ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ተሌቪዥን ትግራይ ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, facebook
ሓደ በዓል ሞያ ሒሳብ ዝርከቦም ብውሕዱ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት እቲ ትካል፡ ምስግና ስዩም፣ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰ፣ ተሾመ ጠማለውን ዳዊት መኮነንን ዝበሃሉ እዮም።
ካልእ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ በዓል ሞያ ፋይናንስ፡ ክፍሎም አፅብሃ ከምዝርከቦም እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣርባዕተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም እኳ እንተጸንሑ፡ ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ይዝረብ። እቲ ሓደ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ሻድሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ ተባሂሉ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ዀይኑ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ ምስ ውድብ ብልጽግና ተሓባቢርኩም ብዝብል ጥርጣረ ከም ዝተኣስሩ መሳርሕቶም ይዛረቡ።
እዚ ብዝምልከት፡ ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣዲስ ገብረስላሰ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቶም ጋዜጤኛታት ብሰንኪ ሞየኦም ዘይኮነስ ‘ብኻልእ ገበን ተጠርጢሮም’ ከምዝተኣስሩን ጉዳዮም ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብን ኣረዲኡ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ምስግና ስዩምን ተሾመ ጠማለውን ምስ'ቲ ትካል ቴሌቪዥን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነን ድማ፡ ቅድም ኢሉ ‘ብገምጋም’ ተኣጊዶም ከም ዝፀንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ሓበን ሓለፎም፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቖመሉ እዋን’ውን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንዝተወሰነ እዋን ኣገልግሎቱ ተቛሪጹ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብዝተገበረሎም ጻውዒት መሰረት ስራሕ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







