይ ፖለቲካ ሰባት ከይተረፈ ኣዕጢቑ እንተዋፈረ፡ ነቲ ሓለዋኦም ንሓልፎ ኣለና’’ ኢሉ፡፡
ኣድላይነት ናይቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ጋምቤላ፡ ዶምቢዶሎን ጊምቢን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ "ነቲ ኣጥፊእናዮም ኢና ዝብል ሓሶት መንግስቲን፡ ካብ ፖሊስ ብዝመንዝዕዎ ዝኣረገ ብረታት እዮም ዝዋግኡ ዝብል ፕሮፖጋንዳን ዝሃብናዮ ግብረ መልሲ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ፡፡
ኣብቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ግንባር ናጽነት ጋምቤላን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ቢቢሲ ካብ ምንጪታት ሓበሬታ ረኺቡ ነይሩ፡፡
ኩምሳ ድሪባ ግን እቲ ጉድኣት ክንድ'ቲ ዝተባህለ ከም ዘይኮነ እዩ ዝዛረብ፡፡
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣብ ዶምቢደሎ ንሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ካብ መዓስከራት ከም ዘባረሩ'ውን ይገልጽ፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ዶምቢዶሎ ምስ ኣተዉ ናብ ሆስፒታል ከይዶም መድሃኒታት ጽዒኖም ከም ዝወሰዱ ተዛሪቦም፡፡
ሚኒስተር ዲኤታ ኣቶ ከበደ እውን፡ እቶም ዕጡቓት ናብታ ከተማ ኣትዮም ተዅሲ ምኽፋቶም ብምርግጋጽ፡ ሓይልታት መንግስቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱሎም ገሊጹ፡፡ እቶም ዕጡቓት ሰብ ይቐትሉን ይዘርፉን ኣለው ክብል'ውን ከሲሱ፡፡
ጃል መሮ ግን፡ ‘‘ናብቲ ሆስፒታል ኣቲና ቍሱላትና ሓኪምና ወጺና እምበር ጽዒንና ዝወሰድናዮ መድሃኒት የለን’’ ይብል፡፡
ኵናት ትግራይ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምብራቕ ወለጋ፡ ከተማታት ቤጊን ጊዳሚን ተቘጻጺሩ ነይሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እንታይ እዩ ዝደሊ?
ግንባር ሓርነት ኦሮሞን (ኦነግ) ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብ 1976 [ኣ.ኣ]፡ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ስርዓት ብምቅዋም ነጻ ሃገር ንምምስራትን እዮም ቈይሞም ነይሮም፡፡
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ናይቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ብምዃን ንዝሓለፉ 50 ዓመታት፡ ‘‘ንናጽነት ህዝቢ ኦሞሮ’’ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ስርዓታት ክቃለስ ጸኒሑ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኤርትራ ኰይኑ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ኦነግ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ፡፡
እቲ ተዓጢቑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ክንፊ ግን ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምቕጻሉ፡ እቲ ግንባር ንርእሱ ካብቲ ሰራዊት ከም ዘግለለ ብዕሊ ገሊጹ፡፡
ጃል መሮ፡ "ዕላማና ፖለቲካዊ ይዅን ወተሃደራዊ ጸቕጢ ዘይበጽሖ ናጽነት ህዝቢ ኦሮሞ ምርግጋጽ እዩ፤ ናጻን ርእሱ ዝኸኣለ ኦሮሞን ኦሮምያን ንምምስራትን ናይ ባዕልና ዕድል ባዕልና ንምውሳንን እዩ፡’’ ይብል፡፡
ብተወሳኺ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ጭቈና ተሪፉ፡ (ህዝቢ ኦሮሞ) ምስ ካልኦት ህዝብታት ብማዕረ ምንባር እየ ዝደሊ እንተይሉ ድማ ንሱ ንክኽበር ክንቃለስ ኢና’’ ኢሉ።
ዕድል ሰላም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንህወሓት ወሲኽካ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ዝርከቡ ኵሎም ሓይልታት ዘሎ ኣፈላላያት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ፍቓደኛ ከም ዝዀነ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ሚኒስተር ዲኤታ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ከበደ እውን፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ክምለስ ንደሊ ኢና ኢሉ፡፡
"ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ናይ መወዳእታ መልሲ ረኺቡ እዩ ዝብል እምነት'ኳ እንተዘይሃለወኒ፡ ሕቶታቱ ብሰላማዊ መንገዲ ከልዕል ይኽእል እዩ’’ ይብል፡፡
እቲ ሰራዊት ናብ ሰላማዊ መንገዲ ንምምጻእ ድልየት እንተሃልይዎ ዝተሓተተ ጃል መሮ፡ "ከም ህጻን ብንእሽቶ ነገር ተሓቢሉ ዝኣቱ ሰራዊት የለን፣ እንደልዮ ነገር ኣሎ፡፡ ንዕኡ ገዲፍና ኢድ እንህበሉ ምኽንያት ግን የለን፡’’ ክብል መሊሱ፡፡
‘‘ንሕና ኣብ እንደልዮ ቦታ፡ ንሕናን መንግስትን ይዀነና እዩ ብዝበልናዮ ሰብ፡ ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ንምዝርራብ ጻውዒት እንተቐሪቡልና፡ ንድርድር ድሉዋት ኢና። ካብዚ ወጻኢ ከም ህጻን ብከረሜላ ጠቢሮም ዝጽውዑና እንተዀይኖም ግን ዝዕሾ የለን፡፡’’




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







