ዕጡቓት ሓይልታት ንኽፋል ከተማ ጋምቤላ ተቖፃፂሮም ምንባሮም እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ካርታ ኢትዮጵያ - ጋምቤላን ኣዲስ ኣበባን

ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ጋምቤላ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንገለ ክፋል እታ ከተማ ተቖፃፂሮም ከምዝነበሩ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ "ሸኔን ግንባር ናፅነት ጋምቤላን" ሓበራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም ምንባሮምን ኣብ ሰዓታት ረፋድ ግን ውሱን ምርግጋእ ከምዘሎን ሓቢሩ'ሎ።

ሎሚ ሰሉስ ወጋሕታ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ጋምቤላን ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ ካብ ክልቲኦም ወገን ጉድኣት ዝበጽሖም ከምዘሎ ምንጪታት ቢቢሲ ኣመልኪቶም።

እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ጋምቤላ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ዕጡቓት ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ተገሊፁ።

እቶም ካብ ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት 11፡30 [05፡30] ጀሚሩ ተኹሲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት ዳርጋ ንፍርቂ ክፋል እታ ከተማ ከምዝተቖፃፀሩ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ኣብዚ እዋን ከኣ ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ክልል ንምቁፅፃር ዝዓለመ ተኹሲ ጀሚሮም ከምዘለው እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከምዝገለፅዎ፡ መንግስታዊ ስራሓት፣ ንግዳዊ ንጥፈታትን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ተቛሪፁ'ሎ።

ነበርቲ'ውን ኣብ ገዝኦም ተዓፅዮም ይርከቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓል ስልጣን'ቲ ክልል እቲ ግጭት ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብሰንኪ እቲ ተኹሲ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ዝተጎድኡ ከምዘለዉን ተዛሪቡ።

ብውሕድ ክልተ ኣባላት ፀጥታ ከምኡ'ውን ሰለስተ ካብቶም ዕጡቓት ከምዝሞቱ ካብ ሆስፒታል ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊፁ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ዝርከበሉ ከባቢ ድማ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኣክል ዝቐጸለ ተኹሲ ይስማዕ ከምዘሎ ነበርቲ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ክልል ጋምቤላ ኣቶ ኡሞድ ኡጁሉ "ዋላ ሓደ እንህበኩም ሓበሬታ የለን" ክብል ንቢቢሲ ሓፂር ምላሽ ሂቡ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምሃብ ፈቓደኛ ከይኮነ'ውን ተዛሪቡ። ብዛዕባ መንነት እቶም ዕጡቓት'ውን ዝሃቦ ሐበሬታ የለን።

ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ስግረ ሩባ ባሮ ዘሎ ክፋል ናይታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቶም ዕጡቓት ከምዝርከብ ገሊፁ።

"ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት እውን ተመሳሳሊ ፈተነ ተኻይዱ ነይሩ። ቅድሚ ሎሚ ግን በዚ ደረጃ ናይ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ሪኢና ኣይንፈልጥን" ኢሉ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ልልውጥ ተኹሲ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ'ሎ።

እቶም ዕጡቓት ብዘይካ ንቤት ፅሕፈት እቲ ክልላዊ ፕረዚደንት ንመንበሪ ገዝኡን መኽዝን ነዳዲን ንምቁፅፃር ውግእ የካይዱ ምህላዎም ነበርቲ ይዛረቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ክልል ጋምቤላ "ንመንግስቲ ፌደራል ኣፍሊጥና ኢና። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ሓይሊ ናብታ ከተማ ከዋፍሩ ይፍትኑ ከምዘለዉ ሓቢሮምና ኣለዉ። ኣብዚ ዘሎ ሓይልና ግን ውሑድ እዩ" ኢሉ።

ኦነግ-ሸኔ (ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ)

መንግስቲ ኣሸባሪ ዝበሎን ኦነግ-ሸኔ ክብል ዝፅውዖን ዕጡቕ ሓይሊ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ምስ ዕጡቓት ግንባር ናፅነት ጋምቤላ ሓቢሩ "ወተሃደራዊ ወፍሪ" የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ [ኦንግ ሸኔ] ኦዳ ተርቢ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ምስ ሰራዊት ናፅነት ጋምቤላ ብምትሕብባር ወተሃደራዊ ወፍሪ ነካይድ ኣለና ኢሉ።

ብዘይካ ጋምቤላ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ደምቢ ደሎ ዝተብሃለ ከባቢ'ውን ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ወፍሪ የካይዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

"ኦነግ-ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብ ደምቢዶሎን ጊምቢን ኣንፃር ሰራዊት መንግስቲ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ደምቢደሎ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ፖለቲካ ነፃ ወጺኦም ኣለዉ" ኢሉ።

ክልል ጋምቤላ ንኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘዳብው ኮይኑ፡ ዕጡቓት ከምዝንቀሳቐሱሎም ምስ ዝግለፁ ምዕራብ ኦሮሚያን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ድማ ይዋሰን።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ሱዳን ዝኣትዉ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ምፅንሖም ይዝከር።

ኣብ ኦሮሚያ - ደምቢደሎ?

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ደምቢዶሎ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት መንግስቲ "ሸኔ" ዝብሎም ['ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ'] ልውውጥ ተኹሲ ይካየድ ምህላዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ልውውጥ ተኹሲ ሎሚ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 (06፡00) ከምዝጀመረን ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 05፡00 (11፡00) ብኸቢድ ከምዝቐጸለን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

"ሰብ ናብ ደገ ክወፅእ ኣይከኣለን። ገዛና ዓፂና ኮፍ ኢልና ኣለና" ክብል ሓደ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ነባሪ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ይዋግኡ ምህላዎም ዝሓበረ ካልእ ነባሪ ከተማ ደምቢደሎ "ኣብ ምሉእ ከተማ ተኹሲ ኣሎ። (ዕጡቓት) ብኣፍደገ ገዛና ክሓልፉ ሪአና ኢና" ኢሉ።

ኣስታት 30 ዕጡቓት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብታ ከተማ ክንቀሳቐሱ ከምዝረኣየ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጉዳይ መብርሂ ክህበና ዝረኸብናዮ ኣመሓዳሪ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ኣብ ስራሕ ምህላዉ ብምግላፅ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ'ሎ።

ንሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ዞባ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ድማ ኣይሰመረን።