ባይደን፡ ዩክረይን ኣጽዋራት ኣመሪካ ተጠቒማ ውሱን ዒላማታት ሩስያ ክትወቅዕ ፈቒዱ

ኣፅዋር ዝሓዙ ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዩክረይን ካብ ዋሽንግተን ብዝረኸበቶ ሓገዝ ኣጽዋር ንገለ ዒላማታት ሩስያ ክትወቅዕ ኣፍቂዱ። እዚ ፍቓድ ኣብ ጥቓ ዞባ ካርኪቭ ንዝርከቡ ዒላማታት ጥራይ ንምውቃዕ ዝዓለመ ከም ዝዀነ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም።

ሓደ በዓልመዚ ኣመሪካ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ጕጅለኡ ነቲ ዩክረይን ክትወቕዖ ዝድለ ዘሎ ዒላማታት ሩስያ፡ ኣጽዋራት ኣመሪካ ተጠቒማ ግብረ መልሲ ክትህብ ከም ትኽእል ከረጋግጽ መመርሒ ተዋሂብዎ ነይሩ።

ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ ዝርከብ ካርኪቭ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብዚ ዞባ ዓወታት ኣመዝጊቦም ኣለዉ።

ሰብመዚ ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ከባቢ ከተማ ካርኪቭ ኣብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን 16 ከም ዝተጐድኡን ብዓርቢ ገሊጾም።

እቲ ኣመሪካዊ በዓልመዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ ኣጠቓቕማ ሰራዊት ስርዓተ ታክቲካዊ ሚሳይል (ATACMS) ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ኣብ ምክልኻል ዝምልከት ዝነበረና ፖሊሲ ኣይተለወጠን” ኢሉ።

እዚ በዓልመዚ፡ እዚ ሓድሽ ፖሊሲ ንነፈርቲ ሩስያ ምጥቃዕ ዘጠቓልል እንተዀይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ንዓኣቶም (ዩክረይን) ነታ ክተጥቅዖም እትመጽእ ነፋሪት ሩስያ፡ ኣብ መሬት ሩስያ እንከላ ወቒዖም ከውድቕዋ ከም ዘይክእሉ ነጊርናዮም ኣይንፈልጥን” ብምባል መሊሱ።

ጉዳያት ወጻኢ ዋይት ሃውስ ኣብዚ ጉዳይ ቀጥታዊ ምላሽ ኣይሃቡን።

ዓባይ ብሪጣንያ’ውን፡ ዩክረይን ካብ ምዕራባውያን ዝረኸበቶም ኣጽዋር ኣብ ኣጠቓቕማኦም ንዝተነበሩ እገዳታት ንምፍኳስ ድልውቲ ከም ዝዀነት ቅድም ክብል ኣፍሊጣ እያ።

እዞም ስጕምትታት ነቲ ግጭት ከጋድድዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሻቕሎት ኣብ ዝሰፈነሉ፡ ብዙሓት መራሕቲ ኣውሮጳ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ኣጠቓቕማ እዞም ኣጽዋራት ዝነበረ ገደባት ክልሕልሕ ከም ዝጸውዑ ይፍለጥ።

ዓባይ ብሪጣንያ’ውን፡ ዩክረይን ኣብ ኣጠቓቕማ እቶም ካብ ምዕራባውያን ዝረኸበቶም ኣጽዋራት ንዝተነበሩ እገዳታት ንምፍኳስ ድልውቲ ከም ዝዀነት ኣፍሊጣ እያ።

ንዩክረይን ዝበዝሕ ኣጽዋር ዘዕጠቐት ኣሜሪካ፡ እቲ ኲናት ክብእስ ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ኣብ ኣጠቓቕማኦም `ንዝጸንሐ እገዳታት ከይዘልቕ ክትቃወም ጸኒሓ እያ።