ቀላጽም መራኽብ ውግእ ሩስያ ኣብ ኲባ

ቀላጽም መራኽብ ውግእ ሩስያ ኣብ ኲባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ፡ ብሰንኪ’ቲ ምስ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ምስ ሃገራት ምዕራብ ተፋጢጣ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ወተሃደራዊ ቀላጽማ ንምርኣይ፡ ብኒዩክሌሳዊ ጸዓት እትሰርሕ ሳብማሪን እትርከበን መራኽብ ሓይሊ ባሕራ ናብ ኵባ ኣትየን ኣለዋ።

እተን መራኽብ፡ ኣብቲ ካብ ግዝኣት ኣመሪካ ፍሎሪዳ ኣስታት 90 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ሃቫና በይ እየን መልሕቐን ዘርጊሐን።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እተን ክልተ መራኽብ ኣድሚራል ጎርሽኮቭ ፍርጌትን ካዛን ሳብማሪንን፡ ሃይፐርሶኒክ ዝተባህለ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ሚሳይል ዝጸዓና እየን።

እተን መራክብ ኣቐድም ኣቢለን ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ወተሃደራዊ ልምምድ ሚሳይል ኣካይደን ነይረን።

ይኹን'ምበር፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኲባ፡ ካብተን መራኽብ ኒዩክሌር ዝጸዓነት ከም ዘይብለንን፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ምብጻሕ ንከካይዳ ናብቲ ወደብ ከም ዝኣተዋን ብምግላጽ፡ ነቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር ከም ዘየለ ሓቢሩ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ምብጻሕ ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ይዛረቡ።

እተን መራኽብ ሩስያ ናብ ኲባ ኣብ ዝቐረባሉ እዋን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብድሮናት ከም ዝተኸታተለን ይግለጽ።

ኣብ ወጋሕታ መራኽብ ሩስያ፡ ብናእሽቱ መራኽብ ተዓጂበን ናብ ሃቫና በይ ክኣተዋ እንከለዋ ሓይሊ ባሕሪ ኵባ 21 መዳፍዕ ብምትኳስ ብኽብሪ ተቐቢሉወን።

ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ፡ እቲ ምብጻሕ ናይተን መራኽብ፡ ነቶም ባሕረኛታት ንምዕራፍን ምስቲ ባህሪያዊ መስሕብ ንምልላይን ጥራሕ ምዃኑ እምበር ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን፡ ሩስያ ናይ ውግእ መራኽባ ናብ ኲባ ልኢኻ እያ። ክልቲአን ሃገራት ከኣ ናይ ነዊሕ እዋን መሻርኽቲ እየን።

ይኹን እምበር እዚ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝያዳ ኣዘራራቢ ይገብሮ።

ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዘካየደቶ ወራር ዝሰዓበ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ገለ ወገናት እዚ ተግባር ሞስኮ ቀላጽማ ንኸተርኢ ኢላ ትገብሮ ዘላ እዩ ይብሉ።

ኣመሪካ ኣብ ጉዳየይ ጣልቃ ትኣቱ ኣላ ክትብል እትኸስስ ሞስኮ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኣመሪካ እንታይ ክትገብር ከምእትኽእል ንጹር መልእኽቲ ዝሰደደት ትመስል።

ምብጻሕ ናይተን መራኽብ ኵናት፡ ነቲ ኣብ ኲባ ዝርከብ ሶሻሊስታዊ መንግስቲ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ቨነዝዌላ ዝርከብ ተመሳሳሊ ስርዓት ደገፍ ዝህብ ኣገዳሲ ምልክት እዩ።

እተን መራክብ ውግእ ከኣ ኣብ ሃቫና ዝህልወን ጻኒሕት ምስ ወድኣ ጉዕዞአን ናብ ካልእ ክቕጽላ እየን።

ሰበ-ስልጣን ዋሺንግተን ብዛዕባ ምብጻሕ ናይተን መራኽብ ኣቐዲሞም ይፈለጡ ከም ዝነበሩ እኳ እንተ ሓበሩ፡ እታ ተዋጋኢት መርከብ ኒዩክሌር ዘይምዕጣቓ እዩ እቲ ቀንዲ ዘገድሶም።

ብመሰረቱ እቲ ምብጻሕ ከም ልሙድ ክረአ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ተጻብኦታት ይረአ ስለ ዘሎ ዕሽሽ ዝበሃል ጉዳይ ከም ዘይኰነ ተንተንቲ ይሕብሩ።