ሃገራት ጂ-7፡ ካብ ዝደስከለ ገንዘብ ሩስያ 50 ቢሊዮን ዶላር ብልቓሕ ንዩክረይን ክውሃብ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7፡ ዩክሬይን ኣብ ልዕሊኣ ወራር ንዝፈጸሙ ሓይልታት ሩስያ ንምምካተ ክሕግዛኣ 50 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ንክትረክብ፡ ደስኪሉ ዘሎ ንብረት ሩስያ ክጥቀማ ተሰማሚዐን።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እዚ ውሳነ ንሩስያ “ንድሕሪት ከም ዘይንምለስ” ዘዘኻኽር እዩ ክብል እንከሎ፡ ሞስኮ ግን “ኣዝዩ መሪር” ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምቲታት ከም እትወስድ ኣፈራሪሓ።
እቲ ገንዘብ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክበጽሕ ትጽቢት እኳ እንተዘይተገብረሉ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ንቁጠባ እታ ሃገርን ዩክረይን ኣንጻር እቲ ኲናት ንእትገብሮ ዘላ ጻዕርን ፍታሕ ከም ዝህብ እዩ ዝርአ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ጥልያን ዝተኻየደ ዋዕላ ጉጅለ-7፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ባይደንን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሕ ክልተኣዊ ስምምዕ ጸጥታ ፈሪሞም።
ኪቭ፡ ነዚ “ታሪኻዊ” ክትብል ንኢዳቶ።
ዘለንስኪ፡ “ናይ ብሓቂ ታሪኻዊት መዓልቲ'ያ፤ ድሕሪ ናጽነትና [ኣብ 1991] ኣብ መንጐ ዩክረይንን ኣመሪካን ዝሓየለ ስምምዕ ፈሪምና ኣለና” ኢሉ።
እቲ ስምምዕ ኣመሪካ ንዩይክረን ብዓይነትወተሃደራውን ታዕሊምን ብዓይነታዊ ሓገዝ ክትገብር ምዃና የመልክት - እንተዀነ ዋሽንግተን ዝዋግኡ ወተሃደራት ናብ ዩክረይን ክትልእኽ ቃል ኣይኣተወትን።
ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኣውሮጳን ኣስታት 325 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ሩስያ ኣደስኪለንኦ'የን።
እዚ ዝደስከረ ንብረት ሩስያ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ወለድ ይወልድ።
ብመሰረት ውጥን ሃገራት ጉጅለ-7፡ እቲ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር፡ ዓመታዊ ወለድ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ዝወጽአ 50 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ዩክረይን ንምኽፋል ክውዕል እዩ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ እቲ ንዩክረይን ክወሃብ ዝሕሰብ ዘሎ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ “እቲ ገንዘብ ንዩክረይን ክውዕልን ንፑቲን ንድሕሪት ከም ዘይንምለስ መዘኻኸሪ ንምስዳድን” ዝዓለመ’ዩ ኢሉ።
ወሲኹ፡ ፑቲን “ክፈላልየና ኣይክእልን'ዩ፤ ኣብዚ ኲናት ክሳብ ዝሰዓሩ ድማ ኣብ ጐኒ ዩክረይን ክንከውን ኢና” ክብል ኣስሚሩሉ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣመሪካውያንን ካልኦት መሻርኽቱን ንዝገበርዎ ደገፍ ኣመስጊኑ።
ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ጃፓን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብኦ ጉጅለ ሃብታማት ሃገራት ዝዀነ ጂ-7፡ ጐበጣ ሩስያ ንምግታእ ትቃለስ ንዘላ ዩክረይን ኣገደስቲ ፋይናንሳውን ወተሃደራውን ደገፋት ክህብኣ ጸኒሐን'የን።
ካልኦት መራሕቲ ጂ-7 እውን ነቲ ናይ 50 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ስምምዕ ክንእዱዎ እንከለው፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ “ነጥበ መቐይሮ” ክብል ገሊጽዎ።
እዚ 50 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ልቓሕ ምስቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ዝተሰማምዐሉ 61 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ ክነጻጸር እንከሎ’ውን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ’ዩ።
ገለ ካብቶም ነዚ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ጸቕጢ ክገብሩ ዝጸንሑ መራሕቲ ኪቭ፡ ወለድ ጥራይ ዘይኰነ እቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ 300 ቢሊዮን ዶላር ክውሃቦም ይደልዩ ነይሮም። ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ግን ነዚ ነጺጉዎ።
ኣመሪካ ንዩክረይን እትገብረላ ሓገዝ ብቐይታ ናብ ናይ ወግእ ግንባራት ናብ ዝልኣኹ ሚሳይላት እዩ ዝቕየር።
እዚ ገንዘብ ግን፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ንዩክረይን ኣይወሃባን፤ እዚ ማለት ኣብቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝህልዎ ጽልዋ ኣዝዩ ዝወሓደ’ዩ።
ንሕጂ ግን ዩክረይን ብህጹጽ ተወሳኺ ኣጽዋር ከም ዘድልያ ትገልጽ - ብቐንዱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማታታን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንምምካት ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፡ ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ክትጽበየን ዝጸንሐት ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ፡ ብኣግኡ ክመጽኣ ትጽቢት ትገብር።
ኣብቲ ዋዕላ ዘለንስኪ፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ስምምዕ ልቓሕ ድማ፡ እታ ኣብ ልዕሊኣ ወራር ዝፈጸመት ሃገር ንዘውረደቶ ዕንወት ንምጽጋን ጥራይ ዘይኰነ ዩክረይን ነብሳ ንክትከላኸል’ውን ክትከፍል ከም ዘገድዳ ይግለጽ።
ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ፕረዝደንት ዘለንስኪ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ብኸምዚ ኣገባብ ክቐጽዕኣ ምውሳነን፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ኣብቲ ኲናት ነጥበ መቐይሮ ምዃኑ ገሊጹ።
ይኹን’ምበር እቲ ልቓሕ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ካብ እተካይዶ ዘላ ኲናት ንድሕሪት ንክትምለስ ኣብ ምግዳድ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ።
መብዛሕትኡ እቲ ዝደስከለ ሃብቲ ማእከላይ ባንክ ሩስያ ኣብ ቤልጅም እዩ ተታሒዙ ዘሎ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሃገራት ነቲ ንብረት ካብ ሩስያ መንዚዐን ንዩክረይን ክህባ ኣይኽእላን እየን።
ውሳነ ጂ-7 ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ፡ ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ “ኣዝዩ መሪር” ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ክህሉ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







