ኣፅዋር ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ምጥቃም ዩክረይን ነቲ ኵናት ክትቅይሮ ይሕግዛ’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዘለዉ ዒላማታት ንምውቃዕ ኣፅዋራት ምዕራባውያን ንክትጥቀም ተፈቒዱላ ኣሎ። እዚ ናይ ውሳነ ለውጢ እንታይ ከስዕብ ይኽእል? ኣብ ዩክረይን ንዘሎ ቅድመ ግምባር'ከ ብኸመይ ይፀልዎ?
ክሳዕ ሕዚ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኪየቭ፡ ንክሪምያን ዝተትሓዙ ግዝኣታትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ብሓገዝ ዝሃብኣ ኣፅዋራተን ከይትጥቀም ኣጊደን እየን ፀኒሐን። ብሃገራት ኔቶ ብዝተውሃቡ ኣፅዋራት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣብ ዘለዎ ዶብ ዒላማታት ምጥቃዕ፡ ነቲ ጐንፂ ከጋድዶ'ዩ ዝብል ሻቕሎት ነይርወን።
ኣብዚ እዋን ሩስያ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ካርኪቭ ምግስጋሳ ግና፡ መሻርኽቲ ኪየቭ ዝኾና ሃገራት፡ ዩክረይን ንርእሳ ንምክልኻል፡ በቲ ካልእ ወገን ንዘለዉ ወተሃደራዊ ዒላማታት ክተዕንው ከም ዝግባእ ክኣምና ደሪኹ ኣሎ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሩስያ ኣብቲ ዞባ መጠነ ሰፊሕ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ሓደሽቲ ግምባራት ብምኽፋት ብዙሓት ቁሸታት ተቖፃፂራ። እዚ ግስጋሰ ሩስያ፡ ኣብታ ካብ ዶብ 30 ኪሎሜትር ርሕቐት ትርከብ ዝዓበየት ካልአይቲ ከተማ ዩክረይን ዝኾነት ካርኪቭ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ።
ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ዶብ ውፅኢታዊ ቅድመ ግምባር እዩ። ካብ ዩክረይን ወፃኢ ንዘለዉ ዒላማታት ንምውቃዕ ኣፅዋር ምዕራባውያን ምጥቃም ዝብል እገዳ ድማ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ውሑስ ሃዋህው ኰይኖም ነዚ ስርሒት ንክዳለዉ ኣኽኢልዎም።
ካብ ዩክረይንን ሃገራት ኣውሮጳን ሰማይ እናዓረገ ዝመፅአ ፀቕጢ ስዒቡ ግና፡ ኣሜሪካ ፖሊሲኣ ብምቕያር ኪየቭ ብኣፅዋር ምዕራባውያን ንሩስያ ክተጥቅዕ ፈቒዳ።
ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዓርቢ ኣብ ፕራግ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኔቶ፡ “ምርኻብና ኣድላይ ዘበለ ለውጢ ንምግባር እዩ፣ ኣብ ዓውደ ግምባር ይካየድ ዘሎ ንምምላእን ዩክረይን ዘድልያ ነገር ከም ዝረኸበት ርግፀኛ ንምዃንን እዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ውሳነ ወግዓዊ ከይኰነ ከሎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ኣፅዋር ምዕራባውያን ግዝኣት ሩስያ ንምጥቃዕ ኣብ ጥቕሚ እንተድኣ ውዒሎም፡ ዝያዳ ዕላማታት ዩክረይን ክወቕዕ ወይ ነቲ ኩናት ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ከግፍሖ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ፑቲን ወሲኹ፡ ሃገራት ኔቶ “ፅዑቕ ህዝቢ ዘለወን ኣናእሽተይ ግዝኣታት ከም ዘለወን” ክዝክራ ይግባእ። ቅድሚ ኣብ ግዝኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ምዝታየን፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ከእትውኦ ይግባእ” ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኪየቭ ኣፅዋራት ኣሜሪካ ተጠቒማ ንሩስያ ክተጥቅዕ ዝሃበታ ፍቓድ፡ ነዊሕ ዝውንጨፍ ከም ስርዓተ ታክቲካዊ ሚሳይል (ATACMS) ኣብ ረብሓ ክተውዕሎ ዘይፈቐደትሉ ምኽንያት ዝጐሃሃር ጐንፂ ንምእላይ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዞም 300 ኪሎሜትር ርሕቐት ዝውንጨፉ ሚሳይላት ኣብ ግዝኣት ሩስያ ንዝርከቡ መዕርፎ ነፈርትን ወተሃደራዊ መዓስከርን ንምውቃዕ ክውዕሉ ይኽእሉ።
እዞም ከምዚኦም ዓይነት ገደባት፡ ዩክረይን ኣብ ጥቓ ዶብ ኣብ ዘለዉ ዒላማታት ጥራሕ ክተድህብ ኣገዲዶማ ይርከቡ። እዚ ኰይኑ’ውን ግና፡ መሻርቲ ኪየቭ ዓብይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እየን ገይረን።
ዋላ’ኳ ኣብ ቅልጣፈ እቲ ናይ መጥቃዕቲ መደብ ፅልዋ እንተሃለዎ፡ ክሳብ 70 ኪሎሜትር ሓፂር ርሕቐት ዝጓዓዙ ከም ሂማርስ ዝኣመሰሉ ሮኬታት ንስራሕቲ ሎጅስትቲክን ምንቅስቓስ ሰራዊትን ሩስያ ክዘርግዎ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ሰሜናዊ ካርኪቭ ወተሃደራዊ ስርሒታት ካብ ዘወሃህድ ታክቲካዊ ጉጅለ ሓደ ዝኾነ ዩሪ ፖቭክ፡ ሕዚ ዩክረይን፡ “ፀላኢ ንዩክረይን ንምጥቃዕ ንዘገልገሉ ሰራዊቱ፣ ንብረቱን ቀረብን ዝኽዝነሉ መደብራትን ክትወቅዕ ትኽእል እያ” ኢሉ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንካልእ ዙር መጥቃዕቲ ካብ ካርኪቭ 90 ኪሎሜትር ርሕቐት ሰራዊታ ትእክብ ከም ዘላ ገሊፁ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምዕራባውያን ሃገራት ንዩክረይን ዝሃብኦ ኣፅዋር ኪየቭ ክትጥቀመሉ ምፍቃደን ግና፡ ንኪየቭ ካብ መጥቃዕቲ እቲ ‘ካብ’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ሩስያ ግላይድ ቦምቧ ከድሕን ዝሕሰብ ኣይኰነን። ግላይድ ቦምቧ ኣዝዩ ኣዕናዋይ ብምዃኑ ንካርኪቭን ካልኦት ዶባዊ ከተማታትን ንምጥቃዕ ብቀፃሊ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።
ዩክሬናውያን ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ መጥቃዕትታት ንምፍሻል፡ ነዚ KAB ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦምቧ ዝዕጠቓ ነፈርቲ ናይ ግድን ዒላማ ክገብርወን ኣለዎም።
ኣብዚ ህሞት ነዚአን ዓይነት ነፈርቲ ዒላማ ክገብር ዝኽእል ብሕታዊ ኣፅዋር ድማ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ኣሜሪካ ፓትሪዮት እዩ። እንተኾነ ነዚ ኣፅዋር ናብ ካርኪቭ ክቐርብ ምግባር ከቢድ ሓደጋ እዩ። ናይ ስለላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብቐሊሉ ክኸሽፍኦን፡ ሞስኮ ከም ኢስካንዳር ዝኣመሰሉ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ነዚ ክባር መሳርሒ ክተዕንዎ ትኽእል እያ።
እቲ ዘደንቕ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳይን ብሓባር ዝሰርሕኦን ንዩክረይን ዝሃብኣን ‘ስቶርም ሻዶው’ ብኣየር ዝትኰሱ ክሩዝ ሚሳይላት ኣጠቓቕማ ዝምልከት ብንፁር ገደብ ኣየቐመጣን። እዚ ዓይነት ክሩዝ ሚሳይል ክሳብ 250 ኪሎሜትር ርሕቐት ክውንጨፍ ይኽእል።
ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንዩክረይን ክፈቕዱላ ከም ዘለዎም ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።
ሓይልታት ዩክረይን፡ ንዒለማታት ሩስያ ንምውቃዕ ዘኽእሉ ናይ ባዕሎም ኣፅዋር ክሰርሑ ይፍትኑ ኣለዉ። ገለ ሰብኣልቦ ነፈርቶም፡ ካብ ዶብ ኣማኢት ኪሎሜትር ርሒቖም ኣብ ዝርከቡ መኽዘናት ነዳድን ወተሃደራዊ ትካላትን ደብዲበን እየን። ኪየቭ፡ ካብ ዶብ ዩክረይን 1800 ኪሎሜትር ርሕቐት ኣብ ትርከብ ከተማ ኦርስክ ንዝርከብ መደብር ራዳር ደብዳብ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝፈፀመት ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







