‘ንሰዓታት ካብ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ዝተረፉ’ መሰኻኽር ዓይኒ

ዝሓለፈ ቀዳም 11 ሰነ 2014 ዓመተ ምህረት ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ወረዳ ጊምቢ፥ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ዘለዋ ቁሸታት ብዕጡቓት ተፈፂሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊፆም።
እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ኣብቲ ካብ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቀበሌ ቶሊ፡ ዝርከብ ከባቢታት ጉቱ፣ ጨቆርሳ፣ ስልሳው፣ ገኔ፣ ጫካን ሀያውን ንዝነብሩ ሰባት ዒላማ ከምዝገበረን በቲ “መጥቃዕቲ” ደቀንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ጥሪትን ንብረትን ከምዝተዘምቶም ሓቢሮም።
ዝሓለፈ ሰንበትን ትማሊ ሰኑይን ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝተዋፈረን ነቲ ሬሳታት ክቐብሩዎ ከምዝሓበሮም ገሊጾም።
ከማል* ዝተብሃለ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ሓዉን ሰይቲ ሓዉን ከምዝተቐተሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እቲ መጥቃዕቲ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ እዩ ጀሚሩ። እቶም ዕጡቓት ክሳብ ሰዓት 7፡00 ኣይወፅኡን። ሰዓት 11፡00 ናይ ኣጋ ምሸት እዮም ፍሉይ ሓይልን ሰራዊት ምክልኻልን መፂኦም። ዝምልከቶ ኣካል እውን ኣይሓገዘናን” ኢሉ።
ኣብ ቀበሌ ቶሌ ስልሳው ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተወሊዱ ከምዝዓበየ ዝዛረብ ከማል*፡ ኣብቲ ንነብረሉ ከባቢ “ክሳብ 250 ሰባት ቀቢርና። ትማሊ ሰንበት እውን ክንቀብር ውዒልና። ሕዚ ከኣ ካልኦት ክቐብሩ ከይዶም”ብምባል “ ኦነግ ብሄር ፈልዮም ንተወለድቲ ኣምሓራ’ዮም ኣጥቂዖም” ክብል ከሲሱ።
ዋላ’ኳ እቶም መሰኻኽርን ሰብ መዚ መንግስትን እቲ መጥቃዕቲ ኦነግ እዩ ፈፂምዎ ኢሎም እንተኸሰሱ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ግና እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተፈፀመ እዩ ገሊፁ።
ዳይሬክተር ማሕበር ኣምሓራኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ማንደፈሮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እቲ መጥቃዕቲ ንተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማዝገበረ’ዩ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ተቐቲሎም” ኢሉ።
ኣሶሺየትድ ፕረስ በቲ መጥቃዕቲ 200 ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝተቐተሉ ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።
ዛጊድ ክንደይ ሰባት ከምዝተቐተሉ ወግዓዊ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይወፀን፤ መሰኻኽር ዓይኒ ግና 200 ሰባት ተቐቲሎም ይብሉ።
ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ወረዳ ጊምቢን ዞባ ምዕራብ ኦሮምያን እኳ እንተደወለ ክሳብ ሕዚ ግን ምላሽ ኣይረኸበን። ካብ ርክብ ህዝቢ ክልል ኦሮምያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ እውን ኣይሰመረን።
“ስድራና ተሰዲዶም ንሕና ኣለና”
ከማል*፡ “ኣነ ሓደ ሓወይን ሰይቲ ሓወይን እየ ስኢነ። ሙሉእ ስድርኡ ዝሰኣነ ዘመደይ ኣሎ። 21 ኣዝማዱ ዝሞትዎ ሰብ’ውን ኣሎ። 250 ሰባት ተቐቢሮም፤ ገና ሬስኦም ተደልዩ ዝቕበሩ’ውን ኣለዉ” ኢሉ።
“ስድራና ተወዲኦም ኣነ ኣለኹ” ዝብል ከማል* ፍርቆም ብሰንበት ተቐቢሮም። ፍርቁ ሬሳ ድማ ሎሚ ክእከብ’ዩ። ትማሊ ‘እዚ ኩሉ ሰብ ክንቀብር ኣይንኽእልን’ ኢሎም ዝተመልሱኣለዉ። ካብዚ ከኣ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከምዝሞተ ክትርዳእ ይከኣል” ክብል ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ንዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ከምዘይዕገስ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ገሊፁ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ክልል ኦሮምያን ከኣ፡ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎምን ኣብ ንብረት’ውን ጉድኣት ኣውሪዶም ክብሉ ከሲሶም።
ከማል* “አረ በይዛኹም ርድኡና ኢልና ደዊልና፤ ዝረድአና ኣይነበረን። ደሓር ሰዓት 11፡00 ንይምሰል ዝረድኡና መፂኦም። ብሄር ፈልዮም ‘ኣብዚ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም? በቃ! ውፅኡ!’ ኢሎምና። ‘ኣብዚ እንተሓዲርኩም ተመሊስና መፂእና ክንጭፍጭፈኩም ኢና’ ኢሎምና” ኢሉ።
ንብረት እቶም ነበርቲ ከምዝተዘምተ፣ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉን ህፃናት ከምዝተቐተሉን ዝዛረብ ከማል* ካብ ሕዚ ንደሓር’ውን ንድሕንነቶም ከምዝሰግኡ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፡ “ኣብ ልዕሊ ሲቪል ብዘይሕጋውያንን ዘይስሩዓትን ሓይልታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ክልል ቤንሻንጉልን ኦሮምያን ዝተፈፀመ ሕብረተሰብ ዘርዕድን ሂወት ሰባት ዝበልዐን ተግባር ኣይንዕገሶን” ኢሉ።
“በቲ መጥቃዕቲ ጓለይ ስኢነ”
ካልእ ቢበሲ ዘዘራረቦ ኣይተ ዓሊ* ድማ፡ ኣብ ወረዳ ጊምቢ፡ ቀበሌ ስልሳው ትነብር ዝነበረት ጓል 16 ዓመት ጓሉ ከምዝሰኣነ ተዛሪቡ።
“ብቀዳም ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናብ ሕርሻ ዝኸዱ ሰባት ደዊሎም ‘ኵናት ተወሊዑ፣ ኦነግ ኣትዩና’ ኢሎምና። ኩሉ ሹቕ ተዓፅዩ። ናይሓደ ሰብ ስልኪ ደዊለ፡ ‘ተኹሲን ባርዕን ኣሎ’ ኢሉኒ። ፅንሕ ኢለ እንተደወልኩ ከኣ ሬሳ ብሬሳ’ዩ ዝረድኦም ሰብ የለን። እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ናይ ምሸት’ዩ ተፈፂሙ” ኢሉ።
“ንብረተይ ተዘሚቱ”
ካልእ ሰይድ* ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ ከኣ፡ ብቀዳም ካብ ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 9፡00 መንገዲ ተዓፅዩ ስለዝነበረ፡ ሓይልታት ፀጥታ ከምዘይኣተዉን ዝነበሮ ሹቕ ከምዝተዘመተን ገሊፁ።
“ኣብ ጉቱ ሸሞንተ ኣብ ገዝኦም እንከለዉ ዝተቓፀሉ ሰባት ሓዊሱ 35 ሰባት ተቐቢሮም። ኣብ ጨቆርሳ 102 ሰባት ተቐቢሮም፣ ኣብ ገኔን ሀናን ገና ሬሳታት ኣይተላዕለን፡ 95 ሰባት ሞይቶም” ኢሉ።
ካብቲ ከባቢ ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ሰባት ከምዝነበሩ ዝዛረብ ሰይድ*፡ “ኣብ ጫካ ምስ በፅሑ ግና ቀቲሎሞም። ኣብ ጫካ ኣብ ሓደ ቦታ 50 ሬሳታት ተረኺቡ’ዩ” ኢሉ።
“ርድኡና”
ካልእ ኣይተ ሙባረክ* ዝተብሃለ ነባሪ ድማ፡ እቲ “መጥቃዕቲ” ዝሓለፈ ቀዳም ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 2፡15 ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ባዕሉን ኣብ ስድርኡን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ዝዛረብ ሙባረክ* ኣብ ካልኦት ዝፈልጦም ብዙሓት ሰባት ግና ጉድኣት ከምዝበጽሐ ገሊፁ።
“ሓደ ሓደ ስድራ ካብ 15 ክሳብ 20 ሰባት ክቐብሩ ርእየ። ኣነ ዝፈልጦም ወዲ 80 ዓመት ሰብኣይ ምስ ናይ ክልተ ወርሒ ዕድመ ዘለዋ ሕንጦ ተቐቲሎም” ኢሉ።
እቲ ነባሪ፡ ሕዚ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ኦሮምያን ይሕልዉና ኣለዉ፡ ኣብ ዝሐሸ ኩነታት ከኣ ንርከብ ኢሉ።
ሙባረክ* “ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተገበረልና ደገፍ እንተልዩ ብህይወት ንክንፀንሕ ምሕላው ጥራሕ’ዩ። ካልእ ዝተገበረልና ደገፍ የለን
ንኽትገልጾ ዝኸብድ መጥቃዕቲ’ዩ። ብዛዕባ ወድ ሰብ ዝግደስን ዝሕለቕን ወገን እንተልዩ፡ ነዚ ቦታ መፂኡ ክዕዘቦ ኣገዳሲ’ዩ። በጃኸዑም ብጽሑልና” ክብል ተማሕፂኑ።
* ኣብዚ ፀብፃብ ዝተገለፁ ሰባት ምእንተ ደሕንነቶም ስሞም ተቐይሩ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







