ኣብ ጋምቤላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ክሞቱ ብዙሓት ድማ ተጎዲኦም

ምንጪ ስእሊ, Google
ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ እቲ ክልል ንቢቢሲ ገሊፆም።
ምምሕዳር እቲ ክልል ዕጡቓት ኦነግ ሸኔን ግንባር ናፅነት ጋምቤላን እዮም ዝበሎም ሓይልታት ሰሉስ ሰነ 07/2014 ዓ.ም. (ግዕዝ) ወጋሕታ ኣብ ርእሰ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ምስ ሃይልታት ፀጥታ ንሰዓታት ዝፀንሐ ልውውጥ ተኹሲ ከምዝነበረ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።
ካብ 40 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ካበዚኦም እቶም 10 ኣባላት ሃይሊ ፀጥታ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣባላት እቶም ዕጡቓት ከምዝኾኑ ስሙ ንኽጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓል ስልጣን'ቲ ክልል ኣረጋጊፁ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓል ስልጣን'ቲ ክልል ቑፅሪ ዝሞቱ ሰባት ካብ 40 ከምዝዛይድን ካብዚኦም እቶም ክልተ ሰላማዊ ዜጋታት፥ 11 ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብቶም ዕጡቓት እዮም ክብል ገሊፁ።
ወሲኹ እውን እቶም ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ጣሻን ኣብ እተፈላለየ ቦታታትን ዳህሳስ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ቑፅሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል፥ ብልክዕ ንምፍላጥ ድማ ኣፀጋሚ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሂወቶም ካብዝሓለፈ ብተወሳኺ 36 ሰባት ከምዝተጎድኡን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕክምና እናተውሃቦም ከምዝኾነን ገሊፁ።
እቲ ትማሊ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብፍላይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳርን ባይቶ ህዝቢ እቲ ክልልን ኣቓልቦ ዝገበረ ስለዝነበረ ናይ እቲ ክልል ቀንዲ ትካላት ንምቁፅፃር ዝዓለመ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዘዘራረቦም በዓል ስልጣንን ነበርቲን እቲ ክልል ይዛረቡ።
እቶም ዕጡቓት ዳርጋ ፍርቂ ክፋል ጋምቤላ ተቖፃፂሮም ከምዝነበሩን ኣብቲ ንፍርቂ መዓልቲ ዝፀንሐ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣባላቶም ከምዝተቐትሉን ይግለፅ።
ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ሰሉስ ኣጋ ምሸት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓይልታት ጸጥታ ብዝወስድዎ ስጉምቲ ኣብቶም ዕጡቓት “ሓያሎ ኽሳራ ሰብአዊን ንብረትና ከምዝበፅሐ፣ ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ውሱን ጉድኣት ከምዝበፅሐ” ተዛሪቡ።
ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ከምዝተናገርዎን ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተጋውሑ ስዕሊታት ከምዘርእይዎን ናይቶም ዕጡቓት እዮም ዝተባህሉ ብዙሓት ሬሳታት ኣብ መገዲታት ጋምቤላ ተራእዮም እዮም።
ሎሚ ረቡዕ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ጋምቤላ እታ ከተማ ከምዝተረጋግአትን ኣብ መገዲ ወዲቖም ዝነበሩ ሬሳታት ከምዝተልዓሉን ገሊፆም።
ኾይኑ ግና ሰሉስ ተዓፅዮም ዝወዓሉ መንግስታዊ ስራሓት፣ ንግዳዊ ንጥፈታትን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ከምዘይተጀመሩ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።
ካብ ስሉስ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሪ ድምፂ ተኹሲ ደው ከምዝበለን ካብ ከተማ ውፅእ ኣብዝበሉ ከባቢታት ግና ሓሓሊፉ ተኹሲ ከምዝስማዕ እውን ገሊፆም።
እቶም ዕጡቓት ኣብዛሓ ክፋል ጋምቤላ ተቖፃፂሮም እንተነበሩ እውን ሃይልታት ፀጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ካብታ ከተማ ከውፅኦም ከምዝኸኣሉ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ “ሃይልታት ፀጥታ እቲ ክልል ብዝወሰድዎ ዝተውሓደ መጥቃዕቲ ንታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ኽቆፃፀሩ ከምዝኸኣሉ” ገሊፁ።
መንግስቲ ኣሸባሪ ናይዝበሎን ሸኔክብል ናይዝፅውዖን ሓይሊ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ከምዝኾነ ዝንገር ኦዳ ተርቢ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምስ ሰራዊት ናፅነት ጋምቤላ ብምትሕብባር ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘካየዱ ኣረጋጊፁ።
ንዚ መጥቃዕቲ ብዝምልከት መንግስቲ ፌደራል ስካብ ሕዚ ብዕሊ ዝበሎ ነገር የለን።
ክልል ጋምቤላ ንኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘዳብው ኮይኑ፡ ዕጡቓት ከምዝንቀሳቐሱሎም ምስ ዝግለፁ ምዕራብ ኦሮሚያን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ድማ ይዋሰን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







