ኣብ ጋምቤላ ተገይሩ ንዝተባህለ ፍጻመ ዘርኢ ዘሰንብድ ቪድዮ

ምንጪ ስእሊ, GAMBELLA REGIONAL STATE
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ንብዙሓት ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ኢዱ ኩርንኩሪት ዝተኣሰረ ውልቀሰብ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝተኸደኑ ዕጡቓት ብተደጋጋሚ ብጥይት ተወቒዑ ክወድቕ ይርአ።
ቢቢሲ እቲ ቪድዮ ኣበይን መዓስን ከምኡ'ውን ሓቅነቱን ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ብዙሓት ሰባት ግን ኣብ ጋምቤላ ዘጋጠመ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ።
ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ጋምቤላ፡ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ጋምቤላን ብሓባር ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብውሑድ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝቘሰሉን ተገሊጹ ነይሩ።
ድሕሪ'ቲ በቶም ዓመጽቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ምስኡ ብዝተኣሳሰር ሰላማውያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ፡ ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሰጋገር ዘሎ ቪድዮ ብምጥቃስ ይኸሱ።
ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ሰባት ፈጺሞምዎም ዝበሃሉ መጥቃዕቲታን ቅትለታትን ዘርእዩ ምስሊታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኣዩ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጋዊ መስርሕ ተሓታትነት ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ገይርዎ።
End of ኣብ ጋምቤላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ድማ ተጐዲኦም
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ “ንዝኾነ ኦሮሞ እዩ ኢሎም ዝጠርጠርዎ ሰብ ይቐትሉ ኣለዉ” ክብል ከሲሱ።
ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ሕቶ ዘቕረበሉ ወሃቢ ቃል ክልል ጋምባላ ኣቶ ኡጋቶ ኦዲንግ፡ ግና እቲ ክሲ “ፕሮፖጋንዳ እዩ” ብምባል ነጺግዎ።
ብ7 ሰነ 2014 [ግእዝ]፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ጋምቤላ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ እታ ከተማ ካብ ንቡር ምንቅስቓሳ ወጻኢ ኰይና ቀንያ።
እቶም ዕጡቓት ንውሱን ሰዓታት ንብዙሕ ከባቢታት እታ ከተማ ተቘጻጺሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ብዝወሰድዎ ስጕምቲ ነታ ከተማ መሊሶም ከም ዝተቘጻጸርዋ ተገሊጹ እዩ።
ድሕሪ እቲ ናይ ሰሉስ መጥቃዕቲ፡ ብረቡዕ'ውን ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምንቅስቓስ ኣይነበረን፣ ብሓሙስ ግን ነበርቲ ናብ ንቡር መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ክምለሱ ከምዝጀመሩ ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ትማሊ ንቢበሲ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ህዝቢ ተሓቢኦም ኣለዉ ንዝበልዎም ዕጡቓት ሃዲኖም ይሕዙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ኡሞድ ኡጁሉ፡ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ከቢድ ኪሳራ ከምዝወረደን ኣብ ኣባላት ጸጥታ እቲ ክልል'ውን ዝተወሰነ ጉድኣት ከምዝበጸሐን ገሊጹ ነይሩ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ምስሊታት ከምዘርእይዎን፡ ናይቶም ዕጡቓት ከምዝዀኑ ዝተገለጹ ብዙሓት ሬሳታት ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ተራእዮም እዮም።
ወሃቢ ቃል ናይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ዝበየኖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝኾነ ኦዳ ተርቢ ግን፡ ሰራዊቶም ምስ ዕጡቓት ግንባር ናጽነት ጋምቤላ ብምዃን ዝተወሃሃደን ዕዉትን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተዛሪቡ።
ምስ ሱዳን ዝዋሰን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ጋምቤላ፡ ዕጡቓት ምስ ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያን ቤንሻንጉልን እውን ይዋሰን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







