ሩስያ፡ ንምዕራባውያን ሃገራት ናይ ምጥቃዕ መደብ ዘለወን ሃገራት ከተዕጥቕ ከምእትኽል ገሊጻ

ፕረዚደንት ቭላደሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላደሚር ፑቲን ሃገሩ፡ ነተን ንምዕራባውያን ሃገራት ናይ ምጥቃዕ ዕለማ ዘለወን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣፅዋር ክትህበን ከምእትኽል ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ነዊሕ ርሕቐት ዝሽፍን ወተሃደራዊ መሳርሒታት ምሃበን ኣብ ዝነቐፈሉ እዋን’ዩ ነዚ ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ትርከበን ሃገረት ምዕራብ፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ከይተረፈ ክትድብድበሉ ከምእትኽእል ብምሕባር፡ ሓያለ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት ከምዝሃባአ ይንገር።

እቲ ፕረዚደንት ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብብዓል ኣመሪካ ዝተወሰደ ስጉምቲ “ናብ ኣዝዩ ከቢድ ጸገማት” ከምርሕ ከምዝኽእል ገሊጹ።

“ገለ ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ መሳርሒታት ናብ ሓደ ናይ ኵናት ዞባ ምልጋስ ቅኑዕ’ዩ ኢሎም ዝሓስቡ እንተኾይኖም’ሞ እቲ ስጉምቶም ከኣ ኣብ ውሽጢ ዶብና ጸገማት ዘኸትል እንተኾይኑ፡ ንሕና ንምንታይ’ዩ ከምኡ ክንገብር መሰል ዘይህልወና?” ኢሉ።

ፑቲን ብምስዓብ “እዚ ተመሳሳሊ ስጉምቲ’ዩ፡ ብዓቢኡ ከኣ ክንሓስብ ኢና” ኢሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ሩስያ እተን ወተሃደራዊ ኣፅዋር ክትህበን እትህቅን ሃገራት ኣይጠቀሰን።

ጀርመን ንዩክረይን ወተሃደራዊ ንብረት ብምምጣው ኣብ ውሽጢ ሩስያ ደብዳብ ክትፍጽመሉ ከምእትኽል ንዩክረይን ምሕባራ ዝዝከር’ዩ።

ፑቲን ንመግለጺ ጀርመን ኣመልኪቲ ኣብ ዝተዛረበሉ “ጀርመን ኣብ ውሽጢ ዶብ ሩስያ ክሃርሙ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ሚሳኤላት ንዩክረይን ክትህባ ከምእትኽል ምግላጻ እዚ ብርግጽ ንርክብ ሩስያን ጀርመንን ብኸቢድ ዘዕኑ ውሳነ’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን’ውን እቲ ንዩክረይን ብነጻ ዝሃባ ወተሃደራዊ ብረታታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ደብዳብ ክትፍጽመሉ ከምእትኽእል ንዩክረይን ብወግዒ ብምሕባር፡ እንተኾነ እቲ በቲ ሚሳኤላት ዝፍጸም ደብዳባት ኣብ ዞባ ካርኪቭን ካባቢኣን ጥራይ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ገሊጹ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ብኣመሪካ ዝተመጠወላ ወተሃደራዊ ብረታት ኣብ ውሽጢ ክሊ ዶብ ሩስያ ደብዳብ ከምዝፈጸመትሉ ሰኔተራት ኣሜሪካን ሰብ መዚ ምዕራባውያን ሃገራትን ብረቡዕ ንማዕከን ዜና ኤፒ ሓቢሮም ነይሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሎርድ ካመሮን፡ እቲ ብዓዲ እንግሊዝ ንዩክረይን ዝተውሃበ ወተሃገራዊ መሳርሒታት ከመይ ትጥቀመሉ ንዩክረይን’ዩ ዝምልከት ብምባል፡ ዩክረይን ነቲ ወተሃገራዊ ብረታታት ኣብ ውሽጢ ሩስያ ደብዳብ ክትፍጽመሉ ከምእትኽእል ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ገሊጹ።

ዩክረይን ብወገና፡ ሩስያ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተውሃባ ሚሳኤላት ንዩክረይን ንምድብዳብ ተውዕሎ ከምዘላ ክትገልጽ እንከላ ስለያታት ምዕራባውያን ሃገራት ብመገኖም ሩስያ ኣብ ኢራን ዝተሰርሓ ድሮናን ትጥቀም ከምዘላ’ዮም ዝገልጹ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022’ያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ጀሚራ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብቲ ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ሩስያ ኑዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ኣይትኽእልን’ያ ኢለን ምሕሳበን ጌጋ’ዩ ኢሉ።

ኑዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከስዕቦ ዝኽል ዓቢ ክሳራ ኣብ ዝምልከት ብሮይተርስ ኣብ ዝተሓተተሉ “ንምንታይ ምዃኑ ኣይርድኣንን፡ ምዕረባውያን ሃገራት ግን ሩስያ ነዚ ኣጽዋር ብፍጹም ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን’ያ ዝብል ጌጋ ግምት’ዩ ዘለዎም” ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ብምስዓብ “ንዩክለራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ሰረተ እምነት ኣለና፡ እንታይ ከምዝብል ክሕብረኩም፡ ንልኣላውነትናን ንመሬታዊ ሓድነትናን ስግኣት ዝኾነ ከጋጥም እንከሎ፡ ክንጥቀመሉ ከምእንኽእል ተነጺሩ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኮነን” ኢሉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ሩስያ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ናይ ምጥቃዕ መደብ ኣለዋ ድዩ ዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፡ እዚ ኮነ ኢልካ ሩስያ ብኹሉ ንክትጽላእ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ብምግላጽ ፍጹም ሓሶት ምዃኑ ኣብሪሁ።